ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ርሊ.ጳ. ምስ ናይ ዒራቕ ርእሰ ብሔር ሳሊሕ ክሌኣዊ ርክብ ርሊ.ጳ. ምስ ናይ ዒራቕ ርእሰ ብሔር ሳሊሕ 

ክሌኣዊ ርክብ ርሊ.ጳ. ምስ ናይ ዒራቕ ርእሰ ብሔር ሳሊሕ

እዚ ሰናይ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ዒራቕን ዘመላኸተ ክሌኣዊ ርክብ፡ ኣብ ህልው ኩነታት ዒራቕን እዛ ሃገር ኣጋጢምዋ ዘሎ ብድሆታትን ብዛዕባ ምርግጋእን ዳግማይ ሕንጸትን እማእኪሎም እውን ከምእተመያየጡን

ዕለት 25 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ንናይ ዒራቕ ርእሰ ብሔር ባርሓም ሳሊሕ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ርእሰ ብሔር ሳሊሕ ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተሰናቢቶም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡን ኣብቶም ዝተኻየዱ ርክባት፡ ብዶሆታት ዒራቕን ኣገዳስነት ጐደና ዘተን ህላዌ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ዒራቕን ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ሰፊሕ ምይይጥ ምክያዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ሳሊሕ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡን፡ እዚ ሰናይ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ዒራቕን ዘመላኸተ ክሌኣዊ ርክብ፡ ኣብ ህልው ኩነታት ዒራቕን እዛ ሃገር ኣጋጢምዋ ዘሎ ብድሆታትን ብዛዕባ ምርግጋእን ዳግማይ ሕንጸትን እማእኪሎም እውን ከምእተመያየጡን፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዒራቕ ሰላም ንኽረጋገጽ ኣብ ጐደና ዘተ ከምእተተባብዕን ናይ ዒራቕ ሕዝብን ሃገርን ሉኣላውነት ዘኽብር መፍትሒ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘስመረ ርክብ እውን ምንባሩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ታሪኻውን ጥንታውን ህላዌ ማሕበረ ክርስቲያንን ኣብ ማሕበራዊ ኣካሊት ዒራቕን ዘለዎ ግደን ውሑስ ክኸውንን ኣብዚ መዳይ መንግስቲ ዒራቕ ኣበርቲዑ ከምዝዓዪ ርእሰ ብሔር ሳሊህ ከምዘረጋገጹን፡ ቤተ ክርስቲያን እውን ብወገና ኣብ ዳግማይ ሕንጸትን ምርግጋጽ ሰላምን ሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራን ብተቛማታ ኣቢላ ዝከኣላ ኩሉ ከምእትገብርን፡ ማሕብረሰብ ዓለም ንምርግጋእ ዒራቕ ኣበርቲዑ ክዓዪ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኻት እውን ድምጻ ከምእተስምዕን ዓመጽን ሕድ ሕዳዊ ግጭት ክውገድን ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያትን ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ሓገዛ ከምእተበርክት ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ከምእተሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ክሌኣዊ ርክብ ርሊ.ጳ. ምስ ናይ ዒራቕ ርእሰ ብሔር ሳሊሕ
27 January 2020, 16:51