ድለ

ክርስትና ዘምጸኦ ዓቢ ለውጢ ሕዳሴ ይቅረ ምባልን ጸላእትኻ ምፍቃርን እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓም ኣብ ከተማ ባሪ ሃገረ ጣልያን ዘዕረግዎ መሥስዋዕተ ቅዳሴ ‘ኢየሱስ ዘመጽኦ ለውጦ ኣብ ዓለምና እቲ ዝዓበየ ለውጢ ወይ ሰውራ ኰይኑ ክሳብ ንጸላእትኻ ምፍቃር ኮይኑ እዚ ከኣ እቲ ዝለዓለ ጥርዚ ፍቅሪ እዩ’ እንክብሉ ሰቢኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ወንጌል ማቴ 5.38 ኰይኑ ‘ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ ስኒ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ከም ዝተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። ኣነ ግን `ንክፉእ ኣይትቃወምዎ` እብለኩም ኣሎኹ፣ የማናይ ምዕጒርትኻ ንዚጸፍዓካ ነታ ኻልኣይቲ እውን ኣቕርበሉ። ነቲ ኺማጐተካን ቀሚሽካ ኺወስድን ዚደሊ፡ ነጸላኻ እውን ኅደገሉ፣ ሓድ ምዕራፍ ምስኡ ኽትከይድ ንዚግድደካ ክልተ ምዕፋፍ ምስኡ ኺድ። ንዚልምነካ ሃብ፡ ካባኻ ኪልቃሕ ንዚደሊ እውን ኣይትኽልኣዮ።` ‘ንብጻይካ ኣፍቅር ንጸላኢኻ ጽላእ’ ከምዝተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም` ኣነ ግን ‘ደቂ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኮኑ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ምእንቲ እቶም ዜሳድዱኹም ጸሎት ግበሩ ከመይ ንሱ ንፅሓዩ ኣብ ልዕሊ ክፉኣትን ሕያዎትን ዜብርቕ ኣብ ልዕሊ ጻድቃንን ኃጥኣንን ከኣ ዜዝንም እዩ’ ዝብል ይርከቦ።

ቅዱነቶም ነቲ ኢየሱስ ባዕሉ ንኦሪትን ነቢያትን ከማሓይሾም ከሐድሶም እምበር ክስዕሮም ከምዘይመጸ ንዝሓበሮ ብምዝካር ካብኡ ናብኡ ሕጊ ሙሴ እውን ኣብቲ ግዜኡ ካብቲ ቅጥዒ ዘይነበሮ እንስሳዊ ሥርዓት ንምውጻእን ንቂምን በቀለን ደረት ንክገብረሉን ኣገልጊሉ ኢየሱስ ግን ነዚ ፈጺሙ ኣንጻሩ ብዝኾነ መንገዲ ይሕግዞ ንዓመጽን ክፍኣትን ቶባ ኢልና ክንገድፎ ብፍቅሪ ንክንዕወት ይዕድም ኢሎም።

“ምናልባት ኣብ ልብና ቅጅል ክብለና ዝኽእል ኢየሱስ ከምዚ ብምግባሩ ሰብ ክፋኣተ ግብሪ ክሻድኑ ኣይክእሉንዶ ዝብል እዩ። ኰይኑ ኢየሱስ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ኢሉ ዝእዝዘሉ ዚዓበየ ምኽንያት ኣለዎ። ኣየናይ ኮን ይኸውን ምስ እንብል ከኣ ‘ሰማያዊ ኣቦና ወትሩ ንኩልና ስለዘፍቅር እዩ። ነዚ ፍቅሩ ሽሕ’ኳ ክንመልሶ እንተዘይከኣልና እንተወሓደ ክንመስሎ። ከምቲ ንሱ ዘፍቀረና ክነፍቅር ይእዝዘና። ምንም ግብረ መልሲ ከይተጸበኻ ከምቲ ኢየሱስ ብነጻ ዘፍቀረና ክንፈቅር ኣሎና።”

ከም ኢየሱስ ብነጻ ምፍቃር!

ናይ ሓደ ክርስትያን ኣብነት ወይ ከም ኣዘራርባ ዘመና ክትክተሎ ዘሎካ ሞዴልከስ እግዚአብሔር እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ኢየሱስ ‘ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝኾነ ፍጹማን ኩኑ’ ይብለና። ምዃንስ እኳ ክንደየናይ እስኪ ክንመስሎ ንቃለስ። እዚ ከምዚከኣል ባዕሉ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ‘ኦ ኣቦ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ መሓሮም’ ብማለት ነቶም ብምስማር ዝሸንከርዎ ምሕረቱን ፍቅሩን ክሳብ መወዳእታ ብምግላጽ ኣብነት ኰይኑና። ስለዚ እታ ምርጫና ከም ኢየሱስ ክሳብ መወዳእታ ብነጻ ምንም ግብረ መልሲ ከይደለኻ ምፍቃር እያ መንገዲ ክርስትና ክትከውን ዘለዋ።

“ስለዚኸስ ብሓቂ ተኸተልቲ ክርስቶስ ክንከውን ንደሊ እንተደኣ ኰና! ክርስትያን ኢና ክንብል ንደሊ እንተዀና ብዘይካ እዚኣ ካልእ መንገዲ የለን። መወዳእታ ብዘይብሉ ፍቅሪ እግዚአብሔር ዝተፈቀርናን ንክነፍቅር ዝተጸዋዕናን ከምኡ እውን መወዳእታ ብዘይብሉ ምሕረቱ ዝተመሓርናን ብዘይ ምንም ውዑል ንካልኦት ክንምሕር ዝተጸዋዕናን ብነጻ ህያብ ኣምላኽ ዝተዳሕና በቲ እንገብሮ ሠናይ ነገር ምንም ነገር ክንጽበ ዘይብልና ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ ሠውራዊ ወይውን ሱር ነቀል ለውጢ ክንብሎ እንኽእል ኢየሱስ ዘምጽሖ ሕዳሴ ንጸላእትኻ ኣፍቅር እትብል ትእዛዝ እያ።”

ሕዳሴ ክርስትናኸስ ጸላእትኹም ኣፍቅሩ እያ!

እታ ‘ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ምእንቲ እቶም ዜሳድዱኹም ጸሎት ግበሩ’ እትብል ትእዛዝ ኢየሱስ ብኣተሓሳስባ ደቂሰባት ዓባይ ፈተና እያ። ኰይኑ ግን ኢየሱስ ኣብዚ ሰብኣዊ ሚዛን ኣይኮነን ዝጥቀም ዘሎ ከምቲ ንሕና እንገብሮ እውን ዕንክሊል ኣይኮነን ዝብል ዘሎ ትኽ ዝበለትን ንጽርትን ትእዛዝ እዩ ዝህበና ዘሎ። ጸልእትኻ ምፍቃርከስ ሕዳሴ ክርስትና እያ። ፍቅሪ ኢየሱስ መወዳእታ ዘይብሉ ዓቐን ዘብሉ ኰይኑ ብዘይ ምንም ምጽብጻብ ንክነፍቅር የተባብዓና።

“ዘይኩሉ ከምኡ ዝገብር ዘሎ እናበልና ንዓለም ክንመስል ክንደይ ግዜ ኢና ነዚ ቃላቱ ሸለል ዝበልናዮ! ኰይኑ እዚ ትእዛዝ ፍቅሪ ንማለቱ ዝተባህለ ዘይኰነ ሕመረት ወንጌል ኰይኑ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘለዎ እዩ። ንፍቅሪ ብዝምልከት ምንም ዓይነት ምኽኒት የሎን። ጐይታ ንዋጋ ዕዳጋ ስለዘይወረደ ምንም ዋጋ ዕዳጋ የለን። እታ እንኮ ዝለዓለት መፈልጥታ ክርስትያን ከኣ እዚኣ እያ። መንገዲ ፍቅሪ ንልብና ኣጽዋር ጽልእን ቂመ በቀልን ከም እትራግፍ ይገብር።”

ካብ ልብና ኣጽዋር ጽልእን ቂመ በቀልን ነራግፍ!

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ስብከቶም ነፍሲወከፍ ናብ ሕልናኡ ምልስ ኢሉ ብዛዕባ እቶም ዝበደልዎ ሕማቅ ዝፈደይዎ ዘጨንቅዎ ኣሽንኳይ ክቅበሎም ክርእዮም እኳ ብዛዕባ ዘይደልዮም ሰባት ይሕሰብ። እዚ ኩሉ ጾር ልቢ እዩ። ብዛዕባ ክፍኣት ሕሰም ናይ ካልኦት ብዙሕ ኣይትጨነቁ ናብ ልብኹም ተመሊስኩም ኢየሱስ ካብዚ ቂመ በቀል ሓራ ከውጽኣኩም ለምንዎ ንሱ ጥራሕ እዩ ሓራ ዘውጽእ።

“ኣምልኾ ናብ እግዚአብሔር ምቅራብ ተጻይ ናይ ጽልኢ ባህሊ እዩ። ባህሊ ጽልኢ ዕሚም እናበልካ ብዝግበር ኣምልኾ ጠንጢንካ ብምህዳግ እዩ ዝሰዓር። ክንደይ ግዜ ኢና ብዛዕባ ዘይንረኽቦ ጉዳያት ዕሚም ክንብል ብዛዕባ ሰባትስ ይኹን ኩነታት ዕሚም ክንብል ዘየጒረምረምና። ንኩሉ ኢየሱስ ይፈልጦ እዩ። ዝጸልኣና ይህሉ ዘሳድደና እውን ይህሉ። ኢየሱስ ነዚኦም ክነፍቅሮም ስለኦም ከኣ ክንጽሊ ይእዝዘና። ለውጢ ኢየሱስከስ እዚ እዩ። ናይ ታሪኽ ደቂሰባት ዝዓበየ ሠውራ ወይውን ሡር ነቀል ለውጢ ክብሎ እንኽእል ካብ ጸላኢኻ ጽላእ ናብ ጸላኢ ኣፍቅር የሰጋግረና። ካብ ናይ ዕሚም እናበልካ ናይ ምጒርምራም ባህሊ ናብ ባህሊ ልግሲ የሰጋግረና። ናይ ኢየሱስ እንተደኣ ኰና እቲ መንገዲ እዚ እዩ ካልእ መንገዲ የሎን። ኣብ ቅድሚ እግዚኣአብሔር ዘሸንፉ ፍቅርን ምሕረትን ጥራይ እየን።”

ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዘሸንፋ ፍቅርን ምሕረትን እየን!

ቅዱስነቶም ነዚ መንገዲ እዚ ብኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ዝወስድዎ እሞ `እቲ ዕላማ ሓደ ነገር እዩ እቲ ናብራ ከኣ ካልእ ስለዚ በዚ ዕላማ እዚ እንተተመሪሐ ኣብዚ ሰብ ንሰብ ዝበልዓሉ ሕብረተሰብ ክነብር ኣይክእልን’ ክብል ይኽእል ይብሉ። መልሲ ኢየሱስ ግን ንጹር ምዃኑ `ኣብዚ ዓለም እዚ ዝሰዓር ኣብ ቅድሚ ኣዕይቲ እግዚአብሔር ዕውት እዩ’ በዚ ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ጥበብ እዚ ዓለም እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዕሽነት እዩ’ ይብለና ስለዚ ፍቅርን ምሕረትን ጥራሕ እየን ከዕውታኹም ዝኽእላ። ነታ ኢየሱስ ጴጥሮስ ሰይፊ ምስ ኣልዓለ ዝበላ ዘክሩ ‘ሰይፍኻ ኣብ ማሕደሩ ምለሶ ሰይፊ ዘልዕል ብሰይፊ ክጠፍእ እዩ’ ኢልዎ ኢሎም።

“ከምቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጌተሰማኒ ኰይኑ ዘሎ ኢፍትሓውን ሸለልትነት ዝመልኦን ዓለምና ኣብ ሥቃይ ተስፋ ቊርጸት እትርከብ ንሕና ከኣ ክንሕግዛ ዘሎና ኰይኑ ዝረኣየሉ ዘመንና ሓደ ክርስትያን ከምቲ ጴጥሮስ ዝገብሮ ሰይፎም ክመዙ ኣይኮነን ዝድለ እንታይ ደኣ መንገዲ ኢየሱስ ምኽታል እያ እተዋጽኣና። ሕያው ፍቅሪ ክህልወና ክሳብ መወዳእታ ክነፍቅር እዩ ዘሎና። ነዚ ጸጋ እዚ ክህበና ንለምኖ። ሓደራ ብዘሎ ኣተሓሳስባ ከይንጽሎ እንኮ መንገዲ ክርስትያን እታ ናይ ኢየሱስ እያ። ነዚኣ ምስ እንኽተል ሓቀኛታት ክርስትያን ክንከውን ኢና ዓለምና ከኣ ቀስ ብቀስ ሰብኣውነት ክለብስ እዩ።”

ቅዱስነቶም ኣብ ግዜ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣአብሔር ኣብ ሶርያ ዘሎ ውግእ ደው ክብል ብስሞምን ብስም እቶም ኣብ ባሪ ተጋቢኦም ዝነበሩ ጳጳሳትን ጻውዒትን ምሕጽንታን ኣቅሪቦም።

ብድምጺ ንምክትታል!
24 February 2020, 14:00