ድለ

ቤተክርስትያን ኣብ ገዛእ ርእሳ ከይተሓጽረት ናብ ድኻታትን ናኣሽቱን ኢዳ ትዘርግሕ! ር.ሊ.ጳ

‘ንስኹም ብርሃን ዓለም ኢኹም’ ንዝብል ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል መበገሲ ብምግባር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 9 ለካቲት 2020 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብዛ ዓመጽን ጭቆናን ዓብሊልዎ ዘሎ ኢፍትሓዊ ዓለምና ቤተክርስትያን ኣብ ገዛእ ርእሳ ተሓጺራ ከይትተርፍ ንሓጢኣትን ሞራላዊ ውድቀትን እናተቃለሰት ነቲ ክዕብልል ቀሪቡ ዘሎ ጸልማት ብብርሃን ክርስቶስ ክትቅንጥጦ ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ማቴ 5.13 ዝተወስደ ኰይኑ ‘ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም! ጨው መቐረቱ እንተ ኣጥፍአስ ብምንታይ ይምቅር! . . . ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም . . .ነቲ ሠናይ ግብርኹም ርእዮም ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኬኽብርዎ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ የንጸባርቅ’ ዝብል ይርከቦ።

ቅዱስነቶም ነዘን ክልተ መምዘኒ ዝኾና ምሳሌ ብርሃንን ጨውን ነፍሲወከፍ ክርስትያን ከም መሰኻኽርን ሰበኽቲ ወንጌልን ብተግባር ክነብረን ዘለዋና ምዃነን ገሊጾም ኣብ ፍጻሜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ስለሃገረ ሲርያ ክንጽሊ ብምምሕጻን ኩሉ ውግእን ዓመጽን ደው ክብል ጻውዒት ኣቅሪቦም ከምኡ እውን ዕለተ ቀዳም 8 ለካቲት ተዘኪሩ ንዝወዓለ ዓለም ለኸ ዕለት ተቃውሞ ንግድ ደቂሰባት ኣመልኪቶም ንግድ ደቂሰባት ብኹሉ ክውገዝ  ዘለዎ ኢሰብኣዊ ተግባር ስለዝኾነ ኩሉ ወጊድ ንበሎ እንክብሉ ተሪር ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ንሓጢኣትን ክብሪ ደቂሰባት ዘዋርድን ነገራት ንቃወሞ!

ቅዱሰንቶም ኣብቲ ምሳሌ ጨው ብምትኳር ጨው ንመግቢ መቅረት ምሃብ ጥራይ ዘይኮነ ንመግብን ምሳኡ ንዝተታሓሓዙ ነገራትን ንነዊሕ እዋን ከይብስብሱ ይከላኸል ኢሎም።

“ተኸተልቲ ክርስቶስከስ ካብ ኅብረተሰብ ንጐዳኢ ዝኾኑ ነገራት ከርሕቁ ንሕይወት ደቂሰባት ካብ ዘበላሽው ባልዕ ክከላኸሉ ዝተጸውዑ እዮም። እዚ ጉዳያት እዚ ሞራላዊ ውድቀት ሓጢኣት ኰይኑ ተጻይ እዚኦም ናይ ቅንዕናን ሕውነትን መንገዲ እናመስከሩ ኣብ ናይ ዓለም ጣዕምን ሥልጣንን ሃብትን ከይወድቁ ወይውን ኢዶም ከይሃቡ ክቃለሱ ኣለዎም።”

እቲ ዕለት ዕለት ጨው ምድሪ ኰይኑ ክመላለስ ዝተጸውዔ ተኸታሊ ክርስቶስ ሽሕ’ኳ ውድቀት እውን ዘጋጥሞ እንተኾነ እናሻዕ ዳግም ተንሲኡ ብትዕግሥቲ ከምብሓዲሽ ጉዕዞኡ ዝጅምር ብዘተን ምስ ካልኦት ብምርኻብን ንኩሉ ዘመቅር ክኸውን ኣለዎ። እዚ ጨው እዚ ናብ ብዙኃን ርእይቶ እዩ ናብኡ ከይዝንብል ብምጥንቃቅን ካብ ውዳሴ ከንቱን ናእዳን ብምርሓቅን ንትምህርቲ ክርስቶስ እሙን ኰይኑ ከምቲ ጐይታ ከገልግል እምበር ክግልገል ዘይመጸ ብትሕትናን ሓናጺ ብዝኾነ ኣገባብን ክነብር ክቃለስ ኣለዎ ኢሎም።

ብሓሶት ተጐቢኡ ንዘሎ ዓለምና ብርሃን ንሃብ!

ነፍሲወከፍ ክርስትያን ኣሰር ክርስቶስ መምህሩ ተኸቲሉ ንዓለምናን ንልቢ ብዙሃትን ጐልቢቡ ንዘሎ ጸልማት ብብርሃን ክርስቶስ ከብርህ ዝተጸውዔ እዩ። እዚ ብርሃን እዚ ከምቲ ጐይታ ኣብ ወንጌሉ ዝብሎ ካብ ሠናይ ተግባር ዝምንጩ ኰይኑ ንሕያውነትን ምሕረትን ክርስቶስ ብዘረባ ዘይኮነ ብተግባር ዝገልጽ እዩ።

“ተኸታሊ ክርስቶስ ብርሃን መኣስ ይኸውን እንተበልና እምነቱ ክንዮ ጽበት ቦታን ክንዮ ቅድመ ኩነታዊ ፍርድን ብቅንዕና ክነብር እንከሎ ንኩሉ ግብዝነትን ሓሶትን ሰጊሩ ብርሃን ክርስቶስ ከንጸባርቅ እንከሎ እዩ።”

ናይቶም ውጽዓት ገዓር እትሰምዕ ቤተክርስትያን ንኹን!

ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ኣይትፍርህዎ ኣነ ስለዘሸነፍክዎ ክተሸንፍዎ ትኽእሉ ኢኹም ዝበሎ ተኸተልቲ ክርስቶስ ኣብ ዓለም ምንባር ከፍሃና የብሉን። ሽሕ’ኳ ዓልመና ብግጭትን ሓጢኣትን ዝተቈማጥዔ እንተኾነ ንሕና ግን መጋበሪ ክርስቶስ ኰና ብርሃኑ ኣብ ኩሉ ከምዝበጽሕ ክንገብር ንኽእል ኢና።

“ኣብ ቅድሚ ዓመጽን ፍትሒ ምጒዳልን ጭቆናን ሓደ ክርስትያን ኣብ ውሑስ ቦታ ተሓቢኡ ሱቊ ኢሉ ክዕዘብ የብሉን። ቤተክርስትያን እውን እንተኾነ ናይ ስብከተወንጌልን ኣገልግሎትን ተልእኮን ገዲፋ ኣብ ገዛእ ርእሳ ጥራይ ክትሕዛእ ዘይከውን እዩ። ኢየሱስ ኣብ መወዳእታ ድራር እንክጽሊ ኣቦኡ ንሓዋርያቱ ካብ ዓለም ከውጽኦም ዘይኮንስ ኣብ ዓለም እንከለው ክሕግዞም ካብ መንፈስ ዓለም ከኣ ክሕልዎም እዩ ለሚኑ። ቤተክርስትያንከስ ንድኻታትን ንናኣሽቱን ብልግስን ብርሕራሔን ክትከታተሎም ክትሕግዞም ኣለዋ። እዚ ከኣ ተጻይ መንፈስ ዓለም ንዓለም ጨውን ብርሃንን ምዃን እዩ። ቤተክርስትያንከስ ንገዓር ናይቶም ድሕሪ ኩሎም ዝተረፉን ዝተገለሉን ትስምዓ። ኣብ ጉዕዞ መንፈሳዊ ንግደት ከምዘላ ብምዝካር ከኣ ነቲ መድሓኒ ዝኾነ ህላዌ ክርስቶስ ኣብ ዓለም ክተዘኻኽር ኣለዋ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
10 February 2020, 16:00