ምቅባል ጋሻ ባህሊ ክርስትና ስለዝኾነ ንሠናይ ነገር ናይ ኩልና ክፉታት ንኹን! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን ጐይታ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ዝጀምሮ ክሳብ ሎሚ ከኣ ዝቅጽል ዘሎ ብሰብኣዊ ኣመላኻኽታ ኣድካሚ እኳ እንተመሰለ ከይሰልቸናን ከይደኸምናን ንግላዊ ጥቅምታትን ንዝሓለፈ ድልየታት እናኣወግድናን ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ንምድንፋዕ ኣበርቲዕና ንስራሕ ኢሎም። ኩሉ ዝኽእል እግዚኣአብሔር ከይደኸምናን ከይሰልቸናን እንተለሚናዮ ነቲ ኩልና እንምነዮ ምሉእ ሓድነት ክህበናን ጉዕዞ ሓደነት ኣብያተክርስትያን ፍጽምናኡ ክንርእን ኢና እንክብሉ ነቲ ናይ ዕለቱ ዝኽሪ በዓል ለውጢ ቅዱስ ጳውሎስን ንሮማ ገጹ ኣብ ወደብ ማልታ ዝበጽሖን ዘኪሮም።
ኣብ ናይ ሎምዘመን ሶሙን ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን ካብ ተርሞሊ ብወኪል ፓትርያርክ ብፁዕን ቅዱስን ገናድዮስ ዝተላእከ ቅዱስ ቅርያት ፍቱው ተመሃራይ ቅዱስ ጳውሎስ ዝኾነ ናይ ቅዱስ ጢሞተዎስ ተላኢኹ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ብምንባሩ ምስ ኩሎም መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያንን ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈት ሓድነት ክርስትያንን ብሓባር ኣብ መቃብር ቅዱስ ጳውሎስን ቅዱስ ቅርያት ቅዱስ ጢሞቴዎስን ጸልዮም። ድሕሪ ጸሎት ቅዱስነቶም ንኩሎም በብሓደ ሰላም ምስ በሉ ኣብ መንጎ ኩሎም ኣሕዋት ምቅብባል ክህሉ ተማሕጺኖም።
መሪሕ ቃል ናይ ሎም ዘመን ሶሙን ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን ‘እቶም ደቂ ዓዲ ብሕሉፍ ሰብኣዊ ለዋህነት ተቀበሉና’ (ግሐ 28.2) ዝብል ብምንባሩ ቅዱስነቶም ካብዚ ብምንቃል እቶም ዝተቀበሉ ደቂ ዓዲ ዝተባህሉ ነበርቲ ደሴት ማልታ እቶም ኣጋይሽ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ወሲኽካ ባሕረኛታት እሱራትን ሓለውቶም ወተሃደራትን ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር ናይ ነፍሲወከፎም ኩነት በዚ ሕሉፍ ሰብኣዊ ለዋህ ምቅባል ኣጋይሽ ከምዝትንከፍ ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ።
እግዚአብሔር መልእኽታቱ ብናኣሽቱን ድኻታትን ክሰድድ ይፈቱ!
ቅዱስነቶም ነታ ናይ በዓል ጳውሎስ ቃፍላይን ብሰብ ማልታ ዝተገብረሎም ተቅባልን ብምዝካር ‘በዓል ጳውሎስ ቅድሚ ኣብ ደሴት ማልታ ምብጻሖም ኣብ ባሕሪ ብብርቱዕ ከምዝተፈተኑ ተስፋ ክሳብ ምቚራጽ ከምዝበጽሑ ልዕሊ ኩሉ ከኣ እቶም እሱራት ኣብ ሓደጋ ከምዝነበሩ ዝተፈላለየ ጸገም ዝነበሮም ሰባት እውን ከምዝነበሩ ኮይኑ ግን ብሓልዮት እግዚኣአብሔር ከምዝደሓኑ ንዕዘብ። እዚ ምቅባል እዚ ነቶም ዝተጸገሙ በዓል ጳውሎስ ጥራይ ዘይኮነ ንሶም እውን ነቲ ዓዲ ዓቢ በረኸት ኰይኖምዎም እዮም’ እንክብሉ ፍቅሪ ብጻይን ፍቅሪ እግዚኣአብሔርን ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ገሊጾም።
ኣብ መንጎና ንዘሎ ፍልልይ ክንሰግር ጠመተ እግዚኣአብሔር ይሃልወና።
መጽሓፈ ግብረ ሓዋርያት ንእግዚአብሔር ዘገድሶ ቀንዲ ውራይ ድሕነት ናይ ኩሎም ደቂሰባት ከም ምዃኑ ይገልጽ። ነዚ ከኣ ንሕና እውን ቀንዲ ውራይና ክንገብሮ ከምዘሎና ቅዱስነቶም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሓደጋ ባሕሪ ንኩሎም ከድሕን ዝተቃለሶ ንሕና እውን ክንዮ ጥቅሚ ገዛእ ርእስናን ንርእሰይ ጥራይ ከድሕን ካብ ዝብልን መንፈስ ወጺእና ንኩሉ ዘመደ ክነድሕን ኢልና ንድላይ እግዚኣአብሔር ድላይና እንተገርና ክንዕወት ኢና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።