ሁከት/ውግእ ዝቅስቅስ ስምዒታቱ ክቈጻጸር ዘይክእል እዩ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ማቴ 5.17 ዝተወስደ ኰይኑ ሥርዓት ኦሪት ብሕጊ ወንጌል ከምዝተመሓየሸ ዘመልክት ክፍሊ ነበረ። ንኦሪትን ንነቢያትን ክስዕር ዘይኮነ ክፍጸም ከምዝመጸ እናገለጸ ነቲ ኣብ ኦሪት ዝነበረ ትእዛዛት ብምጥቃስ ሕዳሴኡ ንምግላጽ ኣይትቀትል ንዝብል ንሓውና ከይንጻረፍ ከይንቊጣዕ፡ ኣይትዘሙ ንዝብል ልብና ሓሳብና ካብ ምምናይ ዝሙት ክቊጠብ፡ ምፍታሕ በዓልቲ እንትርፊ ካብ ኪዳን ወጻኢ ማንም ክፈትሕ ወይ ፍትሕቲ ከእቱ ከምዘይብሉ፡ ኣይትምሓል ኣብ ዝብል ዘረባኹም እወ እንተኾይኑ እወ ኣይፋል እንተኾነ ኣይፋል ጥራይ ይኹን! ዓይኒ ክንዲ ዓይኒ ስኒ ክንዲ ብጸላእትኹም ኣፍቅሩ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝኾነ ፍጹማት ኩኑ ዝብል ምምሕያሽ ይገልጽ።
ቅዱነቶም ነዚ ምምሕያሽ እዚ ሓርነት ብእትብል ቃል ተርጒሞም ንሕጊ ሙሴ ከም መጋበሪ ሓርነት ክነብሮ ንስምዒታትናን ንኣይ ይጥዓመኒ ንዝብል መንፈስን ክንስዕር ይጽውዕ ኢሎም። ሕጊ ንፍቅሪ ኣንይጽልን እዩ ስለዝኾነ ከኣ ኢየሱስ ሓገዝ ፍቅሩ እናኣወፈየ ክንክተሎ መንገዲ ይሕብረና እታ መንገዲ ሓቀኛ ክርስትያን ከኣ እዚኣ እያ። እሞኸ ደኣ ሕይወትና ብከመይ ንምራሕ ንዝብል ሕቶ ዝምልሱ ክመስሉ ቅዱስነቶም ነዚ ዚስዕብ ትንተና የቅርቡ።
እዚአብሔር ነቶም ንክኽተልዎ ፍቃደኛታት ዝኾኑ ናብ ሓቀኛ ሓርነትን ሓላፍነታዊ ናብራን ይመርሕ ይኲስኩስ ይሕግዝ። ኢየሱስ ከኣ ንሓቀኛ ትርጉም ሕጊ ኦሪት ብሙሴ ዝተዋህቡ ትእዛዛት ሓደ ብሓደ ይምህር።
ሕጊ እግዚአብሔር ዝቅበል ልቢ!
ቅዱስነቶም ናብቲ ቀንዲ መልእኽቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ምልስ ይብሉ እሞ እተን ኣርባዕተ ቀንዲ ጸገማት ወንጌል ዝጠቅሰን እሞ ኸኣ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ዘጓንፋና ‘ቅትለት ዝሙት ፍትሕን ማሕላን’ ኰይነን ነዚኤን ከኣ ንማለቱ ዘይኮነ ብልብና ክንቅበሎን ነቲ መሠረታዊ መልእኽቱ ኣብ ግብሪ ክነውዕል ብምምልካት ናይ ነፍሲወከፍ መልእኽትን ትርጉምን ድሕሪ ምግላጽ ብሓሳብ ይኹን ብውሳኔ ብቃላት ይኹን ብተግባር ከመይ ቢልና ክነብር ከምዘሎና የመልክት። ኩሉ ነገር ጽቡቅ ሃሳባስ ይኹን ሕማቅ ሓሳብ ካብ ልቢ ስለዝነቅል ልብና ትእዛዛት እግዚአብሔር ክቅበል እንከሎ ይሕደስ ሓርነት ይለብስ ካብዚ ጀሚሩ ከኣ ነቲ ብዘይፍጸሙ ቊርጺፍቃዳት እንመርሖ ሕይወት ገዲፍና ሓዲስ ቅዲ ሕይወት ንጅምር ሓቀኛ ለውጢ ይጅምር ኢሎም።
ሓገዝ ፍቅሪ!
ኣብ ፍቅሪ ኢየሱስ ምትእምማንን ምቅባሉን ከምዘድሊ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ኢየሱስ ወትሩ ኢዱ ናባና ገጹ ዘርጊሑ ብጸጋኡን በቲ ሕያውነትን ምህረትን ዝመልኦ ሓገዙን ክድግፈና ምስ ተሰናደወ እዩ ከመይ ብቀሊሉ ክንወድቅ ከምእንኽእል ስለዝፈልጥ ኢዱ ክንሕዝ ይጽበየና።
ቅዱስነቶም ድሕሪ ኣስተምህሮ ምስቶም ኣብቲ ቅርዓት ዝነበሩ ጸሎተ መልአክ እግዚኣአብሔር ደጊሞም ንኩሎም በብዓዶምን በብሰበኻኦምን ሰላምታ ኣቅርቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምዕዳል ኣሰናበትዎም።