ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ቅድስቲ መንበር ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሰምዮም ር.ሊ.ጳ. ንናይ ቅድስቲ መንበር ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሰምዮም 

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ቅድስቲ መንበር ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሰምዮም

ካብ ሎሚ ዕለት 15 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኰይነን ነቲ በዚ ቤት ጽሕፈት ዝመሓደር ሓልዮ መድብለ ጐናውነት ብስልጣን ምኽትል ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ክመርሓ እየን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ንናይ ወጻኢ ጉዳያት ኣብ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ናይ መድብለ ጐናውነት ጉዳይ ሓላፊት ኰይነን ንኽመርሓ ን27 ዓመት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ዘገልግላ ንዘለዋ ፍራንቸስካ ዲ ጆቫኒ ንናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ምኽትል ስልጣን ከምዝሰመይወን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ። ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ምኽትል ዋና ጸሓፊት ኰይነን ዝተሰምያ ቀዳመይቲ ጓለነስተይቲ ከምዝዀና እውን ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት 27 ዓመት ዘገልግላ ዘለዋ ኣብ 1953 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፓለርሞ ዝተወልዳ ናይ ሕጊ ሊቅ ዶክተር ፍራንቸስካ ዲ ጆቫኒ ሎሚ ዕለት 15 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ብምኽትል ዋና ጸሓፍነት ስልጣን  ናይቲ መድብለ ጐድናውነት ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊት ንኽዀና ከምዝሰመይወን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝምራሕ ናይ መድብለ ጐናውነት ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘመሓድሮ ኣብ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ዘገልግላ ከምዝነበራን ካብ ሎሚ ዕለት 15 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኰይነን ነቲ በዚ ቤት ጽሕፈት ዝመሓደር ሓልዮ መድብለ ጐናውነት ብስልጣን ምኽትል ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ክመርሓ ከምዝዀና ሓቢሩ፡ ናይ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክባት ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ዝመርሑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ምኽትል ብፁዕ ኣቡነ ሚሮስላው ዋቾውስኪ ሓዊስካ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ክልተ ምኽትል ዋና ጸሓፍት ክህልዎ ከምዝዀነ ኣፍሊጡ።

ምኽትል ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ዶክተር ፍራንቸስካ ዲ ጆቫኒ ድሕሪ ዝተቐበለኦ ሓድሽ ሓላፍነት ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜናን ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ምስ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት፡ ብሓቂ እዚ ስሜት’ዚ ዘይተጸበየኦ ከምዝነበረ ሓቢረን፡ ኣብዚ ሓድሽ ሓላፍነትዚ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ዘሕደሩለን እምንቶ ብቕዕቲ ኰይነን ክርካባ ብዘለወን ፍልጠትን ዓቕምን ከገልግላ ስንድውቲ ምዃነን ይገልጻ።

መድብለ ጐናውነት ዝምልከቱ እዚ ኸኣ ክሌኣዊ ስምምዓት ተፈጻምነቶም ዝከታተልን፡ ኣብ ጉዳይ ናይ ሓባር ረብሓን ዓለም ሓቆፍ ጉዳያትን ኣብ ጉዳይ ምዕባለን ምህዳርን ኣብ እዋን ውግእን ዓመጽን ንጹሓን ምክልኻል ዝብልን ጉዳይ ደቀንስትዮን ካልኦት ጉዳያትን መሰረተ ዝገበሩ ስምምዓት ብቐረባ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ምዃኑ ሓቢረን፡ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ዝብል ናይ ስልጣን ሓላፍነት ንሓቲ ጓለንስተይቲ ክወሃብ እቲ ናተን ንፈለማ ግዜ ምዃኑ ገሊጸን፡ ይዅን ደኣ እምበር እቲ ሓላፍነት ጾታ ዘየኵነ ብቕዓትን ክህሎትን ተመክሮን እዩ ዝሓትት፡ ስለዚህ ነዚ ቅዱስ ኣቦና ዝሃቡኒ ሓላፍነት ዝበረኽኩ ኰይነ ክርከብ ተስፋ እገብር ምስ በላ፡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 9 ጥሪ 2020 ዓ.ም.  ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ቁሩብ መዓልታት ድሕሪ በዓለ ኣስተርእዮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግታት ተቐቢሎም ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ምንዮት መልእኽቲ ንምልውዋጥ ኣብ ቅድስቲ መንበር ብዝጸንሔ ባህሊ መሰረት፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም፡ ኣብ ዝለገስዎ ቃል፡ ለምዘበን ዝክረ መበል 75 ዓመት ምስረታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ክበዓል ምዃኑን፡  ኣብ ዝሓለፉ 75 ዓመታት ብዙሕ እወታዊ ውጽኢት ከምዘዕተረ እውን ዘኪሮም እቲ እወታዊ ውጽኢት፡ ኣብ ዓለም መድበለ ጐናውነት ኪደት ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመልኽት እዩ ከምዝበሉ እውን ዘኪረን፡ እቲ ዝተውሃበን ሓላፍነት ዘለዎ ቀንዲ ተልእዀ ኣብዚ ናይ ቅዱስነቶም ቃል ተመልኪቱ ንረኽቦ እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።   

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ቅድስቲ መንበር ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሰምዮም
15 January 2020, 17:31