ድለ

2020.02.22 መንእሰይ ካርሎ ኣኩቲስን ኢየሱሳዊ ካህን ሩቲልዮ ግራንደን 2020.02.22 መንእሰይ ካርሎ ኣኩቲስን ኢየሱሳዊ ካህን ሩቲልዮ ግራንደን  

መንእሰይ ካርሎ ኣኩቲስን ኢየሱሳዊ ካህን ሩቲልዮ ግራንደን ብፁዕናኦም ክእወጅ እዩ።

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ቅዱሳን ንእትሓሊ ማሕበር ብፅዕና መንእሰይ ካርሎ ኣኩቲስን ኢየሱሳዊ ካህን ሩቲልዮ ግራንደን ዘፍቅድ ኣዋጅ ኣጽዲቆ። ምስ እዚኦም ሓቢሩ ብፅዕናኦም ዝእወጅ እውን ምስ ኣባ ሩቲልዮ ግራንደ ኣብ ሳልቫዶር ዝተቀትሉ ምእመናን ብፁዓን ክበሃሉ እዮም። ከምኡ እውን ኣብ ህንዲ ብሰማዕትነት ዝሞተ ብፁዕ ደቫሳሃያም ዝበሃል ምእመንን ናይ ሳልሳይ ማሕበር ካፑቺነ ኣብ ሎኣኖ ዝመሥረታ እናቴ ማርያ ፍራንቸስካ ዘኢየሱስ እውን ቅዱሳ ክበሃሉ እዮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ትማሊ ዕለት 21 ለካቲት 2020 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንጉዳይ ቅዱሳን ናይ እትከታተል ማሕበር ቅድስት መንበር ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ በቹ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ናይዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስናዮም መገልገልቲ ኣምላኽ ብፅዕና ብዕሊ ንኽእወጅ ከምዘፍቀዱ ከምዝገለጹሎም ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣባ ሩቲልዮ ግራንደን ምሳኦም ዝተቀተሉ ክልተ ምእመናንን ብ1977 ዓም ኣብ ሳልቫዶር ብዝነበረ ክቱር ጽልኢ እምነቶም ብሰማዕትነት ከምዝሞቱ ዝዝከር እዩ። 

ካርሎ ኣኩቲስ መን ነበረ!

ብ1991 ኣብ ሎንዶን ዝተወልደን ብኡ ንብኡ ምስ ወለዱ ናብ ሃገረ ጣልያን ዝኣተወን ካርሎ ኣኩቲስ ብሕጻንነቱ ጀሚሩ ፍቅሪ ድንግል ማርያምን ቅዱስቊርባንን ዝነበሮ ኰይኑ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቊርባን ኰይኑ ብዙሕ ንእምነት ዝምልከት ንዘመንና ዘገልግል ምናዳ ከኣ ተኣምር ቅዱስ ቊርባን ዝተፈጸመሎም ቦታታትን ታሪኾምን ብመራኸቢ ብዙሓን ዘመና ዘርጊሑ። ከም ማንም ናይ ዘመኑ መንእሰያት መጽናዕትን ጸዋታ ኲዕሶን ዝፈቱ ኰይኑ ብወለንታኡ ኣብ ምምህርና ትምህርተ ክርስቶስ እውን ተጸሚዱ ነበረ። ከምኡ እውን ኣብ ኣገልግሎት ድኻታት ውፉይ ነበረ። ኰይኑ ገና ወዲ 15 ዓመት እንከሎ ለውከምያ ዝበሃል ብርቱዕ ሕማም ኣጥቂዕዎ ዕለት 12 ጥቅምቲ ብ2006 ዓም ዓረፈ። ንኡስ ዓቢ ከምዝበሃል! ብዓቢ ብስለት ነቲ ኩሉ ሥቃዩ ንር.ሊ.ጳ ንቤተክርስትያንን ኣወፍዮ ኣሎኹ በዚ መንግሥተ ሰማያት ክኣቱ እየ እናበለ ብዓቢ መንፈሳውነት ሓለፈ። ቅርያት ኣካላቱ ኣብ መካነ ንግደት ኣሲዚ ይርከብ። ብኣማልድነቱ ዝተፈጸመ ተአምር ብ2013 ዓም ብሕክምና ኪሓዊ ብዘይክእል ናይ ጣፍያ ሕማም ዝሳቀ ዝነበረ ሓደ ብራዚልያዊ ሕጻን ከምዝሓወየ ብኩሉ ተመርሚሩ ዝተረጋገጸ ተኣምር እዩ።

ኣባ ሪቲልዮኸ መን ነበሩ!

ኣብ መእተዊ ከምዝገለጽናዮ እዞም ኢየሱሳዊ ካህን ኣብ ሳልቫዶር ከገልግሉ ከለው ምስ ማንወል ሶሎርዛኖ ዝበሃሉ ኣቦ 10 ቈልዑ ወዲ 72 ዓመትን ነልሰን ዝበሃል ወዲ 16 መንእሰይን ብ12 መጋቢት 1977 ብማኪና ክጐዓዙ ከለው ብጥያት ረሽሪሾም ብሰንኪ እምነቶም ቀተልዎም። እቶም ንባዕሎም ብሰማዕትነት ዝሞቱ ቅዱስ ኣቡነ ኦስካር ሮመሮ ብጣዕሚ ሓዚኖም ኣብ ካተድራል ሳን ሳልቫዶር ናይ ሓመድ ድበ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ቀበርዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

22 February 2020, 13:45