ክርስትና ዘምጸኦ ዓቢ ለውጢ ሕዳሴ ይቅረ ምባልን ጸላእትኻ ምፍቃርን እዩ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ወንጌል ማቴ 5.38 ኰይኑ ‘ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ ስኒ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ከም ዝተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። ኣነ ግን `ንክፉእ ኣይትቃወምዎ` እብለኩም ኣሎኹ፣ የማናይ ምዕጒርትኻ ንዚጸፍዓካ ነታ ኻልኣይቲ እውን ኣቕርበሉ። ነቲ ኺማጐተካን ቀሚሽካ ኺወስድን ዚደሊ፡ ነጸላኻ እውን ኅደገሉ፣ ሓድ ምዕራፍ ምስኡ ኽትከይድ ንዚግድደካ ክልተ ምዕፋፍ ምስኡ ኺድ። ንዚልምነካ ሃብ፡ ካባኻ ኪልቃሕ ንዚደሊ እውን ኣይትኽልኣዮ።` ‘ንብጻይካ ኣፍቅር ንጸላኢኻ ጽላእ’ ከምዝተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም` ኣነ ግን ‘ደቂ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኮኑ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ምእንቲ እቶም ዜሳድዱኹም ጸሎት ግበሩ ከመይ ንሱ ንፅሓዩ ኣብ ልዕሊ ክፉኣትን ሕያዎትን ዜብርቕ ኣብ ልዕሊ ጻድቃንን ኃጥኣንን ከኣ ዜዝንም እዩ’ ዝብል ይርከቦ።
ቅዱነቶም ነቲ ኢየሱስ ባዕሉ ንኦሪትን ነቢያትን ከማሓይሾም ከሐድሶም እምበር ክስዕሮም ከምዘይመጸ ንዝሓበሮ ብምዝካር ካብኡ ናብኡ ሕጊ ሙሴ እውን ኣብቲ ግዜኡ ካብቲ ቅጥዒ ዘይነበሮ እንስሳዊ ሥርዓት ንምውጻእን ንቂምን በቀለን ደረት ንክገብረሉን ኣገልጊሉ ኢየሱስ ግን ነዚ ፈጺሙ ኣንጻሩ ብዝኾነ መንገዲ ይሕግዞ ንዓመጽን ክፍኣትን ቶባ ኢልና ክንገድፎ ብፍቅሪ ንክንዕወት ይዕድም ኢሎም።
ከም ኢየሱስ ብነጻ ምፍቃር!
ናይ ሓደ ክርስትያን ኣብነት ወይ ከም ኣዘራርባ ዘመና ክትክተሎ ዘሎካ ሞዴልከስ እግዚአብሔር እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ኢየሱስ ‘ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝኾነ ፍጹማን ኩኑ’ ይብለና። ምዃንስ እኳ ክንደየናይ እስኪ ክንመስሎ ንቃለስ። እዚ ከምዚከኣል ባዕሉ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ‘ኦ ኣቦ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ መሓሮም’ ብማለት ነቶም ብምስማር ዝሸንከርዎ ምሕረቱን ፍቅሩን ክሳብ መወዳእታ ብምግላጽ ኣብነት ኰይኑና። ስለዚ እታ ምርጫና ከም ኢየሱስ ክሳብ መወዳእታ ብነጻ ምንም ግብረ መልሲ ከይደለኻ ምፍቃር እያ መንገዲ ክርስትና ክትከውን ዘለዋ።
ሕዳሴ ክርስትናኸስ ጸላእትኹም ኣፍቅሩ እያ!
እታ ‘ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ምእንቲ እቶም ዜሳድዱኹም ጸሎት ግበሩ’ እትብል ትእዛዝ ኢየሱስ ብኣተሓሳስባ ደቂሰባት ዓባይ ፈተና እያ። ኰይኑ ግን ኢየሱስ ኣብዚ ሰብኣዊ ሚዛን ኣይኮነን ዝጥቀም ዘሎ ከምቲ ንሕና እንገብሮ እውን ዕንክሊል ኣይኮነን ዝብል ዘሎ ትኽ ዝበለትን ንጽርትን ትእዛዝ እዩ ዝህበና ዘሎ። ጸልእትኻ ምፍቃርከስ ሕዳሴ ክርስትና እያ። ፍቅሪ ኢየሱስ መወዳእታ ዘይብሉ ዓቐን ዘብሉ ኰይኑ ብዘይ ምንም ምጽብጻብ ንክነፍቅር የተባብዓና።
ካብ ልብና ኣጽዋር ጽልእን ቂመ በቀልን ነራግፍ!
ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ስብከቶም ነፍሲወከፍ ናብ ሕልናኡ ምልስ ኢሉ ብዛዕባ እቶም ዝበደልዎ ሕማቅ ዝፈደይዎ ዘጨንቅዎ ኣሽንኳይ ክቅበሎም ክርእዮም እኳ ብዛዕባ ዘይደልዮም ሰባት ይሕሰብ። እዚ ኩሉ ጾር ልቢ እዩ። ብዛዕባ ክፍኣት ሕሰም ናይ ካልኦት ብዙሕ ኣይትጨነቁ ናብ ልብኹም ተመሊስኩም ኢየሱስ ካብዚ ቂመ በቀል ሓራ ከውጽኣኩም ለምንዎ ንሱ ጥራሕ እዩ ሓራ ዘውጽእ።
ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዘሸንፋ ፍቅርን ምሕረትን እየን!
ቅዱስነቶም ነዚ መንገዲ እዚ ብኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ዝወስድዎ እሞ `እቲ ዕላማ ሓደ ነገር እዩ እቲ ናብራ ከኣ ካልእ ስለዚ በዚ ዕላማ እዚ እንተተመሪሐ ኣብዚ ሰብ ንሰብ ዝበልዓሉ ሕብረተሰብ ክነብር ኣይክእልን’ ክብል ይኽእል ይብሉ። መልሲ ኢየሱስ ግን ንጹር ምዃኑ `ኣብዚ ዓለም እዚ ዝሰዓር ኣብ ቅድሚ ኣዕይቲ እግዚአብሔር ዕውት እዩ’ በዚ ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ጥበብ እዚ ዓለም እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዕሽነት እዩ’ ይብለና ስለዚ ፍቅርን ምሕረትን ጥራሕ እየን ከዕውታኹም ዝኽእላ። ነታ ኢየሱስ ጴጥሮስ ሰይፊ ምስ ኣልዓለ ዝበላ ዘክሩ ‘ሰይፍኻ ኣብ ማሕደሩ ምለሶ ሰይፊ ዘልዕል ብሰይፊ ክጠፍእ እዩ’ ኢልዎ ኢሎም።
ቅዱስነቶም ኣብ ግዜ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣአብሔር ኣብ ሶርያ ዘሎ ውግእ ደው ክብል ብስሞምን ብስም እቶም ኣብ ባሪ ተጋቢኦም ዝነበሩ ጳጳሳትን ጻውዒትን ምሕጽንታን ኣቅሪቦም።