ድለ

ምቅባል ጋሻ ባህሊ ክርስትና ስለዝኾነ ንሠናይ ነገር ናይ ኩልና ክፉታት ንኹን! ር.ሊ.ጳ

ንሶሙን ሙሉእ ክካየድ ዝቀንየ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዝተሳተፍዎን ዝመርሕዎን ጸሎት ዘሠርክ ተዛዚሙ። ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ ጸሎት ዝተሳተፉን ንመላእ ዓለምን `ብዓለማዊ ኣተሓሳስባ ኣይንሰሓብ ንንኡሳንን ድኻታትን ጽን ንበል ከመይ እግዚኣአብሔር መልእኽታቱ በዚኦም ከማሓላልፍን ኩሎም ደቂ ሰባትን ክድሕኑን ይደሊ` እንብሉ ሎምዘመን ንመበል 53 ግዜ ንዝተፈጸመ ሶሙን ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን ዛዚሞም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን ጐይታ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ዝጀምሮ ክሳብ ሎሚ ከኣ ዝቅጽል ዘሎ ብሰብኣዊ ኣመላኻኽታ ኣድካሚ እኳ እንተመሰለ ከይሰልቸናን ከይደኸምናን ንግላዊ ጥቅምታትን ንዝሓለፈ ድልየታት እናኣወግድናን ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ንምድንፋዕ ኣበርቲዕና ንስራሕ ኢሎም። ኩሉ ዝኽእል እግዚኣአብሔር ከይደኸምናን ከይሰልቸናን እንተለሚናዮ ነቲ ኩልና እንምነዮ ምሉእ ሓድነት ክህበናን ጉዕዞ ሓደነት ኣብያተክርስትያን ፍጽምናኡ ክንርእን ኢና እንክብሉ ነቲ ናይ ዕለቱ ዝኽሪ በዓል ለውጢ ቅዱስ ጳውሎስን ንሮማ ገጹ ኣብ ወደብ ማልታ ዝበጽሖን ዘኪሮም።

ኣብ ናይ ሎምዘመን ሶሙን ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን ካብ ተርሞሊ ብወኪል ፓትርያርክ ብፁዕን ቅዱስን ገናድዮስ ዝተላእከ ቅዱስ ቅርያት ፍቱው ተመሃራይ ቅዱስ ጳውሎስ ዝኾነ ናይ ቅዱስ ጢሞተዎስ ተላኢኹ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ብምንባሩ ምስ ኩሎም መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያንን ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈት ሓድነት ክርስትያንን ብሓባር ኣብ መቃብር ቅዱስ ጳውሎስን ቅዱስ ቅርያት ቅዱስ ጢሞቴዎስን ጸልዮም። ድሕሪ ጸሎት ቅዱስነቶም ንኩሎም በብሓደ ሰላም ምስ በሉ ኣብ መንጎ ኩሎም ኣሕዋት ምቅብባል ክህሉ ተማሕጺኖም።

መሪሕ ቃል ናይ ሎም ዘመን ሶሙን ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን ‘እቶም ደቂ ዓዲ ብሕሉፍ ሰብኣዊ ለዋህነት ተቀበሉና’ (ግሐ 28.2) ዝብል ብምንባሩ ቅዱስነቶም ካብዚ ብምንቃል እቶም ዝተቀበሉ ደቂ ዓዲ ዝተባህሉ ነበርቲ ደሴት ማልታ እቶም ኣጋይሽ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ወሲኽካ ባሕረኛታት እሱራትን ሓለውቶም ወተሃደራትን ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር ናይ ነፍሲወከፎም ኩነት በዚ ሕሉፍ ሰብኣዊ ለዋህ ምቅባል ኣጋይሽ ከምዝትንከፍ ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ።

“ካብ ናይ ሎምዘመን ሶሙን ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን እንመሃሮ ተቀበልቲ ኣጋይሽ ክንከውን ኰይኑ እዚ ከኣ ብቀዳምነት ክርስትያን ኣብ መንጎ ነንሕድሕድና ከምኡ እውን ምስቶም ካልእ እምነት ዝኽተሉ ክንቀባበል እዩ። ምቅባል ኣጋይሽ ናይ ማሕበራትን ሥድራቤታትን ክርስትያን ባህሊ እዩ። ሽማግለታትና ኣብ ማእዲ ሓንቲ ክርስትያናዊት ስድራ ንማንም ጋሻ ወይውን ማዕጾ ንዝኲሕኲሕ ኢሎም ዝያዳ ብምቅራብ ይምህሩና። ኣብ ገዳማት እንተተመልከትና ኣጋይሽ ብፍሉይ ክንክን ንኢየሱስ ከምዝቅበሉ ጌሮም እዮም ዝቅበልዎም። ነዚ ባህሊ እዚ ኣይነህስሶ እኳ ደኣ ከምቲ ወንጌል ዝእዝዞ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ። ከመይ እግዚኣአብሔር መልእኽተኛታቱ ብናኣሽቱን ድኻታትን ገሩ እዩ ዝፍጽሞ።”

እግዚአብሔር መልእኽታቱ ብናኣሽቱን ድኻታትን ክሰድድ ይፈቱ!

ቅዱስነቶም ነታ ናይ በዓል ጳውሎስ ቃፍላይን ብሰብ ማልታ ዝተገብረሎም ተቅባልን ብምዝካር ‘በዓል ጳውሎስ ቅድሚ ኣብ ደሴት ማልታ ምብጻሖም ኣብ ባሕሪ ብብርቱዕ ከምዝተፈተኑ ተስፋ ክሳብ ምቚራጽ ከምዝበጽሑ ልዕሊ ኩሉ ከኣ እቶም እሱራት ኣብ ሓደጋ ከምዝነበሩ ዝተፈላለየ ጸገም ዝነበሮም ሰባት እውን ከምዝነበሩ ኮይኑ ግን ብሓልዮት እግዚኣአብሔር ከምዝደሓኑ ንዕዘብ። እዚ ምቅባል እዚ ነቶም ዝተጸገሙ በዓል ጳውሎስ ጥራይ ዘይኮነ ንሶም እውን ነቲ ዓዲ ዓቢ በረኸት ኰይኖምዎም እዮም’ እንክብሉ ፍቅሪ ብጻይን ፍቅሪ እግዚኣአብሔርን ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ገሊጾም።

“ከምዚ ጸገም ናይ በዓል ቅዱስ ጳውሎስ ዝገልጾ እግዚአብሔር ነቲ ቀንዲ ዝኾነ መልእኽቲ ድሕነት ብድኹማት እዩ ዝሰዶ። ስለምንታይ እንተበልና ንእግዚአብሔር ከምኡ ስለዘሐጒሶ ብሓይሊ ዓለም ኣይኮነን ከድሕነና ዝደሊ ብድኻምነት መስቀል እዩ ዘድሓነና (1 ቆሮ 1.20)። ከም ተኸተልቲ ክርስቶስ ንሕና እውን ብኣተሓሳስባ ዓለም ከይንሰሓብ እንታይ ደኣ ንናኣሽቱን ንድኻታትን ጽን ነበል ከመይ እግዚአብሔር መልእኽታቱ ብናኣሽቱን ድኻታትን ክሰድድ እይ ዝፈቱ! ከመይ ነቲ ሰብ ዝኾነ ወዱ ዝመስልዎ እዚኦም ጥራይ እዮም ኢሎም።”

ኣብ መንጎና ንዘሎ ፍልልይ ክንሰግር ጠመተ እግዚኣአብሔር ይሃልወና።

መጽሓፈ ግብረ ሓዋርያት ንእግዚአብሔር ዘገድሶ ቀንዲ ውራይ ድሕነት ናይ ኩሎም ደቂሰባት ከም ምዃኑ ይገልጽ። ነዚ ከኣ ንሕና እውን ቀንዲ ውራይና ክንገብሮ ከምዘሎና ቅዱስነቶም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ንሕና እውን ክንደግሞ ኣሎና። ንቀንዲ ድላይ እግዚአብሔር ኣብ ግብሪ ክነውዕሎ ንሕና እውን ግዱዳት ኢና። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ ‘እግዚአብሔር ኩሎም ሰባት ክድሕኑ ይደሊ’ ይብል። እዚ ማሕበራትና ኩለን ክዕጠቃሉ ዘለወን ጉዳይ እዩ እዚ ግን ናብ ማሕበራትና ጥራያ ከይተሓጸርና ንኩሎም ዘመደ ኣዳም ክነስፍሖ ከመይ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኩሉ ዘመደ ኣዳም ሰብ ኮነ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ሞተ ካብ ሞት እውን ተንሠኤ። ነዚ ጠመተ ናቱ ንክንረክብ ጸጋኡ እንተሂቡና ኣብ መንጎና ንዘሎ ፍልልይ ክንሰግሮ ኢና።”

ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሓደጋ ባሕሪ ንኩሎም ከድሕን ዝተቃለሶ ንሕና እውን ክንዮ ጥቅሚ ገዛእ ርእስናን ንርእሰይ ጥራይ ከድሕን ካብ ዝብልን መንፈስ ወጺእና ንኩሉ ዘመደ ክነድሕን ኢልና ንድላይ እግዚኣአብሔር ድላይና እንተገርና ክንዕወት ኢና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

27 January 2020, 17:36