ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ሓደጋ ንዝርከብ ካብቲ ዝወደቐሉ ኢሰብኣውነት ኩነት ምድሓን

በዛ ለይቲ እዚኣ እቲ መልኣኽ ናይቲ ኣነ ዝናቱን ዘገልግሎን ኣምላኸይ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ ጳውሎስ፡ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኢኻ። እንሆ፡ ነቶም ምሳኻ ዚሳገሩ ኵላቶምውን ኣምላኽ ሂቡካ ኣሎ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ በለኒ (ግብረ ሓዋርያት 27፡ 23-24)

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ምእመናን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ሓደ ካብቲ ዘስመሩሉ ሓሳብ ሓደ ኣማኒ ናይ ምድሓን/ድሕነት ተመክሮ ክገብር እንከሎ፡ እቲ ምድሓን ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘትርፎ ዘይኰነስ ናብ ኵሉ ስፍራ እዩ ዘብጽሕ፡ ዝብል ምዃኑ ዝገለጻ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ፡ ቅዱስነቶም እቲ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ነቲ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ኣማእኪሎም ዘቕርብዎ ዘለዉ ኣስተህሮ ትምህርተ ክርስቶስ መቐጸልታ ኰይኑ፡ ካብ ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 27 ፍቕዲ 15ን ካብ ፍቕዲ 21-24 ዘሎ መልእኽቲ እማእኪሎም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጸገምን እምነትን ሰናይን ፈተናታት ኵሉ ንኻልኦት ኣብ ምድጋፍን ምትሕብባርን ልብኻ ክፉትን መስተውዓልን ይገብር፡ እንክብሉ ነቲ ንጳውሎስ ኣብ ብሕረ ማልታ እታ ዝተሳፈሩላ መርከብ ብማዕበል ትናወጽን ኣብ ኣፈት ሓደጋ ምጥሓል ዝነበረትን ካብ ሕዝቢ ረድኤት ከምዝቐረብሉን ዘዘንትው ታሪኽ ኣማእኪሎም፡ እቲ ምናዋጽ ባሕርን ሓደጋ ምጥሓልን ምስቲ ኣብ እዋንና ዝረኣይ ዘሎ ናይ ብዙሓት ኣብ ማያት ባሕሪ ዘጋጥሞም ናይ ምጥሓል ሓደጋን ኣብ ስግኣት ዝርከቡን ዝመሳሰል ምዃኑ ሓቢሮም፥

እምበርኣከስ ሎሚ ንጐይታ ንዅሉ ዘጋጥም ፈተና ብናይ እምነት ሓይሊ ንኽብድሆ ሓግዘናን ንበሎ፡ ንናይ ብዙሓት ሓደጋ ምጥሓልን ነቶም ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ተጻዒሮም ኣብ ፈቕዶ ገማግም ባሕርታትና ንዝኣትዉ ዝሓልዩን ደገፈም ዘቕርቡን ንኽንከውን ደግፈና ንበሎ፡ ስለምንታይ ንኣኣቶም ካብቲ ምስ ኢየሱስ ካብ ምርኻብ ብዝነቕል ሕውነታዊ ፍቕሪ ምእንጋድ ክንክኣለና መታን፡ እዚ እዩ ካብቲ ዘይተገዳስነትን ኢሰብኣውነትን ቀዝሒ ዘናግፈና።

ናይ ምስፋፍ ሓደጋ

ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ናይ ሎሚ ዕለት 8 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ርእሰ ጉዳይ ጳውሎስ ካብ ቂሳርያ ናብ ሮማ ኣብ ዝገበሮ ናይ መርከብ ጉዕዞ ከምዝዀነ ሓቢረን፡ ግብረ ሓዋርያት ደጋጊምካ ምንባቡ ብሓቂ ወንጌል ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ናብ ኵሉ ሕዝቢ ዝበጽሕን ንዅሉ ሕዝቢ ዝዛረብን ኵላዊ ምዃኑን ንኸነስተውዕሉ ይገብረና ቢሎም፡

በዛ ለይቲ እዚኣ እቲ መልኣኽ ናይቲ ኣነ ዝናቱን ዘገልግሎን ኣምላኸይ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ ጳውሎስ፡ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኢኻ። እንሆ፡ ነቶም ምሳኻ ዚሳገሩ ኵላቶምውን ኣምላኽ ሂቡካ ኣሎ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ በለኒ (ግብረ ሓዋርያት 27፡ 23-24)፡ ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ጳውሎስ ናይቶም ምስኡ ዚሳገሩ ዝነበሩ መጋይሽቱ ሓላውን ተስፋኦም ዘነቓቕሕን ይኸውን፡

ካብ መከራ ናብ ትዕድልቲ

ብስራት ወንጌል ብዝስገር ፈተናታት ኣቢሉ እዩ ዝሓልፍ፡ “እቲ ጸፍዒ ብርቱዕ ናብ ምጥሓል ከብጽሕ ዝኽእል ዝነበረ ኩነት መከራ፡ ብሓልዮት እግዚኣብሔር ናብ ጽቡቕ ዕድል ይቕየር፡ እቲ ናብ ማልታ ምእታው ንምልዋጥ ምልኩት ይገብር፡ ሕዝቢ ማልታ ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ተባዕን መስተውዓልን ኣአንጋድን እዩ፡ ካብቲ እዋን ጀሚሩ፡ ንሳቶም እያቶም ነቶም ንሓደጋ ምጥሓል ተቓሊዖም ንዝነበሩ ንጳውሎስን ንመሳግርቱን ብጽቡቕ ውዕዉዕ መንፈስ ዝተቐበልዎም፡ ጳውሎስ ተኸታሊ ክርስቶስ ክማሙቑ መታን ሓዊ ኣንዲዱ ካብቲ ዝነበረ ቁሪ ከናግፎም ቢሉ ቐሽም እናኣከበ ናብቲ ሓዉ ኬእትው እንከሎ ብፍዑት ይንከስ፥

ነዚ ዝርእይ ዝነበረ ህዝቢ እዚ ሰብ’ዚ ፍርዲ ኣምላኽ ዘይፍለዮ ድሮ ካብ ሓደጋ ባሕሪ ድሒኑ ከብቅዕ ሕጂ ኸኣ በፍዑት እንክብል ዘረባኡ ከይወድአ፡ ወደቐ ወደቕ ክብሉ እንከለዉ ንሱ ግና እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ ደገፍን ጽንዓትን ኰኖ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ 16 ፍቕዲ 18 ‘ኣትማን ኪሕዙ እዮም፡ ዚቐትል እንተ ሰተዩ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪጐድኦምን እዩ፡ ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ኬንብሩ ንሳቶምውን ኪሐውዩ እዮም’ ዝብል ጽሑፍ ይፍጸም። ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ከምኡ ዓይነት ዝኣመሰለ ኣፍዑት ከምዘየለ ኣብ ታሪኽ ማልታ ይንገር፡ እዚ ኸኣ ማልታ ነዘርኣየቶ ናይ ምእንጋድ ግብረ ሰናይ እግዚኣብሔር ዘንበረላ ቡራኬ እዩ፡ እግዚኣብሔር ይባርኻ።

ንቃል ምህያው

ኣብቲ እዋን ጳውሎስ ኣብ ማልታ ኣብ ዝገበሮ ዕረፍቲ ነቲ ዘበስሮ ዝነበረ ቃል የሀውዮን ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህሙማን ናይ ፍውሲ ኣገልግሎት ንኽፍጽም ብሉጽ ኣጋጣሚ ከምዝዀነሉ እውን ቅዱስነቶም ክሕብሩ እነከለዉ፥

እዚ እቲ ሓደ ናይ ወንጌል ትእዛዝ እዩ፡ ንሱ ከኣ ሓደ ናይ ምድሓን ተምክሮ ምስ ዝገብር፡ ነቲ ምድሓን ኣብ ገዛእ ርእሱ ከየትረፈ ናብ ኵሉ የብጽሕ ዝብል እዩ፡”ሰናይ ብባህርይኡ ናብ ተኻፋልነት ዘድሃበ እዩ፡ ተኽፋሊ እዩ፡ ዝዀነ ይኹን ናይ ሓቅን ጽባቔን ተመክሮ ብገዛእ ርእሱ ክሰፍሕ እዩ ዝደልይ፡ ዝዀነ ይዅን ሰብ ጥልቂ ናጽነት ዝነብር፡ ኣብ ቅድሚ ናይ ካልኦት ንድየትን ኣድላይነትን ቅድው ይኸውን” (ናይ ወንጌል ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ፍቕዲ 9)፡ ሓደ ብዙሕ ዝፍተን ክርስቲያን ብርግጽ ነቶም ዝሳቐዩ ኣዚዩ ቀረባ ይኸውንን ልቡ ርህውን ንኻልኦት ንምድጋፍን ቅድው ይኸውንን።

ኣብቲ ናይ ምውዳቕ ፈተና ኣብ ዝመስል ጸገም ማእከል እውን ይኹን እግዚኣብሔር ዝዓዪ ኣምልኽ እዩ፡ ንዝዀነ ይኹን ኩነት ዝቕይር፡ ዝሰርሕ ኣምላኽ እዩ። ነቲ ስለ ፍቕሪ ቢሉ ንኣኡ ገዛእ ርእሱ ዘወፈየ ብርግጽ ፈራይ ይገብሮ።

ጸጋ ጥምቀት ዝተቐብልናላ መዓልቲ ምዝካር

… ምእመናን እታ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐብሉላ መዕልቲ ከይርሱ ሓደራ እንክብሉ፥

ነፍሲ ወከፍና እታ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐብልናላ መዓልቲ ክንዝክራ ምደለኹ፡ መዓልቲ ልደትና ከምእንዝክር ርግጸይና እየ፡ ዝተወለድናላ ዕለት ስለ ዝዀነ፡ እታ ጸጋ ጥምቀት ዝተቕበሉላ ዕለት ዝፈልጡ ካባን ክንደይ ይዀኑ፡ ከምቲ ዝተወለድናሉ ዕለት በቢ ዓመቱ እነብዕሎን እንዝክሮን ስለ ዘይኰነ እዩ እንርስዖ፡ እምብኣርከስ ነናብ ብኣባይትኹም ምስ ተመለስኩም ንወለድታትኩም እታ ዝተጠመቕኩምላ ዕለት ሕተቱ እዚ ከም ዕዮ ገዛ እህበኩም፡ ዕለት ጥምቀተይ መዓዝ እዩ ነይሩ ቢልኩም ሕተትዎም፡ … ዝተጠመቕኩማላ ዕለት ነቲ ናይ ጥምቀት ጸጋ ዝዓደለና እግዚኣብሔር መታን ንኸነመስግኖ፡ ወትሩ ኣብ ልብኹም ስቖሩዋ፡ ሕራይ ዶ ሓደራ ነዚ ክተግብሩ!

እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ሓደጋ ንዝርከብ ካብቲ ዝወደቐሉ ኢሰብኣውነት ኩነት ምድሓን

Photogallery

ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ. ዕለት 8 ጥሪ 2020 ዓ.ም.
08 January 2020, 17:34