ድለ

ሁከት/ውግእ ዝቅስቅስ ስምዒታቱ ክቈጻጸር ዘይክእል እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 16 2020 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ‘ሕጊ እግዚአብሔር ኣብ ልብኻ እንክሓድር ብምኽንያት ዘይትቆጻጸሮም ስምዒታት ብዘይፍጸም ቊርጺፍቃድ ዝምራሕ ሕይወት ንምልዋጥ ትደናደን’ እንክብሉ ንብጻይካ ምፍቃር ማለት ገዛእ ርእስኻ ምርሳዕ ዘይኮነ ንርእሰይ ይጥዓም ንዝብል ስምዒት ብፍቅሪ ኢየሱስ ክተሸንፍ ምቅላስ ምዃኑ ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ማቴ 5.17 ዝተወስደ ኰይኑ ሥርዓት ኦሪት ብሕጊ ወንጌል ከምዝተመሓየሸ ዘመልክት ክፍሊ ነበረ። ንኦሪትን ንነቢያትን ክስዕር ዘይኮነ ክፍጸም ከምዝመጸ እናገለጸ ነቲ ኣብ ኦሪት ዝነበረ ትእዛዛት ብምጥቃስ ሕዳሴኡ ንምግላጽ ኣይትቀትል ንዝብል ንሓውና ከይንጻረፍ ከይንቊጣዕ፡ ኣይትዘሙ ንዝብል ልብና ሓሳብና ካብ ምምናይ ዝሙት ክቊጠብ፡ ምፍታሕ በዓልቲ እንትርፊ ካብ ኪዳን ወጻኢ ማንም ክፈትሕ ወይ ፍትሕቲ ከእቱ ከምዘይብሉ፡ ኣይትምሓል ኣብ ዝብል ዘረባኹም እወ እንተኾይኑ እወ ኣይፋል እንተኾነ ኣይፋል ጥራይ ይኹን! ዓይኒ ክንዲ ዓይኒ ስኒ ክንዲ ብጸላእትኹም ኣፍቅሩ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝኾነ ፍጹማት ኩኑ ዝብል ምምሕያሽ ይገልጽ።

ቅዱነቶም ነዚ ምምሕያሽ እዚ ሓርነት ብእትብል ቃል ተርጒሞም ንሕጊ ሙሴ ከም መጋበሪ ሓርነት ክነብሮ ንስምዒታትናን ንኣይ ይጥዓመኒ ንዝብል መንፈስን ክንስዕር ይጽውዕ ኢሎም። ሕጊ ንፍቅሪ ኣንይጽልን እዩ ስለዝኾነ ከኣ ኢየሱስ ሓገዝ ፍቅሩ እናኣወፈየ ክንክተሎ መንገዲ ይሕብረና እታ መንገዲ ሓቀኛ ክርስትያን ከኣ እዚኣ እያ። እሞኸ ደኣ ሕይወትና ብከመይ ንምራሕ ንዝብል ሕቶ ዝምልሱ ክመስሉ ቅዱስነቶም ነዚ ዚስዕብ ትንተና የቅርቡ።

እዚአብሔር ነቶም ንክኽተልዎ ፍቃደኛታት ዝኾኑ ናብ ሓቀኛ ሓርነትን ሓላፍነታዊ ናብራን ይመርሕ ይኲስኩስ ይሕግዝ። ኢየሱስ ከኣ ንሓቀኛ ትርጉም ሕጊ ኦሪት ብሙሴ ዝተዋህቡ ትእዛዛት ሓደ ብሓደ ይምህር።

“ነዚ ኣይረስዕ። ንሕጊ ከም መጋበሪ ሓርነት ተቀቢልና ምሉእ ነጻነት ለቢሰ ንክነብር ዝሕግዘኒ ከምኡ ባርያ ስምዒታትን ሓጢኣትን ከይከውን ዝረድኣኒ እዩ። እስኪ ብዛዕባ ውግእ ንሕሰብ! እስኪ ብዛዕባ ሳዕቤን ውግእ ንሕሰብ! ብዛዕባ እታ ትማሊ ኣብ ሶርያ ብቊሪ ዝሞተት ቈልዓ ንሕሰብ። ብዙሕ ዓመጽ አረ ቈጺርካ ዘይውዳእ እዩ። እዚኸስ ፍረ ስምዒታት እዩ ውግእ ዘልዕሉ ሰባት ከኣ ስምዒታቶም ክቈጻጸሩ ዘይክእሉ እዮም። ብሕጊ ምግዛእ ይጐድሎም። ንፈተናን ስምዒታትን ከሸንፉ ኣይከኣሉን ጐይቶ ሕይወቶም ኰይኖም ሕይወቶም ክመርሑ ኣይክእሉን ብድላይን ሓልፍነትን ሕይወትካ ምምራሕ ከምእትስእን እዩ ዝገበረካ።”

ሕጊ እግዚአብሔር ዝቅበል ልቢ!

ቅዱስነቶም ናብቲ ቀንዲ መልእኽቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ምልስ ይብሉ እሞ እተን ኣርባዕተ ቀንዲ ጸገማት ወንጌል ዝጠቅሰን እሞ ኸኣ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ዘጓንፋና ‘ቅትለት ዝሙት ፍትሕን ማሕላን’ ኰይነን ነዚኤን ከኣ ንማለቱ ዘይኮነ ብልብና ክንቅበሎን ነቲ መሠረታዊ መልእኽቱ ኣብ ግብሪ ክነውዕል ብምምልካት ናይ ነፍሲወከፍ መልእኽትን ትርጉምን ድሕሪ ምግላጽ ብሓሳብ ይኹን ብውሳኔ ብቃላት ይኹን ብተግባር ከመይ ቢልና ክነብር ከምዘሎና የመልክት። ኩሉ ነገር ጽቡቅ ሃሳባስ ይኹን ሕማቅ ሓሳብ ካብ ልቢ ስለዝነቅል ልብና ትእዛዛት እግዚአብሔር ክቅበል እንከሎ ይሕደስ ሓርነት ይለብስ ካብዚ ጀሚሩ ከኣ ነቲ ብዘይፍጸሙ ቊርጺፍቃዳት እንመርሖ ሕይወት ገዲፍና ሓዲስ ቅዲ ሕይወት ንጅምር ሓቀኛ ለውጢ ይጅምር ኢሎም።

“ንሕጊ እግዚኣአብሔር ኣብ ልብና ብምቅባል ኢና ክንርድኦ ንኽእል! ንብጻይና ምስ ዘይነፍቅር ብሓደ ወገን ወይ ብካልእ ወገን ዳርጋ ገዛእ ርእስናን ንካልኦትን ምቅታል እዩ ከመይ ጽልኢ ቅንኢ ውድድር ምምቅቃል ንፍቅሪ ሓው ይቀትልዎ። እዚ ፍቅሪ ሓው እዚ ከኣ መሠረት ናይ ኩሉ ርክባት እዩ። እዚ ነቲ ብዛዕባ ውግእ ዝበልክዎ እውን የመልክት ከምኡ እውን ኣብ ሕሜታን ስም ምጽላምን ከመይ መልሓስ እውን ይቀትል እዩ። ንሕጊ እግዚኣአብሔር ኣብ ልብና ክንቅበል ከሎና ስምዒታትናን ድሌታትናን መምርሒ ይረኽቡ ከመይ እንደልዮ ኩሉ ክንረክብ እንብህጎ ኩሉ ክወሃበና ዘይከውን እዩ ምናዳ ንፍገት ዝተሓወሶ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ስምዒት ከየውድቀና ምጥንቃቅ የድሊ። እኳ ደኣ ብፍቅሪ ንሓግዝ ኢሎም።”

ሓገዝ ፍቅሪ!

ኣብ ፍቅሪ ኢየሱስ ምትእምማንን ምቅባሉን ከምዘድሊ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ኢየሱስ ወትሩ ኢዱ ናባና ገጹ ዘርጊሑ ብጸጋኡን በቲ ሕያውነትን ምህረትን ዝመልኦ ሓገዙን ክድግፈና ምስ ተሰናደወ እዩ ከመይ ብቀሊሉ ክንወድቅ ከምእንኽእል ስለዝፈልጥ ኢዱ ክንሕዝ ይጽበየና።

“ንትእዛዛት እግዚኣአብሔር ከምቲ ዘለዎ ብሓፈሻ ክትነብሮም ከቢድ ምዃኑ ኢየሱስ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ከኣ ሓገዝ ፍቅሩ የወፍየልና። ንሱ ናብ ዓለም ዝመጸ ንሕግን ነቢያትን ፍጻሜ ክህብ ጥራይ ዘይኮነ ጸጋኡ ክህበና እሞ ፍቃድ እግዚአብሔር ክንፍጽም ክንክእል ማለት ንእግዚኣአብሔር ንብጻይናን ንክነፍቅር እዩ። ዝኾነ ይኹን እንገብሮ ኩሉ ብኹሉ ብጸጋ እግዚአብሔር እዩ። ቅድስና ዝበሃልከስ ነዚ ጸጋ እዚ ምዕቃብ እምበር ካልእ ኣይኮነን። እቲ ንሱ ዝሓበረና መንገድኸስ ካብ ልቢ እዩ ዝብገስ ስለዚ ንድንግል ማርያም ኣብ ሓቀኛ ሓጐስ ንክንበጽሕን ኣብ ኩሉ ፍትሕን ሰላምን ንክነንግሥ ለመንልና ንበላ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ድሕሪ ኣስተምህሮ ምስቶም ኣብቲ ቅርዓት ዝነበሩ ጸሎተ መልአክ እግዚኣአብሔር ደጊሞም ንኩሎም በብዓዶምን በብሰበኻኦምን ሰላምታ ኣቅርቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምዕዳል ኣሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

17 February 2020, 11:29