ቤተክርስትያን ኣብ ገዛእ ርእሳ ከይተሓጽረት ናብ ድኻታትን ናኣሽቱን ኢዳ ትዘርግሕ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ማቴ 5.13 ዝተወስደ ኰይኑ ‘ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም! ጨው መቐረቱ እንተ ኣጥፍአስ ብምንታይ ይምቅር! . . . ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም . . .ነቲ ሠናይ ግብርኹም ርእዮም ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኬኽብርዎ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ የንጸባርቅ’ ዝብል ይርከቦ።
ቅዱስነቶም ነዘን ክልተ መምዘኒ ዝኾና ምሳሌ ብርሃንን ጨውን ነፍሲወከፍ ክርስትያን ከም መሰኻኽርን ሰበኽቲ ወንጌልን ብተግባር ክነብረን ዘለዋና ምዃነን ገሊጾም ኣብ ፍጻሜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ስለሃገረ ሲርያ ክንጽሊ ብምምሕጻን ኩሉ ውግእን ዓመጽን ደው ክብል ጻውዒት ኣቅሪቦም ከምኡ እውን ዕለተ ቀዳም 8 ለካቲት ተዘኪሩ ንዝወዓለ ዓለም ለኸ ዕለት ተቃውሞ ንግድ ደቂሰባት ኣመልኪቶም ንግድ ደቂሰባት ብኹሉ ክውገዝ ዘለዎ ኢሰብኣዊ ተግባር ስለዝኾነ ኩሉ ወጊድ ንበሎ እንክብሉ ተሪር ጻውዒት ኣቅሪቦም።
ንሓጢኣትን ክብሪ ደቂሰባት ዘዋርድን ነገራት ንቃወሞ!
ቅዱሰንቶም ኣብቲ ምሳሌ ጨው ብምትኳር ጨው ንመግቢ መቅረት ምሃብ ጥራይ ዘይኮነ ንመግብን ምሳኡ ንዝተታሓሓዙ ነገራትን ንነዊሕ እዋን ከይብስብሱ ይከላኸል ኢሎም።
እቲ ዕለት ዕለት ጨው ምድሪ ኰይኑ ክመላለስ ዝተጸውዔ ተኸታሊ ክርስቶስ ሽሕ’ኳ ውድቀት እውን ዘጋጥሞ እንተኾነ እናሻዕ ዳግም ተንሲኡ ብትዕግሥቲ ከምብሓዲሽ ጉዕዞኡ ዝጅምር ብዘተን ምስ ካልኦት ብምርኻብን ንኩሉ ዘመቅር ክኸውን ኣለዎ። እዚ ጨው እዚ ናብ ብዙኃን ርእይቶ እዩ ናብኡ ከይዝንብል ብምጥንቃቅን ካብ ውዳሴ ከንቱን ናእዳን ብምርሓቅን ንትምህርቲ ክርስቶስ እሙን ኰይኑ ከምቲ ጐይታ ከገልግል እምበር ክግልገል ዘይመጸ ብትሕትናን ሓናጺ ብዝኾነ ኣገባብን ክነብር ክቃለስ ኣለዎ ኢሎም።
ብሓሶት ተጐቢኡ ንዘሎ ዓለምና ብርሃን ንሃብ!
ነፍሲወከፍ ክርስትያን ኣሰር ክርስቶስ መምህሩ ተኸቲሉ ንዓለምናን ንልቢ ብዙሃትን ጐልቢቡ ንዘሎ ጸልማት ብብርሃን ክርስቶስ ከብርህ ዝተጸውዔ እዩ። እዚ ብርሃን እዚ ከምቲ ጐይታ ኣብ ወንጌሉ ዝብሎ ካብ ሠናይ ተግባር ዝምንጩ ኰይኑ ንሕያውነትን ምሕረትን ክርስቶስ ብዘረባ ዘይኮነ ብተግባር ዝገልጽ እዩ።
ናይቶም ውጽዓት ገዓር እትሰምዕ ቤተክርስትያን ንኹን!
ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ኣይትፍርህዎ ኣነ ስለዘሸነፍክዎ ክተሸንፍዎ ትኽእሉ ኢኹም ዝበሎ ተኸተልቲ ክርስቶስ ኣብ ዓለም ምንባር ከፍሃና የብሉን። ሽሕ’ኳ ዓልመና ብግጭትን ሓጢኣትን ዝተቈማጥዔ እንተኾነ ንሕና ግን መጋበሪ ክርስቶስ ኰና ብርሃኑ ኣብ ኩሉ ከምዝበጽሕ ክንገብር ንኽእል ኢና።