ድለ

ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ፍራቸስኮ

ጐይታየ እንተፈቂድካ ክተሕውየኒ ትኽእል። ፍቃድካ እንተኾይኑ ክትምሕረኒ ትኽእል። ፍቃድካ እንተዀይኑ ክትሕግዘኒ ትኽእል! ወይ ከኣ ክተንውሕዎ እንተደለኹም ጐይታየ ሓጢኣተይና እየ መሓረኒ ራሕርሐለይ ክትብሉ ትኽእሉ

ሰሙነ ሊጡርጊያ ሰንበት እቲ ናይ ስርሕ ሰሙን ከኣ ሰኑይ ይጅምር፡ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰሙን ዓርብ እዩ ዝጅምር፡ ዓርቢ ዘምሕረት ብዝብል መርሓ ግብሪ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ ሓልዮትን ነቶም ኣብ ድኽነትን ዝርከቡን ህሙማንን ድኻታትን ዝተነጸሉን ክፍሊ ሕብረተሰብ ቅርበትን ሓልዮትን እግዚኣብሔር ዝምስክር ተግባር ዝፍጽምሉ ዕለት ስለ ዝዀነ፡ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘምሕረት ይነብሩን ንኽንነብሮ እውን ይዕድሙን፡ ስነዚ ናይ ቅዱስነቶም ሰሙን ካብቲ ናይ ፍቕሪ ስራሕ መምዘኒ ካብ ዝገብሩሉ ዓርቢ ይብገስ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በዓለም ጥምቀት ዘእግዚእነ ኣብ ዝተበዓለሉ ሰንበት ዕለት 12 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ን 17 ደቂ ተባዕትዮን 15 ደቀንስትዮን ሕጻናት ምስጢረ ጥምቀት ሰሪዖም ልክዕ ከም ሓደ ኣቦሓጐ ነቶም ደቃቶም ንዘጠምቑ ወለዲ፡ ደቃቶም ምስጢረ ጥምቀት ክቕበሉ ምሕታቶምን ከጠምቑን ዘለዎም ክርስቲያናዊ ሓላፍነት ክሕብሩ ጥራሕ ዘይኰነ እምነቶም እውን እያቶም ዝምስክሩ፥ ውላድካ ምጥማቕ ንውላድካ ናይ ፍትሒ ተግባር ምፍጻም እዩ ቢሎም ነዚ ሓሳብ እዚ እንከብርሁ፥

ውላድካ ምጥማቕ፡ ናይ ፍትሒ ተግባር ንውላድካ እዩ፡ ከነጠምቖም እንከለና መንፈስ ቅዱስ ክቕበሉ ንገብር፡ እቲ ዝጥመቕ ሕጻን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ይምላእ፡ እቲ ዝቕበሎ መንፈስ ቅዱስ የሰንዮን ይከላኸለሉን፡ ንመላእ ሕይወቱ የሰንዮን፡ ምእንቲ’ዚ እዩ ድማ ውላድካ ምጥማቕ ዘድልይ፡ ሎሚ ንስኻትኵም ደቃትኵት ዘጠመቕዅም ወለዲ፡ ንውላድኩም ጥራሕ ዘይኰነ መንፈስ ቅዱስ ሒዝኩም ኢዅም ናብ ቤትኵም እትምለሱ፡ ውላድኩም ምስ መንፈስ ቅዱስ ሒዝኩም …

እቲ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዛዚሞም፡ ፍርቂ መዓልቲ ኣብቲ በሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፍሳውያን ነጋዲ ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ብሓባር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፡ እታ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበልናላ ዕለት ኣብ ልባትና ክንዝካራን ከነብዕላን ይምዕዱ፡ ኢየሱስ ብዮሓንስ ክጥምቀት፡ ዮሓንስ ልዝቡን ገዛእ ርእስኻ ትሕት ናይ ምባል ባህርይ የለልይ፡ እቲ ዮሓንስ ዘርእዮ ልዙብነትን ትሕትናን ኵሉ ክርስቲያን ክህልዎን ክነብሮን ዝግብኦ ጠባይ ክኸውን ኣለዎ፡

ዝዕበ ተኸታሊ ክርስቶስ ኣይኮነን። ሕያዋይ ተኸታሊ ክርስቶስ ትሑት ኰይኑ ብለውሃት ከይተረኣየ ሰናይ ነገር ዝገብር እዩ። ኣብ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ማሕበረ ክርስትያን ንኻልኦት ክርኽቡ ኣብ ዝኸዱሉ እማሜ ብምቅራብ እምበር ብምግዳድ ኣይኮነን! እዚ ከኣ ኣብ ጭቡጥ ናብራ ናይቶም ሰባት እናተዋሳእካ ምስክርነት እናሃብካ እዩ።   

ቅድሚ በዓለ ጥምቀት ቅዱስነቶም ቀዳም ዕለት 11 ጥሪ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳጳሳዊ ኢትዮጵያዊ ተቕዋም  መበል 100 ዓመት ቅዋሜኡ ከምዘብዓሉን፡ ኣብቲ ተቕዋም ተረኺቦም ነቶም ካብ ኢትዮጵያውያን ኤርትራውያን ንዝስደዱ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምቕራብ ዘለዎ ኣገዳስነት ነታ ኣብ ክልቲኣተን ሃገራት ንእርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣተሓሳሲቦም፡ እተን ኣቢያተ ክርስቲያን እውን ብዘይ ናይ ውግእ ፍርሒ ንናይ ሓባር ረብሓ መገልገልቲ ክዀና ይምዕዱ።

ዕለት 14 ጥሪ ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ቅዱስነቶም ጓሶትን ክርስቲያንን እትብሎን እተገብሮን ዘሳነየ ምስክርነት ምሃብ ከምዝግብኦምን ነቲ ኣብ መንጐ ናይ ኢየሱስን ናይቶም ግበር ዝብሉ ገበርቲ ኰይኖም ዘይርከቡን ጸሓፍትን ናይ ሕጊ መምሃራንን ዘሎ ስልጣን ፍልልዩ የነጽሩ፡

ሕዝበ እግዚአብሔርከስ ኣብ መንጎ ስልጣንን ናይ ቅብዓት ጸጋን ይፈላሊ እዩ። ናይ ገሊኦም ካህናት ጸገም ርእዮም ገሊኦም ዋእ ናብዚ ካህን እዚ ክትናዘዝ ትኸይድ ንዝብልዎም እቲ ቅብኣት እኮ ናይ እግዚአብሔር ይብሉ። እዚ ጥበብ ሕዝበ እግዚአብሔር ምስቲ ወትሩ ዝዕገስዎን ዝጻወርዎን ክትሓስቦ ከሎኻ ዘደንቅ እዩ። ጓሶት ጥራይ ኣይኮኑን በዚ ሕማም እዚ ዝሳቀዩ ካብ ምእመናንን እውን ኣለው ሰንበት ሰንበት ወግሐ ጸብሐ እውን ክንብሎ እንኽል ኣብ ቅዳሴ ይሳተፉ ኣነባብሮኦም ግን ጨሪሽካ ናይ ኣረመን ዝኾነ ኣለው። እዚ ፈጺምካ ናይ ክርስትያን ኣይኮነን። ዕንቅፋት እዩ። ትብሎን ትገብሮን በብይኑ ምዃን ንየው በልዎ።

ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዝለገሱን ዕለት 15 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ኣሞርኵይዞም ዘቕርብዎ ኣስተምህሮ ብምቕጻል፡ ጳውሎስ ኣብ ሓንቲ ሮማዊት ቤት ማእሰርቲ እውን እንተነበረ ቃል ኣምላኽ ካብ ምብሳር ኣይቦኾረን፡ ነቶም ንኽበጽሕዎ ንዝመጹ ዝነበሩ ወንጌል ይምስክር፡ ነቲ ክትኣስሮ ዘይከኣል ቃል ኣምላኽ ይምስክር።

እዛ ገዛ እዚኣ ነቶም ልቦም ከፊቶም ንክርስቶስ ሃሰስ ይብሉ ንዝነበሩ ወትሩ ክፍቲ ነበረት ኣምሳል ቤተክርስትያን ከኣ ነበረት። ከመይ ቤተክርስትያን ኣብ ስደትን መከራን ዘይምርድዳእን ማእሰርትን እውን ትኹን በቲ እናታዊ ልባ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸ ፍቅሪ እግዚኣአብሔር ክቅበል ንዝደሊ ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ ወትሩ ክፍቲ ኰይና ሓንጐፋይ ኢላ ትቅበል።

ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉን፡ ዕለት 16 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፥ ብዛዕባ እታ ንእግዚኣብሔር እተራሕርሕ ናይ ፈውሲ ጸጋ ዘውሃቦ ፍቓድካ እተድኣ ኰይኑ ከተንጽሓኒ ትክእል ኢኻ እትብል ናይ ሓደ ለምጻም ንእሽቶ ጸሎት ዝትንትን ስብከት ክልግሱ፥

ጐይታየ እንተፈቂድካ ክተሕውየኒ ትኽእል። ፍቃድካ እንተኾይኑ ክትምሕረኒ ትኽእል። ፍቃድካ እንተዀይኑ ክትሕግዘኒ ትኽእል! ወይ ከኣ ክተንውሕዎ እንተደለኹም ጐይታየ ሓጢኣተኛ እየ መሓረኒ ራሕርሐለይ ክትብሉ ትኽእሉ። ብዓቢይ እምነት ነቕርበሉ፡ ንሱ ጸጋማትናን ሓጢኣትናን ውሳጣዊ ሕማማትናን ናቱ ክሳብ ምግባር ክርሕርሓልና እዩ፡ ከንጽሓና እውን እዩ፡ እዛ ሓጻር ጸሎት እዚኣ ዕለታዊ ተመክሮና ንግበራ።

እንክብሉ ከምዝመዓዱ ይዝከር።

ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ፍራቸስኮ
17 January 2020, 17:30