ድለ

ዱር አማዞን ዱር አማዞን  ርእሰ ዓንቀጽ

ዓበይቲ ሕልምታት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንዞባ ኣማዞን!

ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ብዛዕባ ኣማዞን ንዝመኸረ ሲኖዶስ ጳጳሳት ስዒቡ ሎሚ መዓልቲ ዝወጸ ድሕረ ሲኖዶሳዊ ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሓደራ ዝብሎ ‘ንድኻታት ኣብ ግምት ዘእተወ ጭቡጥ ሓለዋ ኣከባቢና ክግበር እሞ ንባህልታት ናይቲ ከባቢ ኣብ ግምት ዘእተወ ገጽታ ኣማዞንያ ዘንጸባርቅ ተልእኮ ስብከተወንጌል ንክብጻሕ እዩ`።

ኣንድረያ ቶርንየሊ (ትርጉም አባ መኰንን አማኑኤል)

‘ሕልምታት ንሓቂ ሃሰስ ንክትብል ዝሕግዙ ናይ ክብሪ ቦታታት እዮም . . . እግዚአብሔር እውን ብዙሕ ግዜ ብሕልሚ ክዛረብ መሪጹ’። እዘን ቃላት እዚኤን ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብወርሒ ታሕሳስ 2018 ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ዝበልወን እየን። ነዚ ዝበሉሉ ከኣ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍን ሕልምታቱን ኣብ ዘቅረብዎ ኣስተንትኖ ነበረ። እዚ ድምጹ ዘይስማዕ ሱቕተኛ ሰብ እዚ ነዚ ቅዱስነቶም ብዛዕባ ዞባ ኣማዞን ኣብ ዘቅርብዎ ድሕረ ሲኖዶሳዊ ቃለ ምዕዳን ንዝሓልምዎ ክንርዳእ ክሕግዘና ይኽእል። እዚ ሰነድ እዚ ከም ናይ ፍቅሪ ደብዳቤ ተጻሒፉ እንከብቅዕ ነቲ ዕለት ዕለት ኣብቲ ዞባ እቲ ዘጓንፍ ድራማ እውን ይትንትን።  ብሓፈሻ ክልተ ሕቶታት ክቅልቀላ ይኽእላ። እታ ሓንቲ ስለምንታይ እዮም ጳጳስ ሮማ ነዚ ውሱን ቦታ ዓለምለኻዊ ግምት ሂቦም ክሳብ ሲኖዶስ ብዛዕባኡ ዝመደቡ! ትብል ኰይና እታ ካልአይቲ ድማ ዞባ ኣማዞንን ጽሕፍቶኡን ንኣና ዝምልከት እንታይ ኮን ይህልዎ! ትብል እያ።

ነቲ ጽሑፍ ቀስ ኢልና ምስ እንግንጽሎ መልሲ ናይዘን ሕቶታት ንረክብ። እታ ቅልዕቲ መልሲ ኩሉ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ እዚ ከኣ እዛ እንነብረላ ዓለም ኣብ ኰንታት ጥዕና ኣማዞን ከም እትድገፍ ግሉጽ እዩ። ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝነብሩ ኩነታትን እቲ ዝተጠናነገ ተጸጋጊዕካ ናይ ምንባር ሕጊ ተፈጥሮን ክፈላለዩ ስለዘይክእሉ ንሃብቲ ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ሕዝቢ ብምዕናውስ ይኹን ነቲ ዝተኻእሎ ክምዝምዝ ነቲ ዱር እናዕነወ ኣብኡ ተደኲኑ ዘሎ ቁጠባውን ፖሎቲካውን ኩነታት ኢንዲስትሪ ምዕናው እውን ኣይሕግዝን። ሱቊ ኢልና ኢድና ኣጣሚርና ክንጥምት እውን ሕልና ኣይገብረልናን።

ኰይኑ ግን ካልእ ዓለምለኻዊ መኣዝን ዘሎዎ ጉዳይ ዞባ ኣማዞን እውን ኣሎ። እቲ ኣብኡ ዘጋጥም ዘሎ ቅልውላው ከባቢ ኣብ ድርኩዂት ነፍሲወከፍ እናኳሕኰሐ ናይ ዓለምና ክሊማዊ ለውጥን ቊጠባዊ ቅልውላውን ንብዙሓት ይጸሎ ስለዘሎ ነቲ ዳግም ክነሕውዮ ዘይንኽእል ቊስሊ ተፈጥሮ ብምርኣይ እቶም ብሰላም ምስ ተፈጥሮ ተዛሚዶም ዝነብሩ ዝነበሩ ሕብረ ብዙሕ ዝኾኑ ሕዝብታትን ባህልታቶምን ይግዕዙ ኣለው።

መልእኽቲ ፍቅሪ ዝመስል ዝተፈቶኺ ኣማዞንያ እትብል መልኽቲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እተተኩሮኸስ ቅድሚ ዝኣገረ ንቤተክርስትያን ንዘጓንፍ ግድላት ስብከተወንጌል መንገዲ ሃሰስ ንምባልን ነቲ መልእኽቲ ክርስትያን ብምስባኽ ነቲ ንዓለም ዘፍቀረ እግዚአብሔር ክሳብ ወዱ ኣብ ዕጸ መስቀል በጃ ዘወፈየ ናብኦም ንምብጻሕ እዩ። ሰብኣውነት ኣብ ዞባ ኣማዞን ንከባቢ ክትከላኸል እትቃለሶ ሕማም ኣይኮነን። እቶም ኣብ ኣማዞን ዝነበሩ መበቆላውያን ደቂ ኣባት ምስ ባህልታቶም ክዕቀቡ ኣለዎም። ኰይኑ ግን ብርሃን ወንጌል ክስበኸሎም ምሉእ መሰል ኣለዎም። ካብዚ ተልእኮ ስብከተ ወንጌልስ ይኹን ካብ ሓዋርያዊ ጒስነት ቤተክርስትያን ዝተገለሉ ኣይኮኑን። እኳ ደኣ ብዙሓት ልኡካነ ወንጌል ዕለት ዕለት ብናኣሽቱ ጃልባታት ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ጸሓይ ንስብከተ ወንጌል ላዕልን ታሕትን ክብሉ ገጾም ክሳብ ዝማዲ ኰይኖም። እዚ ከኣ ንኩሎም ኣብ ዘዘለዎ ክበጽሑን ቃል ኣምላኽ ክሰብኩን ምሥጢራት ክዕድሉን ዝከፍልዎ መሥዋዕቲ እዩ።

ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ነቲ ኣብ ሲኖዶስ ብዝተላዕለ ክትዕ ዳርጋ ናይ ረፈረንዱም ምድማጽ ዝመስል መጐት ዘስዓበ ተኽእሎ ክህነት ምርዕዋት ሰባት መብርሂ ይህብ። እዚ ጉዳይ እዚ ነዊሕ ተዘሪቡሉ ገና እውን ክዝረበሉ እዩ ከመይ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝብሎ ‘ፍጹም ንጽሕና ብባህሪ ክህነት ዝሕተት ኣይኮነን’። ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ ሕቶኸስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ድሕሪ ጸልዩን ኣስተንቲኑን ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ብሥርዓት ቤተክርስትያን ዝተዋህቡ መምርሒታት ወጻኢ ዝግበር ምንም ሕድገት ወይ ለውጢ የለን እንክብሉ መሊሾም። ንመላእ ቤተክርስትያን ከኣ ጐይታ ባዕሉ ብጸጋኡ ንክሰርሕ ሓያልን ዝተሓደሰን እምነት ተዓጢቅና ዝተሓደሰ መንፈስ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ክህበና እምበር ኣብ ናይ ንግዳዊ እስትራተጅን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ተክኖሎጅን ናይ እምነት ጽልዋ ክንረክብ ኣይጽዓር ኢሎም።

ዝተፈቶኺ ኣማዞን እትብል ቃለ ምዕዳንከስ ‘ንጹርን ተባዕን ዳግመ ምሕሳብ ናይቲ ከባቢ ተቊዋማት ቤተክርስትያንን ተልእኾታቶምን’ ክግበር ትዕድም። መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሓላፍነታ ተሰኪማ ኣቊሳል ሕዝቢ ኣማዞንን ጸገማቶምን ከምኡ እውን ቅዳሴ ሰንበት ዝተሓረሞም ማሕበረክርስትያናት ከም ጸገማ ቈጺራ መንፈስ ቅዱስ ዝመልኦም ሓደስቲ ልኡካን ብምስዳድ ነቲ ድሮ ኣባኡ ብመማህራን ትምህርተ ክርስቶስን ወለኛታትን ንዝካየድ ኣገልግሎታት ብምድንፍዕን ብምድራዕን ክትሰርሕ ይጽውዕ። ምእመናን ኣብ ቤተክርስትያን ንዘበርክትዎ ወደር ኣልቦ ኣገልግሎት ኣብ ግምት ብምእታው እውን ኣብ ዞባ ኣማዞን እምነት ክርስትና ክዕቀብን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክመሓላለፍን ሕያው ኰይኑ ክሳብ ሕጂ ክቅጽልን ዝገበረ ሓያላትን ለጋሳትን አመንቲ ኣደታትን ኣሓትን ብምንባረን ኰይኑ ወላ ካህን እንተዘይረኸባ እውን ጸኒዔን ኣጽኒዔን እየን ክብሉ ይምስኩሩለን።  

ብድምጺ ንምክትታል!
12 February 2020, 16:04