ድለ

ቅዱስነቶም ኣብ ባንግላደሽ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ሕሙም እንክበጽሑ። ቅዱስነቶም ኣብ ባንግላደሽ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ሕሙም እንክበጽሑ። 

ር.ሊ.ጳ ብሕማም ንዝሳቀዩ ኩሎም ናብ እኖና ድንግል ማርያም ከምዘማዕቊብዎምን ብጸሎት ከምዘሰንይዎምን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ናይ ሎምዘመን ዓለም ለኸ ዕለተ ሕሙማን ብሕማም ንዝሳቀዩ ኩሎም ናብ እኖና ድንግል ማርያም ከምዘማዕቊብዎምን ብጸሎት ከምዘሰንይዎምን ብትዊተር ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ሎም ዘመን ንመበል 28 ግዜኡ ዝዝከር ዓለምለኸ ዕለተ ሕሙማን ቅዱስነቶም ዝሓለፈ ዕለት 3 ጥሪ 2020 ዓም ‘ኣንቱም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን ኵልኹም ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እዩ’ (ማቴ 11.28) ብዝብል መሪሕ ቃል መልእኽቲ ጽሒፎም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ ሎሚ ከኣ በቲ ትዊተር ዝበሃል ሓጸርቲ መልእኽታታ እትመሓላልፈሉ ኣት ፖንተፊክስ ዝብል ይድረስታኦም ገሮም ‘ንኩሎም እቶም ጾር ሕማማ ተሰኪሞም ዝጐዓዙን ዝናብይዎም ቤተሰቦምን ኣለይቲ ሕሙማትን ናብታ ፈዋሲተ ሕሙማን ዝኾነት ድንግል ማርያም አማዕቚቦም’ እንክብሉ ‘ንኩሎም ከኣ ብፍሉይ ፍቅሪ ኣብ ጸሎቶም ከምዝዝክርዎም’ ቅርበቶም ገሊጾም።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ንሰውነት እንክንከናኸን ኩለንትናዊ ኣካል ወዲሰብ ከም ሰብ ክንሕብሕቦ ከምዘሎና ዝገለጹ ቅዱስነቶም ንኩሎም ሓለውቲ ጥዕና ሓካያምን ሠራሕተኛታት ጥዕናን ክንዮ ሳይንስ ልቦምን ኣኣምሮኦምን ከፊቶም ኣብ ቅድሚ ምሥጢረ ሕይወትን ክብሪ ወዲሰብን ወትሩ እምነቶምን ግብሮምን ክወሃሃድ ኣዘኻኺሮም ነሮም።

ኣብ ዘመንና ገኒኑ ንዘሎ ብኤታናዝያ ዝፍለጥ ሕይወት ሰብ ብፍቃድካ ካብ ምሕላፍን ሕይወቶም ንከሕልፉ ምሕጋዝ ንዝብል ኣምርን ፈጺሞም ዝዀነኑ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኩሎም ኣለይቲ ሕሙማትን ሓካይምን ካብዚ ፈተና እዚ ክርሕቁ ተማሕጺኖም ነሮም።

ልዕሊ ኩሉ ግን ካብዚ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ፍረ ፍልጠት ደቂሰባት ሕክምና ማንም ከይግለል ምናዳ ድኻታትን ረዳኤ ዘይብሎምን ቀዳምነት ክወሃቦም ነዚ ምስ እነጒድል ፍትሒ ማሕበረሰብ ከም እነጒድል ንምግንዛብ ‘ሕክምና ድኻታት ምውሓስ ማሕበረሰባዊ ፍትሒ እዩ’ ኢሎም ነሮም።

ብድምጺ ንምክትታል!
11 February 2020, 13:25