ድለ

ሕያዋይ ልቢ ጽልእ ይነጽግ ሰላም ይሓንጽ ሕያዋይ ልቢ ጽልእ ይነጽግ ሰላም ይሓንጽ  መዘኻኸሪ

ሕያዋይ ልቢ ጽልእ ይነጽግ ሰላም ይሓንጽ

እግዚኣብሔር ንሰብ ክሳብ ክንደይ ኣብ ልቡ ከምዘእተዎን ከምዚ ብምዃኑ ከኣ ኣብ ቅድሚ የዕንቲ እግዚኣብሔር ትርጉም ዘይብሉ ወይ ከኣ ኣብ ግምት ዘይኣትው ንእሽተይ ዝዀነ ታሪኽ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝብሃል የሎን፡ ብዛዕባ እቲ ዝርአይ ክፋእ እውን ከነዘንትው እንከለና ንድሕነት ቦታ ምሃብ ክንመሃር ይግብኣና

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ዘመሓላለፍዎ መበል 54 ዓለም ሓቆፍ መልእኽትን ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከትን ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምኽትል ርእሰ ብሔር ፐንሰ ዕለት 25 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ዘካየድዎ ርክብን፡ ቅዱስነቶም ን 13 ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብፅዕና ክእወጅ ዘመሓላልፍዎ ውሳኔን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ዘተኰረ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘውጸኦ መዘክር ፍጻሜታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 24 ጥሪ ዓመታዊ ዝኽሪ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘሳለስ ናይ ጋዜጠይናታትን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ምስ እተብዕለሉ ዕለት ተተሓሒዙ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ በቢ ዓመት ዝዝከር መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ምኽንያት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘመሓላልፍዎ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ መራኸቢ ብዙሓን ከምዘሎ ኰይኑ፡ እነሆ ለምዘበን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “… ክተዘንትዎን ክዝክርዎን መታን …” (ኦሪት ዘጸዓት ምዕ. 10,2) ብዝብል ኣርእስቲ ንመበል 54 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ኣብ መልእኽቶም ሓደ ሓበሬታ ሓቀይና እዩ እትብሎ ዝሓንጽ ምስ ዝኸውን ገሊጾም፡ ንካቶሊክ ማሕበረሰብ ንዝተፈላለየ ምግምማዕ ዝዳርግ ሓበሬታ ዘይኰነ እቲ ዘድልየና ናይ ሰናይ ታሪኽ ሓቂ ንምስትንፋስ እዩ፡ ኣናስርና ዳግም ንኸነለልይን ብሓባር ንቕድሚት ንኽንብል ዝድግፈናን፡ ( … ) ኣስዒቦም እውን ልክዕ ከምቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ዓመጽን ሓሶትን ኵሉ ዘይነስተውዕሎን ዝሰፍሕ ዘሎ ናይ በለካን ለኻዓካን ሕሜታን ተግባራት ኩሉ ኰኒኖም፡ ነቲ ስንኵፍ ዝዀነ ናይ ሓባር ናብራ ዝሕርሕርን ዝበትኽን ኣዕናዊ ታሪኽን ንሕማቕ ዝቱኽቱኽን ዘለዓዕልን ታሪኽ ኣይፋል ንበል እንክብሉ ይምዕዱ፡ ስለዚህ መጽሓፍ ቅዱስ ናይቲ ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ሰብኣዊ ፍጥረትን ዘሎ ዓቢይ ፍቕሪ ታሪኽ ብምዃኑ ንመጽሓፍ ቅዱስ ቅርበት ይሃለወና፡ ናይ ኢየሱስ ታሪኽ፥ እግዚኣብሔር ንሰብ ክሳብ ክንደይ ኣብ ልቡ ከምዘእተዎን ከምዚ ብምዃኑ ከኣ ኣብ ቅድሚ የዕንቲ እግዚኣብሔር ትርጉም ዘይብሉ ወይ ከኣ ኣብ ግምት ዘይኣትው ንእሽተይ ዝዀነ ታሪኽ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝብሃል የሎን፡ ብዛዕባ እቲ ዝርአይ ክፋእ እውን ከነዘንትው እንከለና ንድሕነት ቦታ ምሃብ ክንመሃር ይግብኣና፡ ኣብ ማእከል እቲ ክፋእ እውን ነቲ ህርኵትን ጸዓተይናን ሰናይ ኣፍልጦን ቦታን ምህባን ከምዘድሊ የተሓሳስቡ።

ሕያዋይ ልቢ ጽልእ ይነጽግ ሰላም ይሓንጽ
ሕያዋይ ልቢ ጽልእ ይነጽግ ሰላም ይሓንጽ

ዕለት 20 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መርታ ሕንጻ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ኣምልኾ ጣዖት ዝስነፍ ኣብ ቃል ኣምላኽ ምትእምማን እዩ፡ ትዕቢት ግን ኣብ ገዛእ ርእስኻ ከም እንተኣማመን ይገብረካ። እዚ ከኣ ንኣምልኾ ጣዖት መዓጹ ዝኸፍት እዩ። ሕያዋያ ክርስትያን ምዃን ማለት ነቲ ጐይታ ብዛዕባ ፍትሕን ፍቅርን ምሕረትን ርሕራሔን ዝብሎ ጽን ኢልካ ምስማዕን ምእዛዙን እዩ ቢሎም፡ እውነተይና ሓርነት ሰብኣዊ ፍጥረት ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣብ ፍምጻም ምዃኑ የብርሁ፡ ኣብቲ ዕለት 21 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረገው መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ክርስቲያን ምዃንና ዝኸፈልናሉ ዘይኰነስ እግዚኣብሔር ብናጻ ዝዕድለን ጸጋ ምዃኑ ንሱ ጥራሕ ዘይኰነ ካልእ ኵሉ ጸዋዕታ እውን ጸጋ እዩ፡ ኣብ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ብስልጣን ክትዓቢ ሕዪዅ ምባል ክርስትያናዊ ኣይኮነን፡ ስልጣን ነገልግሎትን ትሕት ንምባልን እዩ፡ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዝለገሱ ናይቲ መዘክር ሓተታ ዘቕረቡ ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም፡ ቅዱስነቶም ዕለት 24 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ቅንእን ቂምን ንጽልእን ንሕድ ሕዳዊ ምትኹታኽን ምቹእ ባይታ ዝፈጥር ዘርኢ ውግእን ምግምማዕን ምዃኑን ገሊጾም፡ ኩልና ንጠንቀቅ ከመይ እዚ ዘርኢ እዚ ኣብ ኩልና ኪኣቱ ዚከኣሎ እዩ ሽዑ ንካልኦት ብሕማቅ ከምእንፈርድ ይገብረና እዚ ከኣ ካብ ውሽጥና ዝብገስ እምበር ብደገ ዝመጽእ ኣይኮነን። ቂም እውን ከምኡ ንሱ እዚ ኣለዎ ኣነ ግን የብለይን ክብል ይጅምር። ውድድር ይውለድ። ንሰባት ክንምንጭት ንጅምር ናብ ውግእ ነምርሕ ካብ ውግእ ቤት ናይ ከባቢ ስራሕ ይሰጋገር ብኡ ኣቢሉ ይዓቢ። እታ ፈላሚት ቊልዒ ናይዚ ኩሉ ውግእ ግን እታ ኣብ ልብና ዝተዘርአት ዘርኢ ቅንእን ዘርኢ ቂምን እያ። ነዚኣ ፈውሳ ንጹሕን ፈቃርን ልቢ ምዃኑ ከምዘተሓሳሰብ ይሕብሩ።

ቅዱስ ኣቦና ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝኸታተል ቅዱስ ማሕበር ናይ 13 ሰማዕታት እምነት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብፅዕና ንኽትእውጀሎም ዝሓትት ዘቕረቦ ሰነድ ይኹንታ ከምዝሃብሉን ኣብ መወዳእታ ከኣ ሎሚ ዕለት 25 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝኣተዉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምኽትል ርእሰ ብሔር ማይክል ሪቻርድ ፐንስ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ኣብዚ ዝተኻየደ ርክብ እውን ቅዱስ ኣቦና ንምኽትል ርእሰ ብሔር ፐንስ ናይ 2020 ዓ.ም. ዕለት 1 ጥሪ ወግዓዊ ዝዀነ፥ ቅኑዕን ተሓባባርን ሕውነት ዝዓሰሎ ዓለም ንኽንሓንጽ ተላብዮም፡ ውግእ ብዝለዓለ ደረጃ ንድኻታትን ነቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ንምክልኻል ዓቕምን ብቕዓት ዘይብሎ ዜጋታት እዩ ዝጐድእ፡ ዝዀነ ይኹን ውግእ ካብቲ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ዘይምቕባልን ብዝሓነት ምንጻግን ዘሰዕቦ ቅትለት ሓው እዩ፡ ዓብላሊ ናይ ምዃን ድላይ ዝወልዶ እዩ፡ እቲ ንሕና ንደልዮ ሰላም እቲ ካባና ዝተፈልየ እውን ዝደልዮ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘስመሩሉ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም ገጸ በረኸት ከምዘቕረቡሎም ቸፈንቶፋንቲ ዘቕረብዎ መዘክራዊ ሓተታ ዛዚሞም።

ሕያዋይ ልቢ ጽልእ ይነጽግ ሰላም ይሓንጽ
25 January 2020, 17:45