ድለ

2020.02.15 ር.ሊ.ጳ ምስ ደያኑን ሰበሥልጣን ቫቲካን ኣብ ምጅማር ሓዲስ ዓመት ዓመት ፍርዲ 2020.02.15 ር.ሊ.ጳ ምስ ደያኑን ሰበሥልጣን ቫቲካን ኣብ ምጅማር ሓዲስ ዓመት ዓመት ፍርዲ  

ሕዳሴ ሕገጋት ቫቲካን ክፍሊ ተልእኮ ቤተክርስትያን እዩ! ር.ሊ.ጳ

ሃገረ ከተማ ቫቲካን ናይ ገዛእ ርእሳ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ስለዘለዋ ምጅማር ሓዲስ ዓመት ዓመት ፍርዲ ምኽንያት ብምግባር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ንኣባላት ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ቫቲካንን ካልኦት ሰበሥልጣንን ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ‘ብእትገብርዎ ሥራሕ እተኣማመን እየ’ እንክብሉ እምነቶም ብምግላጽ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ባዕሎም ካብ ውሽጢ ቫቲካን ንዝነበረ ፋይናንሳዊ ጸገም ርእዮም ብዘካየድዎ ምጽራይ እውን ሞጊሶምዎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ሃገረ ቫቲካን ኣብ ውሽጣ እትመሓደረሉ ሕጊ ንምሕላውን ኩሉ ከም ሥርዓቱ ንክካየድ ዝከታተሉን ዝተፈላለዩ ናይ ምምሕዳራት ሓለፍትን ኣባላት ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ከተማ ቫቲካን ዝርከብዎምን ሎሚ ቀዳም ምስ ር.ሊ.ጳ ተራኺቦም።

ቅዱስነቶም ኣብ ዘቅረብዎ ስፍሕ ዝበለ ማዕዳን መግለጽን ብቀዳምነት ፍትሒ ኣብ ቤት ከምዝጅምር እዚ ፍትሒ እዚ ከኣ ኣብ ሕግታትን ምክትታሎምን ምትኳር ዘይኮነ ናይ ልቢ ፍትሒ ስለዝኾነ ልቢ ክኽፈትን ንኩሉ ብሕልና ክመርሕን ክኽእል ከምዘለዎ ገሊጾም። ልቡ ዘይተተንከፈ ሰብ ግላዊ ለውጢ ሕልና ዘየካየድ ሰብ ፍትሒ ከውጽእ ብመንገዲ ፍትሒ ክመላለስ ኣሸጋሪ ስለዝኾነ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ ዝእዝዞ ፍትሒ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ነፍሲ ወከፍ ግላዊ ለውጢ ሕልና ለውጢ ልቢ የድልዮ ኢሎም። እዚ ዓይነት ፍትሒ እዚ ጥራይ እዩ ሓቀኛ ፍትሒ ክወልድ ዝኽእል ምስ በሉ ፍትሒ በይኑ እኹል ከምዘይኮነን ካልኦት መንፈሳውያን ሓይልታት እውን ከምዘድልዩ ገሊጾም። ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ከምዝተማሃርናዮ ጽንዓት መጠን ዓቅሊ ዝብሃሉ ሓይላት እውን ከምዘድልዩ ገሊጾም።

ደያኑ ክንብል እንከሎና ብዙሕ ግዜ ናብ ምቅጻዕ ስለእንዝንብል ፍትሒ በቲ ዝለዓለ መንፈሳዊ ሓይሊ እንብሎ ምሕረት ክስነ ኣለዎ። ዓይኒ ምሕረት ከየዔመትካ ፍትሒ ምውጻእ ማለት ፍትሒ ምጉዳል ኣይኮነን እንታይ ደኣ ነቲ ቀንዲ ምኽንያት ጌጋ ብምርዳእ ናይቶም ሕጊ ዘጒደሉ ተኣፋፍነት እውን ኣብ ግምት ኪኣቱ ኣለው። እቲ ሕዳሴ እንብሎኸስ እዚ እዩ። ምስ ተልእኮ ቤተክርስትያን ተቋሪኑ ዚጐዓዝ እውን እዩ።

ሕዳሴ ወትሩ ምስ ተልእኮ ቤተክርስትያን ዝተተሓሕዘ እዩ!

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ፍትሒ ዚኣክል ምስ ገለጹ ከም ካልአይቲ ነጥቢ ዘቅረብዋ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ሰባት ንዘሎ ርክብ ዝሕልው ሕግታትን ኣብ ግብሪ ንምውዓሎም ዘገልግሉ ሞራላዊ መምርሒታትን ዝብል እዩ። ሕዳሴ ኣብ ሕግታት ቫቲካን ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ከምዘምጸኤን እዚ ከኣ ንማለቱ ዘይኮነ ቅድስት መንበር ኣብቲ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብዘለዋ ተወፋይነት ንሃገረ ቫቲካን ወኪላ እተካይዶ ጉዕዞ እዩ ኢሎም።

እዚ ንዓለምለኸ ማሕበረሰብ እተርእዮ ተኣማንነት ከኣ ቅድሚ ዝኣገረ ንግለሰብስ ይኹን ንማሕበራት ንምክልኻል እዩ። ስለዚኸስ ይብሉ ቅዱስነቶም ቀንዲ ዕላማ ሕዳሴ ምስት ተልእኮ ቤተክርስትያን ክወሃሃድን ናይ ተልእክኣ መሠረታውን ውሁድን ክፍሊ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ኣብ ግብሪ ምውዓሉን  ብቅዓቱን!

እዚ ጉዕዞ ሕዳሴ ሕልናን ዓይንናን ከም እንኸፍት ጌሩስ ድሮ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ቊጠባዊ ኩነታት ሃገር ቫቲካን ርእሰ ፍተሻ ተኻዩዱስ ኣብ ናይ ምጽራይ ከይዲ ኣሎ። ነዚ ኩነታት እዚ ፍሉይ ዝገብሮ እቲ ምጥርጣር ካብ ከርሲ ቫቲካን ብምብጋሱ ናይቲ ሕዳሴ ኣብ ግብሪ ምውዓልን ብቅዓትን የመልክት። እዚ ከኣ ንጉዳይ ቁጠባን ገንዘብን ብዝምልከት ብዓለም ለኸ መምዘኒታትን ሕግታትን ቀጥ ኢሉ ንክሥራሕ ካብ ንእውጅ ኣትሒዝካ ዚካየድ ዘሎ እዩ።

ኣብዚ ዚካየድ ዘሎ ምጽራይ እቲ ብጀንዳርመሪ ዝፍለጥ ናይ ከተማ ቫቲካን ኣካል ሓለዋ ነቲ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ቃውመ ፍትሕ ዘካይዶ ዘሎ ምጽራይ ኣብ ምሕጋዝ ብዙሕ ኣበርኪቱ የበርክት እውን ኣሎ።

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ነቲ ዝግበር ናይ ተሓድሶ ሥራሓት ብምምጓስ  እቲ ሥራሕ ብደቂ ሰባት ስለዝካየድ ነቶም ነዚ ዘካይዱ ብቅዓት ኣእምሮን ክእለትን ጥራይ ዘይኮነ ብሞራልን ናይ ሥራሕ ሕልናዊ ሓላፍነት ዝግድዶ ጉዳያትን እውን ብቀጻሊ ክንቅሓሉ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ምስ ኣዘኻኸሩ ‘ከምዚ ብምግባር ንፍትሒ ምድንፋዕ ኣበርክቶ ናይ ቅኑዓት ሰባት ከምዘድልዩ ንርዳእ’ ኢሎም። ብዛዕባ ምድራዊ ፍትሒ እንክንዛረብ ንመልከታዊ ፍትሒ እውን ክንዝንግዕ የብልናን።

መለኮታዊ ፍትሒ እናተጸበና!

ንምዝኽካር ዚኣክል እታ ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ ‘ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ክትፍረዱ ብዝሰፈርኩምዎ መስፈር ኪስፈረልኩም እዩ’ ንዝበሎ ጠቂሶም ኣብዚ ምድራዊ ሕይወትና እንገብሮ ኩሉ ምናዳ ኸኣ ፍትሕን ፍርድን ብዝምልከት ኣርሒቅና ክነማዕድዎ ዘሎና ነቲ ጽባሕ ዝጽበየና ዘሎ መለኮታዊ ፍትሒ እዩ። እዚ ቃላት እዚ ከፍርሃና የብሉን እኳ ደኣ ንተልእኮናን ኣገልግሎትናን ብቊምነገርን ብትሕትናን ክንፍጽም ይሕግዘና እንክብሉ ቃሎም ደምዲሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
15 February 2020, 17:28