ድለ

2020.02.24 መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንጾመ አርባዓ 2020 ዓም 2020.02.24 መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንጾመ አርባዓ 2020 ዓም 

ጾመኣርብዓ ምስ እግዚአብሔር ልቢ ንልቢ እንዛተየሉ ግዜ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በቲ ንጾመ ነነዌ ዘዘካኽር ሮቡዕ ሓሙዂሽቲ ጽባሕ ዝበዓል በዓል ጾመ ኣርባዓ ስለዝጅመር ቅ.ኣ.ርሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ‘ክንዮ ኣብ ዓለምናን ቤተክርስትያንን ንዕዘበ ክፍኣተ ግብሪ እግዚአብሔር ወትሩ ንክንልወጥ ከምዚ ናይ ጾመ ኣርባዓ ምሩጽ ግዜ ይልግሰልና እዩ። እሞ ምስ እግዚአብሔር ልቢ ንልቢ ንዛተ’ ክብሉ መልእኽቲ ጽሒፎም።

አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን (ነታ መልእኽቲ ተርጒምና በብክፋል ክነቅርበልኩም ኢና)

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንጾመ አርባዓ 2020 ዓም

«ምስ እግዚአብሔር ክትዕረቑ ብስም ክርስቶስ ንልምነኩም ኣሎና» (2ቆሮ 5,21)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን!

ሎምዘመን እውን ጐይታ ነቲ መሠረት ሕይወት ክርስትናን ቤተክርስትያንን ዝኾነ ዓቢ ምሥጢር ምሥጢረ ሞትን ትንሣኤን ኢየሱስ ብዝተሓደሰ ልቢ ንክንሰናዶ ምሩጽ ግዜ ሂቡና ኣሎ። ብቀጻሊ ናብዚ ምሥጢር እዚ ብኣእምሮናን ልብናን ንመለስ። መጠን ናብኡ ተመሊስና ሕይወት ብዝመልኦ መንፈሳውነትን ነጻን ለጋስን ዝኾነ መልሲ ብምሃብን መጠን ዝቀረብናዮ መጠኑ ፍቅሩ ኣባና እናዓበየ ይመጽእ።

1.      መሠረት ለውጥን ንስሓን ምሥጢረ ፋሲካ እዩ።

ታሕጓስ ክርስትያን ንሠናይ ዜና ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ ካብ ምስማዕን ምቅባሉን ይውለድ። እዚ ከኣ ከሪግማ ወይ ስብከተ ወንጌል ይበሃል። እዚ ፍጻሜ እዚ ነቲ ዓቢ ምሥጢር ፍቅሪ `ሓቀኛን ዝጭበጥን ኰይኑ ምስ ጐይታ ምሉእ ርክብ ጌርና ንጹሕን ፍርያምን ዘተ ንምግባር የኽእለና` (ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳን፡ ክርስቶስ ሕያው እዩ ቊ.117)። ነዚ ብሥራት እዚ ዝኣምን ዘበለ ኩሉ ነቲ ሕይወትና ካባና እያ እትምንጩ ዝብል ዝብል ሓሶት ነጺጉ ከም ሓቁ ሕይወትና ካብ ፍቅሪ እግዚአብሔር ከምእትውለድ ካብቲ ንሱ ሕልፍን ትርፍን ጌሩ ዝህበና ሕይወት (ዮሓን 10.10) ከምዝኾነ ይግንዘብ። ነዚ ገዲፉ ንድምጺ እቲ ዘስድዕ ‘ኣቦ ሓሶት’ (ዮሓ 8.45) ክሰምዕ እንተጀሚሩ ኣብ ትርጉም ኣልቦ ህጉም ኣትዩ ኣብዚ ምድሪ እዚ እንከሎ ከምቲ ብዙሓት ግለሰባትን ጉጅለታትን ዝምስክርዎ ናብራ ገሃነመ እሳት ከስተማቅር ክጅምር እዩ።

ኣብ ናይ 2020 ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ነቲ ንመንእሰያት ዝጸሓፍክዋ ክሪስቱስ ቪቪት ክርስቶስ ሕያው እዩ እትብል ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳን ንዝበልክዎ ክድገመልኩም እደሊ። ‘ኣብ ዕጸ መስቀል ተዘርጊሔን ንዘልዋ ኣእዳው ኢየሱስ ስቑል ተመልከት እሞ ወትሩ ጸጸኒሑ ከምብሓዲሽ ከድሕነካ ፍቀደሉ። ሓጢኣትካ ክትናዘዝ ናብ መካነ ኑዛዜ ኣብ እትቀርበሉ ግዜ ካብ ጌጋኻ ሓራ ንዝገብረካ ምሕረቱ ምሉእ ብምሉእ ጸኒዕካ እመን። ነቲ ብዓቢ ፍቅሪ ዘፍሰሶ ደሙ ኣስተንትን እሞ ብኣኡ ክትነጽሕ ፍቃደኛ ኹን። ከምዚ ብምግባር ወትሩ ዳግም ክትውለድ ትኽእል’ (ቊ. 123)። ፋሲካ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓንሳእ ተፈጺሙ ዘብቅዔ ፍጻሜ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ  ወትሩ ህልውን ሓቀኛን ኰይኑ ብኣካል ሥጋ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ብዙሕ ዝሳቀዩ ዘለው ክንትክፍ የኽእለና።

2.     ብሕጹጽ ዝድለ ዘሎ ለውጢ/ንስሓ

ንምሥጢረ ፋሲካ ኣዕሚቚና እንከስተንትን ጥዕና ክህበና እዩ። ነዚ ምሥጢር እዚ ምስጋና ይኹኖ ምሕረት እግዚአብሔር ብኣኡ ተዋሂቡና።  ምሕረት እግዚአብሔር ክነስተማቅረሉ እንኽእል መንገዲ ምስቲ ዝተሰቅለን ካብ ሞት ዝተንሠኤን  ‘ዘፍቀረንን ነፍሱ ምእንታይ ዘወፈየን’ (ገላ 2.20) ክርስቶስ ‘ገጽ ንገጽ’ ብምርኻብ ጥራይ እዩ። በዚ ከምዚ ልቢ ንልቢ ተወሃሂብካ ዘተ ኣዕሩኽ ይውለድ። ስለዚ ከኣ እያ ጸሎት ኣብ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ እተድሊ። እዚ ከኣ ቅድሚ ግዴታ ምዃኑ ምስቲ ኣቀዲሙ ዘፍቅረናን ወትሩ ዝድግፈናን ፍቅሪ እግዚአብሔር እሂን ምሂን ንክትብል ዘሎ ግድነት ትገልጽ።  ክርስትያን ዘብኡ ከስ ዘይግብኦ ክነሱ ከምዝተፈቅረ ተረዲኡ ክጽሊ ኣለዎ። ጸሎት ዝተፈላለየ ኣገባባት ክኽተል ይኽእል ኰይኑ ግን ኣብ ቅድሚ እግዚኣአብሔር ዋጋ ዘለዎ ጸሎት መዓሙቚ ልብና ኲዒቱ ንትሩ ከለስልሶን ናብ እግዚኣአብሔር ክልውጦን ፍቃድ እግዚአብሔር ንክፍጽም ከኽእሎን እንከሎ እዩ።

ኣብዚ ምሩጽ ግዜ እዚ ከምቲ እስራኤላውያን ኣብ ምድረበዳ ብጐይታ ክምርሑ ፍቃደኛታት ዝኾኑ ፍቃደኛታት ንኹን (ሆሴ 2.16)። ከምዚ ብምግባር ከኣ ናይ መርዓዊና ድምጺ ንሰምዕ ኣብ ውሽጢ ልብና ክጋዋሕ ነፍቅደሉ። ብቃሉ ክንልወጥ መጠን ዘፍቀድናሉ ነታ ብነጻ እትወሃበና ምሕረት ነስተማቅር። ምናልባት ናይ ግዜ ጐይቶትን ብከመይ ከምእንንሳሕ ባዕልና እንውስንን ኣምሲሉ ዘቅርበና ህውተታ ነዚ ናይ ጸጋ ግዜ ብከንቱ ኪሓልፍ ኣይነፍቅድ።

3.     ልዑል ሕንጡይነት ጐይታ ምስ ደቁ ክዛተ!  ,

እዚ ጐይታ ሎሚ እውን ሕይወትና ክንልውጥ ክንሕደስ እንደገና ዝህበና ዘሎ ምሩጽ ግዜ እዚ ዕሽሽ ከይንብሎን ንከንቱ ከይንገብሮን ምጥንቃቅ የድሊ። እዚ ሓዲስ ዕድል እዚ ኣብ ልብና ናይ ምስጋና ስምዒት ፈጢሩ ካብቲ ደቂስናሉ ዘሎና ክቅስቅሰና ኣለዎ። ሽሕኳ ክፍኣት ከቢቡና ኣብ ሕይወትናስ ይኹን ኣብ ቤተክርስትያናን ኣብ ዓለምን የዕገርግር እንተሎ እዚ ከምዚ ዝበለ ምሩጽ ግዜ ነቲ እግዚአብሔር ገና ንድሕነትና ብዝምልከት ምሳና ክገብሮ ዝወሰኖ ዘተ ክቋርጾ ከምዘይደሊ የመልክተልና። በቲ ‘እግዚኣአብሔር ንድሕነትና ሓጢኣት ዝገበሮ’ (2ቆሮ 5.21) ስቚል ኢየሱስ ኣቢላ እዛ ዘተ ድሕነት ዳርጋ ንእግዚኣአብሔር ተጻይ እግዚአብሔር ብምቛም ንኩሉ ሓጢኣትና ንወዱ ኣሸኪሙ። በዚ ከኣ ነቲ ኣብ ወንጌል ዝበለና (ማቴ 5.43-48) ንሱ ንባዕሉ ጸላእቱ ከምዝፍቀረ ብተግባር ኣርእዩና።  

እቲ እግዚአብሔር ምስ ነፍሲወከፍ ሰብ ብምሥጢረ ፋሲካ ናይ ወዱ ገሩ ክገብሮ ዝደልዮ ዘተኸስ ከምቲ ከምቲ ኣብ ግብረ ሐዋርያት እንረኽቦ ዘተ ነበርቲ ከተማ ኣተን ማለት ‘ብዛዕባ ናይ መጨረሻ ዜና ካብ ምስማዕን ምዝራብን ንላዕሊ ዝምረጽ መሕለፍ ግዜ ኣይነበሮምን’ (ግሐ 17,21) ኣይኮነን። እዚ ካብ ውጥምናን ባዶሽ ዝኾነ ዕላልን ዝብገስ ዘተ ከንቱነት ዓለማውነት እንከመልክት ሎሚ ኣብ ዘመንና እውን ቀንዲ ቀመም ኰይኑስ መራኸቢ ብዙሓን ውዒሎም ዚሓድሩሉ ጉዳይ ኰይኑ ኣሎ። እቲ ጐይታ ምስ ደቁ ዝደልዮ ዘተ ጉዳይ ድሕነት እዩ።

4.    ሃብቲ ጐይታ ንገዛእ ርእስኻ ጥራይ ዝእከብ ዘይኮነስ ምስ ካልኦት እትካፈሎ እዩ።

ንምሥጢረ ፋሲካ ቀንዲ ዓንዲ ሕይወትካ ምግባርከስ ንኣቊሳል ኢየሱስ ፍሉይ ስምዒት ሃልዩካ እዚ ከኣ ሎሚ እውን ኣብቶም ንጹሓት ብዝወርድ ዓመጽ ብውግእስ ይኹን ብስስዕትን ንፍገትን ተዋሒጥካ ኣብ ማሕጸን ካብ ዘሎ ዕሸል ክሳብ ዝሸምገሉ ዝወርድ ኣደራዕ ህልው ይገብሮ።  ምስዚ ብብዙሕ መንገዲ ዝግለጽ ዓመጽ ንግድ ደቂሰባት ዕንወት ከባቢ ከምኡ እውን ንሃብቲ ቊሩባት ገቢቶም ዘይምዕሩይ ምምቅራሕ እዚ ኩሉ ሓደ ዓይነት ኣምልኾ ጣዖት ኮይኑ ሎሚ እውን ኣቊሳል ኢየሱስ ዝገልጽ እዩ። 

ሎሚ እውን እንተኾነ ከይደኸምና ነዚ ዝስዕብ ጻውዒት ነቅርብ። ኩሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይ ካብ ዘለዎም ንጽጉማት ምጽዋት ብምሃብ ምዕሩይ ዓለም ንምህናጽ ክሕግዙ ንጽውዕ። ብናይ ፍቅሪ ሥራሕ ንዘሎካ ምስ ካልኦት ምክፋል ሰብኣውነት የንግሥ እሞ ነቲ ንኩሉ ንዓይ ብዝብል ስሱዕ መንገስ ኣብ ገዛእ ርእሶም ተዓጽዮም ንዘለው ከኣ ልቦም ይትንክፍ።  ንዘሎ ኩነታት ቊጠባዊ ተቊዋማት ብምምልካት ከኣ ክንዮ እዚ እውን ክንደፍእ ንኽእል ንግደድ እውን። ስለዚኸስ ኣብ ዘመነ ጾመኣርባዓ 2020 ዓም ካብ ዕለት 26 ክሳብ ዕለት 28 መጋቢት ኣብ ከተማ ኣሲዚ ሊቃውንቲ ሥነ ቊጠባ ዝኾኑ መንእሰያትን ነጋዶን ለውጢ ክፈጥሩ ዝኽእሉን ንጉባኤ ጸዊዕና ፍትሓውን ንኩሉ ዘሳትፍን ቊጠባ ክሕንጽጹ መዲብና ኣሎና። ሥልጣናዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ደጋጊሙ ከምዝገለጾ ‘ፖሎቲካ ሓደ ክፍሊ ምግባረ ሠናይ እዩ’ (ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 11)። ማዕረ ማዕረቡ ከኣ ብዛዕባ ቊጠባ በዚ መንፈስ እዝን ወንጌል ዝምህረና መንገዲ ብፅዕናን መሠረት ገርና ክንዛረብ ንኽእል።

ኣብዚ ዘመነ ጾመኣርባዓ ምስ እግዚአብሔር ክንዕረቅ ንዝቀረበልና ጻውዒት ሰሚዕና ጠመተ ልብና ናብ ምሥጢረ ፋሲካ ኣተኲርና ምስ እግዚኣአብሔር ግሉጽን ገርሀይናን ዘተ ንምግባር ለውጢ ልቢ ምእንቲ ክተውህበና ኣማላድነት ድንግል ማርያም እምነ።  በዚ ከምዚኸስ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ዝበሎ ክንከውን ኢና፡ ጨው ምድርን ብርሃን ዓለምን (ማቴ 5.13-14)።

ፍራንቸስኮስ

ዕለት 7 ጥቅምቲ፣ በዓለ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘሮዛርዮም  ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራነንሰ ሮማ  ተጻሕፈ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
ብድምጺ ንምክትታል
25 February 2020, 16:56