ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንግዳዊ ምርኢት ምስተራዮ ናይ ባህልታት ጽባቔ እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንግዳዊ ምርኢት ምስተራዮ ናይ ባህልታት ጽባቔ እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንግዳዊ ምርኢት ምስተራዮ ናይ ባህልታት ጽባቔ እዩ

ይገብር፡ ሰብኣውን ከባቢያውን ማሕድሮ ብጥንቃቔ ንምኽባር ይሕግዝን ኣብ መወዳኣታ ዲልን ሕዳሴን ክህልው ይገብር፡ ከምዚ ምስ ዝኸውን እቲ ምርኢት ብዓለም ለኻዊ ኰነ ብከባቢያዊ ደረጃ እወታዊ ማሕታ ይህልዎን ማራኺ እውን ይኸውን

ዕለት 6 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ዓለም ሓቆፍ ንግዳዊ ምርእቲ ማሕበር ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም፡ “ንስኻትኵም ብእተነቓቕሕዎ ተበግሶታት ሓበን ዝስምዓኩም ክትዀኑ ትኽእሉ - እዚ ኸኣ ተበግሶታትኵም ኵሉ ንናይ ሓባር ጥቕን ንናይ ሓባር ኵለንተናዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ምዃኑ ምስትውዓል ክህሉ ምስ ዝገብር እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መደረ ከምዘስምዑ ልኡኽ ጋዜጠይና ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለም ሓቆፍን ከባብያውን ማዕዝናት ውሕሉል ምትእስሳር ዝህልዎ ናይ ባህልታት ጽባቔ ዘርእይ ምስ ዝኸውን እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዓለም ለኻውን ከባብያውን ኣብ ዝብሉ ክልተ ቃላት ዘተኰረ መደረኦም፡ ናይ ንግድ ምርኢትን ንገዛእ ርእሱ ምርኢት ኣብ ናይ ከባቢ ኤኮኖምን ኣብ ዕዮ ንግድን እወታዊ ሳዕቤን ዘለዎ ጥራሕ ዘይኰነ፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ባህልታት ዘሎ ሃብታም ዝዀነ ብዙሕነትን ጽባቔን ናይ ከባቢ ስርዓተ ማሕድሮን እውን ዘርእይ ኣጋጣሚ እዩ፡ ብፍላይ ዓለም ሓቆፋዊ ናይ ንግድ ምርኢት፡ ንናይ ምርኻብ ባህሊ ምዕባለ ኣበርክቶ ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፥

ናይ ካባቢ ኤኮኖምን ሰብኣዊ ማሕድሮን

ከም መራሕቲ ናይ ምርኢታትን ናይ ዓበይቲ ናይ ንግድ ምርኢታት ማሕበራት፡ ኣብዚ ምርኻብኩም ከም ናይቲ ብኣዅም ዝጥርነፍ ማሕበር ሰብ ሙያተይናታት ጥራሕ ዘይኰነ ብእተሳልጥዎ ዕዮታትኵም ኣቢልኩም ዓለም ሓቆፍ ኤኮኖሚ ቅኑዕን ሰብኣውን ንኽኸውን ኣብርክቶኹም ንምልላይ እውን እዩ፡ ሓቛፍነትን ክንክን ናይ ሓባር ቤትናን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረትን ሕዝብታትን ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ንምንቕቓሕ ዝብል ብኻልኣይ ደረጃ ዝሕደግ ስነ ምግባር ዘይኰነስ - ቁጠባዊ እቶት ንበይኑ መምዘኒ ዲል ከምዘይኰነ ዘመላኽት ኤኮኖሚ ንምሕናጽ እውን እዩ፥

ምርኢት ኣብ ምስንዳውን ምኽዋንን ዘለኵም ተመክሮ፡ ሓደ ምርኢት ዝሓቶም ረቛሒታት ብስኒት ክኸዱ እቶም ኣብቲ ምርኢት ዝዓዩ ድዮም ንትርኢት ዝቐርብ ንዋትን እቲ ናይ ምርኢት ዓውዲ ኰነ ኵሉ እቲ ዘድሊ ምዑዝ ክኸውን ከምዘለዎ ይምህረኩም፡ ብዓለም ሓቆፋውን ብከባብያውን ደረጃ ኣብ መዳይ ምርኢትን ናይ ንግድ ምርኢትን ዝለዓለ ምትሕብባር ምስ ዝህልው ኣብ መዳይ ኤኮኖሚ ኰነ ኣብ ሰብኣውነት እውን ዲል ክርከብ ዝድግፍ ኣኽእሎት ክምዕብል ይድርኽን፡ ናይ ዞባ ኤኮኖሚ ዝድግፍን ናይ ስራሕ ሓይሊ ክብ ዘብልን ንናይቲ ከባቢ ባህሊ ክብሪ ብምሃብን ዝራኸብ ክኸውን ይገብር፡ ሰብኣውን ከባቢያውን ማሕድሮ ብጥንቃቔ ንምኽባር ይሕግዝን ኣብ መወዳኣታ ዲልን ሕዳሴን ክህልው ይገብር፡ ከምዚ ምስ ዝኸውን እቲ ምርኢት ብዓለም ለኻዊ ኰነ ብከባቢያዊ ደረጃ እወታዊ ማሕታ ይህልዎን ማራኺ እውን ይኸውን

ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ምርኢትን ናይ ንግድ ምርኢት ሰናይ ሰብኣዊ ርክብ ዝፈጥሩ ክዀኑ

ምርኢት ንምስንዳውን ንምኽዋኑን ብዙሕ ዘድክም እውን እንተዀነ ጸገም ዝፈጥር እውን ይዅን ክንየው እቲ ኵነት ምርኢት ሰናይ ሰብኣዊ ርክብ ንኽፍጠር ዝሕግዝ መርበብ ናይ ምዝርጋሕ ብቕዓት ይህልዎ፡

ንስኻትኩም ብእተነቓቕሕዎ ተበግሶታት ሓበን ዝስምዓኵም ክትዀኑ ትኽእሉ - እቲ ዝስምዓኵም ሓበን ተበግሶታትኵም ኩሉ ንናይ ሓባር ጥቕምን ንናይ ሓባር ኵለንተናዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ምዃኑ ኣብ ዝብል ጽኑዕ ምስትውዓል እዩ፡

እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ዝሓበሩ ሎሞናኰ ኣተሃሒዞም፡ እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ምርኢትን ናይ ንግድ ምርኢትን ማሕበር እቲ ኣብ ሮማ ክሳብ ዕለት 7 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ዘካይዶ ዕለት 6 ለካቲት ዘበገሶ ዋዕላ፡ ንናይ ዓለም ሓቆፍ ኢንዳስሪታት ምርኢት ዓቢይ ኣገዳስነት ከምዘለዎን፡ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ምርኢት 4,5 ሚሊዮን ትካትላት ከምዝሳተፈን ልዕሊ 303 ሚሊዮን በጻሕቲ ከምዘአንገደን ዝፈጠሮ ኤኮኖሚያዊ ማሕታ 275 ሚሊያርድ ኤውሮ ከምእተገመተን ካብ ጠቕላላ ናይ ዓለም ምህርቲ እቶት 167,2 ሚሊያርድ ኤውሮ ዝሽፍን ምዃኑ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ምርኢትን ናይ ንግድ ምርኢትን ማሕበር ዘውጸኦ ጸብጻብ ጠቒሶም ይሕብሩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንግዳዊ ምርኢት ምስተራዮ ናይ ባህልታት ጽባቔ እዩ

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንግዳዊ ምርኢት ምስተራዮ ናይ ባህልታት ጽባቔ እዩ
07 February 2020, 17:12