ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቦዝኒያን ኤርዘጎቪናን ተረይና ርእሰ ብሔርን ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቦዝኒያን ኤርዘጎቪናን ተረይና ርእሰ ብሔርን 

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቦዝኒያን ኤርዘጎቪናን ተረይና ርእሰ ብሔርን

ርእሰ ብሔር ኮሚሺች ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ምኽትል ዋና ጸሓፍ ብፁዕ ኣቡነ ሚሮስላው ዋቾውስኪ ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡን

ኣብቲ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ዝተኻየደ ርክብ፡ ብዛዕባ ምሉእ ብምሉእ ምኽባር ናይ መላእ ዜጋታት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምርግጋጽን ከምኡ እውን ናይ ሕዝብታት ማዕርነትን ምስፋሕ ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ዝምልከቱ ርእሰ ጉዳያት ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ናይ ቦዝኒያን ኤርዘጐቪና ተረይና ርእሰ ብሔርን ዕለት 15 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰፊሕ ምይይጥ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 15 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ቦዝኒያን ኤርዘጐቪናን ተረይና ርእሰ ብሔር ዘሊይኮ ኮሚሺች ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ርእሰ ብሔር ኮሚሺች ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ምኽትል ዋና ጸሓፍ ብፁዕ ኣቡነ ሚሮስላው ዋቾውስኪ ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ክሌኣዊ ርክብን ውሽጣዊ ኩነት

እቲ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ቦዝኒያ ኤርዘጐቪናን ልባውን ሰናይን ምዃኑ ዘረጋገጸን፡ብዛዕባ እዚ ክሌኣዊ ርክብ’ዚን ስዒቡ እውን ብዛዕባ ውሽጣዊ ኩነታት ቦስኒያን ኤርዘጐቪናን ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ቤተ ካቶሊክን ምይይጥ ከምእተኻየደን፡ ናይ ዜጋታትን ምሉእ ብምሉእ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምኽባርን ኣብ መንጐ ናይታ ሃገር ቀዋሚ ኣካል ሕዝብታት ውሕስነት ማዕርነትን ኣብ ዝምልከት ዝክረ ነገር እውን ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ከምእተኻየደን፡

ዓለም ለኻውን ዞባውን ጉዳያት

ኣብ መወዳእታ፥ ኣብ ዓለም ሓቆፋውን ዞባውን መድርድኽ ዘሎ ናይ ሓባር ረብሓን ጸጥታን ሰላምን ኣብ ምዕራባዊ ባልካን ዞባ ዘሎ ናይ ሓባር ብድሆ ንምብዳህን ምስፋሕ ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ምይይጥ ከምእተኻየደ ኣፍሊጡ።

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቦዝኒያን ኤርዘጎቪናን ተረይና ርእሰ ብሔርን

Photogallery

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቦዝኒያን ኤርዘጎቪናን ተረይና ርእሰ ብሔርን
15 February 2020, 17:22