ድለ

ክርስቲያን ንኽእረም ዝፈቅድ እዩ ክርስቲያን ንኽእረም ዝፈቅድ እዩ  (Ossevatore Romano) መዘኻኸሪ

ክርስቲያን ንኽእረም ዝፈቅድ እዩ

እዩ፡ ድሕነት ኣብ ሕይወቱ ተመክሮ ዝገብር ክርስቲያን ንድሕነት ኣብ ዙርያኡ እዩ ዘስርጻን ዘስፍሓን፡ ስለምንታይ እግዚኣብሔር ኣብ ዝዀነ ይዅን ኩነት ኣብቲ ምውዳቕ ኣብ ዝረአየሉ ኵነት ኵሉ እውን ዝዓዪ ስለ ዝዀነ

ቅዱስነቶም ዕለት 10 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ስብከት ለጊሶም፡ ዕለት 9 ጥሪ 2020 ዓ.ም. እውን ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመት ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ቁሩብ መዓልታት ድሕሪ በዓለ ኣስተርእዮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግታት ተቐቢሎም ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ምንዮት መልእኽቲ ንምልውዋጥ ዘስምዕዎ መደረን፡ ዕለት 8 ጥሪ ናይ 2020 ዓ.ም. ዝለገስዎ ቀዳማይ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን እሞርኵይዞም ጋጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መብዛሕትና ዳርጋ ኵላትና እውን ክበሃል ይከኣል ደለይቲ ናእዳ ኢና፡ ካብ ዝእርሙና ዝንእዱና እነናድይ፡ ናይ ክርትያን ናይ እምነት ጉዕዞ ግና ዕለት ብዕለት እርምቲ ምቕባል ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ኣብሪሆም፡ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዮሓንስ ንእግዚኣብሔር አፍቅር እየ ዝብል ንሓዉ ግና ዘየፍቅር ሓሳዊ እዩ ይብሎ፡ ስለዚህ እዚ ሓሳዊ ዝብል መታለሊ ዝብል ትርጉም ዘለዎ ብኻልእ መዳይ እውን ስም ናይቲ ናይ ሓሶት ጐይታ ናይ ዝዀነ ዲያብሎስ እዩ፡ ኣቦ ሓሶት፡ ሓሳዊ ተባሂሊ ክጽዋዕ ዝደልይ ሓደ’ኳ የልቦም፡ ናይ እምንት ትሕትና ጥራሕ እዩ ንክርስቲያን ኣብ ናይ ምልዋጥ ጐደና ክስጉም ዝገብሮ፡ እዚ ጉዕዞ ምልዋጥ’ዚ ኣቐዲሙ ባዕሉ ዘፍቀረና እግዚኣብሔር ምዃኑ ምስትውዓል ዘለዎን፡ እቲ ኣብ መንጐናን ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ዘሎ ጋግ ዝኣልይ ፍቕሪ እዩ ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት የተሓሳስቡ።

ንእግዚኣብሔር አፍቅር እየ ዝብል ንሓዉ ግና ዘየፍቅር ሓሳዊ እዩ
ንእግዚኣብሔር አፍቅር እየ ዝብል ንሓዉ ግና ዘየፍቅር ሓሳዊ እዩ

ዕለት 9 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ልብናን ኣብ ውሽጢ ኣባይቲ ስድራናን ገዛውትናን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታን ሰላም ዘይብሎም፡ ሕሜታን በለካን ለኻዓካን ንበሃለሉን እንፈርድን ዲያብሎስ ኣብ ማኣከልና ውግእ ክዘርእ እንከሎ፡ ኣብ ሰላም ዘይብሉ ኩነት እናነበርና ምእንቲ ሰላም ኣብ ዓለም ንጽልይ ንኸውን፡ እዚ ብሓቂ ቃለ ዓለም እውን እዩ፡ ፍቕሪ ካብ ማእከልና ስለ እንኣልይ፡ ገዛእ ርእስና ነዕንው፡ ቃላትና መን ምዃንና ይዛረባ፡ ኣብ ጐይታን ምስ ጐይታን እንተድኣ ኰይንና እንፍጽሞ ሓጢኣት መንፈስ ቅዱስ ባዕሉ ኣበሳና ይሕብረናን ንኽንትስእ ሓይሊ ይዀነና፡ ምሕረት የውርደልናን፡ ፍቕሪ ብዛዕባ ካልኦት ሰናይ ንኽንዛረብ ይድርኸና ሰናይ ክንዛረብ እንደልይ እውን እንተዘይኰንና ብውሑዱ እፍና ክንዓጽው ይሕግዘና ዝብል ሓሳብ ዘስመሩሉ ስብከት ከምዝለገሱ ቸንቶፋንቲ ኣብ ዘቕረብዎ መዘኻኸሪ የመልክቱ።

ዕለት 9 ጥሪ 2020 ዓ.ም. እውን ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ቁሩብ መዓልታት ድሕሪ በዓለ ኣስተርእዮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግታት ተቐቢሎም ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ምንዮት መልእኽቲ ንምልውዋጥ ኣብ ዘስምዕዎ መደረን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ማእለያ ዘይብሉ ዝተሓላለኸ ጸገማት ኵሉ ነታ ጠሪሹ ክፍኣትን ስቓይን ሞትን ዘይኽውላን ዘይስዕራንን ተስፋ ነማዕድው ዝብልን፡ እቲ ተስፋ ካብቲ ካብ እግዚኣብሔር ኣብ ዝተወልደ ሕጻን ናብ ሓሴት ይዕድመናን፡ ጸገማትና ኵሉ ብጭቡጥነት ገጢምና ቅኑዕን ሰላማውን ሕውነታውነት ዝዓሰሎ ዓለም ንኽንሓንጽ ትብዓት ይጽግወና፡ ነቲ ሰባት ንሓድ ሕዶም ንኽነጻጸጉን ዝገብር ገማማዒ ባህሊ ንኸነሰንፍ ሓይልታትና ነተሓባብር ዝብልን ከምኡ እውን ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ናይ እምንት ሃምነናዊ ኣዋጅ ዛዕባ ፍልሰታ ለማርያም ዘኪሮም እዚ ኸኣ ክንየው ፍጻሜ ምድራዊ ሕይወትና ነቲ ዝመጽእ መዓልቲ ፍትሕን ሰላምን ንኸነማዕድው ዝድግፈና እዩ፡ … እዚ ብርሃን’ዚ ጠሪሽና ተስፋ ምግባር ንኸይነቋርጽን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ልዕሊ ውልቃዊ ረብሓ ናይ ሓባር ረብሓ ዝዕብልለሉ ሰብኣዊ ሕውነት ንኽንሓንጽ ይድግፈና፡ ስለዚህ ሰላም ጠሪሹ ኡጦብያ ዘይኰነ ተኻኣሊ ሸቶ እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ የዘኻኽሩ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ቅልውላው ኣብ መንጐ ኢራንን ኣመሪካን ንምብዳህ፡ ዘተን ዓለም ሓቆፍ ሕግታት ምኽባርን
ር.ሊ.ጳ.፥ ቅልውላው ኣብ መንጐ ኢራንን ኣመሪካን ንምብዳህ፡ ዘተን ዓለም ሓቆፍ ሕግታት ምኽባርን

ዕለት 8 ጥሪ ቅዱስነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ምእመናን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቀዳማይ ናይ 2020 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ሓደ ካብቲ ዘስመሩሉ ሓሳብ ሓደ ኣማኒ ናይ ምድሓን/ድሕነት ተመክሮ ክገብር እንከሎ፡ እቲ ምድሓን ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘትርፎ ዘይኰነስ ናብ ኵሉ ስፍራ ንኸብጽሖ የነቃቓሖ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ነቲ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ኣማእኪሎም ዘቕርብዎ ዘለዉ ኣስተህሮ ትምህርተ ክርስቶስ መቐጸልታ ኰይኑ፡ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 27 ፍቕዲ 15ን ካብ ፍቕዲ 21-24 ዘሎ መልእኽቲ እማእኪሎም፡ ጳውሎስ ኣብ ባሕረ ማልታ እታ ዝተሳፈረላ መርከብ ብማዕበል ትናወጽን ኣብ ኣፈት ሓደጋ ምጥሓልን ሞትን ዝነበረትን ካብ ሕዝቢ ረድኤት ከምዝቐረብሉን ዘዘንትው ታሪኽ ጠቒሶም፡ እቲ ምንዋጽ ባሕርን ሓደጋ ምጥሓልን ምስቲ ኣብ እዋንና ዝረኣይ ዘሎ ናይ ብዙሓት ኣብ ማያት ባሕሪ ዘጋጥሞም ናይ ምጥሓል ሓደጋን ስግኣትን ሞትን ዝመሳሰል ምዃኑ ሓቢሮም፥  ሞት ኣብ ኣፈት እንተሃለወን ተስፋ ቁርጸት ክዕብልል እንከሎ እውን ጳውሎስ ብዓቢይ ቃል እምነት ይሽምግል፡ ምንዋጽን ጸፍዒ ሕይወትን ኩሉ ንስብከተ ወንጌል ዕድል ወይ ውን ኣጋጣሚ ይኸውን፡ እዚ ኸኣ ናይ ወንጌል ሕጊ እዩ፡ ድሕነት ኣብ ሕይወቱ ተመክሮ ዝገብር ክርስቲያን ንድሕነት ኣብ ዙርያኡ እዩ ዘስርጻን ዘስፍሓን፡ ስለምንታይ እግዚኣብሔር ኣብ ዝዀነ ይዅን ኩነት ኣብቲ ምውዳቕ ኣብ ዝረአየሉ ኵነት ኵሉ እውን ዝዓዪ ስለ ዝዀነ ዝብል ቅዋሙ ሓሳብ ብዕምቆት ከምዘብርሁ ዝገለጹ ቸንቶፋንቲ ዘቕረብዎ መዘኻኸሪ የጠቓልሉ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ሓደጋ ንዝርከብ ካብቲ ዝወደቐሉ ኢሰብኣውነት ኩነት ምድሓን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ሓደጋ ንዝርከብ ካብቲ ዝወደቐሉ ኢሰብኣውነት ኩነት ምድሓን
ክርስቲያን ንኽእረም ዝፈቅድ እዩ
11 January 2020, 17:05