ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ሰብኣውነት - ሕያውነት ዘለዎ ሰብ ናጻ እዩ

እቲ ኢየሱስ ብዛዕባ ብጽዕና ኣብ ዝሃቦ ጥልቂ ትምህርቲ፡ ዘገርምን ዘደንጽውን ብመንፈስ ድኻታት ዝብል ኣርእስቲ ገይሮም፡ ብመንፈስ ድኻ ምዃን፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ምዃንና፡ ሰብ ኣብ ምዃንና ድኻ ምዃንካ ማለት ውስንነትካ ምቕባልን ማለት እዩ

ሎሚ ዕለት 5 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ፡ እቲ ዝሓለፈ ዕለት 29 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ብጹዕነት ብዝብል ኣርእስቲ ዘበገስዎ ሓድሽ መደብ ኣስተምህሮ ትምርህተ ክርስቶስ፡ ኣስዒቦም ብምንፈስ ድኻታት ዝዀኑ ዝብል ቃል ዋና ርእሰ ጉዳይ ገይሮም፡ እቶም ብመንፈስ ድኻታት፡ ኣብ ውሳጣዊ ምዃናዊ ድኽነት ዝስምዖም እያቶም፡ ውስንነትካ ብምፍላጥ ጥራሕ እዩ ብናጻ ምፍቃርን መእንቲ ካልኦት ሕይወትካ ኣሕሊፍና ምሃብን ዝከኣል ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ከምዘዘኻኸሩ ልኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. ሓሙሽተ ኢየሱስ ብዛዕባ ብፅዕና ዝመሃሮ ትምህርቲ ኣሞርኵይዞም ሎሚ ዕለት 5 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ እቲ ኢየሱስ ብዛዕባ ብጽዕና ኣብ ዝሃቦ ጥልቂ ትምህርቲ፡ ዘገርምን ዘደንጽውን ብመንፈስ ድኻታት ዝብል ኣርእስቲ ገይሮም፡ ብመንፈስ ድኻ ምዃን፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ምዃንና፡ ሰብ ኣብ ምዃንና ድኻ ምዃንካ ማለት ውስንነትካ ምቕባልን ማለት እዩ፡ ውስንነትካ ምፍላጥ ምሕረት ንኽትሓትት ይድርኸካ፡ እዚ ኸኣ እቲ ደሓር ዝሓልፍን ዘይህልውን ጽቡቕ ዝናን ክብርን ወይ ሃብቲ እዛ ዓለም ስለ ዘለካ ዘይኰነስ ምሕረት ምሕታት ንመንግስቲ ኣምላኽ ውሕስነት ይዀነልካ፡ ምኽንያቱ ልዕሊ ኩሉ እቲ እዚዩ ክብሩ ዝዀነ ካብ ገዛእ ርእስኻ ንላዕሊ ስለ እተፍቅር። ምእንቲ ብጻይካ ሕይወትካ ኣሕሊፍካ ምሃብ ስለ ክርስቶስ ምባል እዩ። እዚ እውነተይና ናጽነት ይበሃል።

እቲ ሓንጐፋይ ቢልና ክንቅበሎ ዘሎና ድኽነት እቲ ኣብ ምዃንና ዘሎ እዩ፡ ናጻ ንምዃንን ንምፍቃር መታን ኣኽእሎቱ ክህልወና ካብዚ ናይዚ ዓለም ሃብቲ ናጻ ምዃን ዝብል ድኽነት ምምራጽ የድሊ፡ እቲ ኣብ ምዃናዊ ድኽነትና ዝተሰርተ ናይ ልቢ ናጽነት ወትሩ ምንዳይ፡

መንፈስ ቅዱስ፡ ናይ ሕይወት እስትንፋስ

ቅድስነቶም ድኽነት ወይ ድኻ ክበሃል እንከሎ እንታይ ማለት እዩ? ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም፡ ድኽነት ወይ ድኻ ምዃን ማለት ግኡዝ ነጋራት ዝተሓርሞ ምዃን ማለት ኣይኰነን፡ ምኽንያቱ ካብኡ ንላዕሊ ምዃናውነትና ዝምልከት ስለ ዝዀነ፡

ቅዱስ መጽሓፍ ከምዝሕብሮ መንፈስ ፡ እግዚኣብሔር ንኣዳም ክፍጥር እንከሎ ዘስተንፈሶ ሕይወት እዩ፡ እዚ ኸኣ ናይ ምዃንና መሰረትን ጥልቅን ትርጉም እዩ፡ ማዕቅን መንፈሳውነት እዩ፡ እቲ ኣዚዩ ጥልቂ ዝዀነ፡ ብሓጺሩ ሰብኣውነት፡ ናይ ምዃንና ጥልቃውነት እዩ፡ ስለዚህ ድኻታት ብመንፈስ ክበሃል እንከሎ፡ እቶም ምዃናውነቶም ዝዀኑ ኣያቶም፡ ድኻታት ምዃኖም ዝስቆሮም፡ ኣብ ጥልቂ ምዃናውነቶም፡ ኢየሱስ ነዚኣቶም ብጹዓን ይብሎም ስለምንታይ መንግስቲ ሰማያት ናታቶም ስለ ዝዀነት!

ናይ ምምሓር ብቕዓት ዘይብልካ ምዃን

ሓደ ነገር ምዃንን ሓደ መን ምዃንን (ገለ ሰብ)፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ሕይወት ኣብዞም ክልተ ኣንፈት ዝተቐወደ እዩ፡ ብሕትውናን ኣልቦ ሓሴትን ምስ ካልኦት ኣብ ውደራ ምእታውን ኣብ ውደራ ምንባርን ናይ ኣንነት ዕብሉል ምዃን ማለት እዩ፡ እዚ ኸኣ ወትሩ ዘይምሉእን ተኣፋፍን ኰይንካ ምትራፍ ማለት እዩ፡ ድኻ ምዃንካ እንተድኣ ዘይትቕበልን ዘይተፍልጥን ኰይንካ፡ እቲ ተኣፋፍነትካ ዘዘኻኽረካ ውስንነት ዘይትቕበልን እትጸልእን ኢኻ እትኸውን፡ ተኣፋፍነትካ ክኽውል ዝኽእል ምንም ነገር የልቦን፡

ውስንነትና ዘይምቕባል፡ ምንባርካ እዩ ዝህውኽ፡ ሕማቕ ኢኻ እትነብር፡ ድኻምነትካ ዘይምቕባል፡ ትዕቢተይና፡ ዕቡያት ሓገዝ ኣይሓቱ፡ ርእሰ ብቕዓት ዘለዎም ምዃኖም ንኸርእዩ መታን፡ ሓገዝ ዘይሓቱ፡ ሓገዝ ዘድልዮም እውን እንተዀነ እቲ ኣብኦም ዘሎ ትዕቢት ሓገዝ ንኸይሓትቱ  ይጋርዶም፡ ጌጋኻ ተኣሚንካ ምሕረት ምሕታት ክንደይ ይኸብድ! ተጋግየ ቢልካ ምህረት ምሕታት ብሓቂ ከቢድ እዩ!

ንምስጢረ ተክሊላዊ ሕይወት ዘድልዩ ሰለስተ መሰረታውያን ቃላት

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ መደብ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ካብ ዝተረኽቡ ነቶም ሓደስቲ ሰብ ሓዳር እናሓሰቡ፡ ብኽብረትካ/ብኽብረትኪ፡ የቐንየለይን ኣይተሓዘለይ/ኣይትሓዝለይን - ይቕረ በለለይ/በልለይን ዝብላ ሰለስተ ቃላት ኣብ ሓዳር ኣገደስቲ እያቶም፡ እዘን ሰለስተ ቃላት እዚኣተን ካብቲ ኣብ ምዃንካ ካብ ዘሎ ድኽነት እያተን ዝነቕላ፡ ድኽነት - ውስንነትካ/ጐዶሎነትካ ምቕባል፡ ምህረት ምሕታት ክንደይ ከቢድ እዩ!

ትዕቢተይና ምሕረት ምሕታት ዘይከኣሎ እዩ፡ ኵሉ ሳዕ ርትዓዊ እየ ምኽንያታዊ እየ በሃላይ፡ ከምዚ ዝብልን ኣብ ከምዚ ኵነት ዝነብርን ድኻ ኣይኰነን ማለት እዩ፡ ጐይታ ኣብ ምሕረቱ ዘይደክም እዩ፡ እቶም ምሕረት ኣብ ምሕታት ዝደኽሙ ንሕና ኢና፡ ምሕረተ ኣብ ምሕታት ምድካም፡ እቲ ዝኸፍአ ሕማም እዩ!

ኵነት ጸጋ

ውስንነትካ ምሕባእ፡ ብሓቂ ኣድካምን ዘጨንቕን እዩ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፥ ድኻ ምዃን ኵነት ጸጋ እዩ ይብለና፡ ካብቲ ውስንነትካ/ጐዶሎነትካ ካብ ዘይምቕባል ድኻምነት ንኽንወጽእ ዘኽእለና መገዲ ይሕብረና፥

ብመንፈስ ድኻታት ንምዃን ገዛእ ርእስና ንኽንቅይር ዝሓትት ኣይኰነን፡ ስለምንታይ ድሮ ብመንፍስ ድኻታት ስለ ዝዀንና፡ ድኻታት ኢና፡ ብመንፈስ! ኵሉ ዘድልዮም እያትና፡ ኵላትና ብመንፈስ ድኻታት ኢና፡ እዚ ሰብኣዊ ኵነት እዩ፡

ሓይሊ እግዚኣብሔር

“መንግስቲ ኣምላኽ - ይብሉ ቅዱስነቶም - ናይቶ ብመንፈስ ድኻታት ዝዀኑ እያ”፡ ብሃብቲ ዓለም ኣብ ግኡዝ ነገራት ዝተሓንጸ ምሾት ዝተመልአ መንግስቲ ማለት ኣይኰነን፡ እዚ ሓላፊ እዩ፡ ሃብቲ እዛ ዓለም ድሕሪ ሞት ትርጉም ዘይብሉ ሃብቲ እዩ፡

ብዙሕ እዋን ኣብ ናይ ዜና ማዕከናትን መደባት ፈነወ ዜናታትን እቲ መንግስትን እቲ ኣመሓዳርን ብሩቱዕን ሓያልን ክበሃል ንሰምዕ፡ ብርቱዓት መንግስቲ ተባሂሉ ዝንገረሎም … ኵሎም መንግስታት ዝሓልፉ እያቶም፡ ትማሊ  ዝነበሩ ጽባሕ ዘይህልዉ፡ ሃብቲ እዛ ዓለም ሓላፋይ እዩ፡ ኰሎም ክሓልፉ እያቶም፡ ሃብቲ ገንዘብ እውን ከምኡ፡ ኣበው፡ መግነዝ ጅባ የብሉን ይብሉ ክምዕዱ እንከለዉ፡ ሓደ ዝሞተ ሰብ ናብ ናይ መቓብር ስፍራ ክፋነው እንከሎ ንብረቱ ምስኡ ኣይግዕዝን፡ ነቲ ዝለዓለ ሰናይ ዘፍቕር ንሱ እዩ እቲ ብመንፈስ ድኻ፡ ነቲ ልዑል ሰናይ ዝዀነ ካብ ገዛእ ርእሱ ንላዕሊ ዘፍቅር፡ እዚ እዩ ናይ እግዚኣብሔር ሓይሊ።

ናጻ ኣብ ሕውነትን ፍቕርን ትሕትናን

ክርስቶስ ሕይወት ምእንቲ ካልኦት ኣሕሊፍካ ኣብ ምሃብ ከሃሌ ኵልነቱ - ስልጣኑን ሓይሉን ኣስተርኣየ፡ እዚ ኣብ ምግልጋልን ሕውነትን ዘሎ ናጽነት ዘመላኽት ወይ ዝጠልብ እውነተይና ሓይሊ እዩ፥

ሓይሊ ሕውነት፡ ሓይሊ ፍቕርን ሓይሊ ግብረ ሰናይን ሓይሊ ትሕትናን፡ ክርስቶስ ነዚ እዩ ዝፈጸመ፡ እውነተይና ናጽነት ኣብኡ እዩ፡ ኣብ ሕውነትን ፍቕርን ተወፋይነትን ትሕትናን፡ ናይ ትሕትናን ናይ ምግልጋልን ናይ ሕውነትን ሓይሊ ዘለዎ፡ ንሱ እዩ ናጻ፡ ነዛ ናጽነት’ እዚኣ ምግልጋል፡ እቲ ኢየሱስ ኣብ ናይ ብጽዕና ትምህርቱ ዝውድሶ ድኽነት ዘሎ እዩ!

እንክብሉ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ካፐሊ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ሰብኣውነት - ሕያውነት ዘለዎ ሰብ ናጻ እዩ

 

 

05 February 2020, 17:25