ድለ

ብመቅተልቲ ጀነራል ሱለይማን ኣብ ኢራን ካብ ዝተገብሩ ናይ ተቃውሞ ሰልፍታት! ብመቅተልቲ ጀነራል ሱለይማን ኣብ ኢራን ካብ ዝተገብሩ ናይ ተቃውሞ ሰልፍታት! 

ቅልውላው ሕቡራት መንግሥታት አመሪካን ኢራንን፡ ር.ሊ.ጳ ይከታተልዎ ኣለው ዘሻቅል ጉዳይ እዩ! ኑንስዮ

ናይ ቅድስት መንበር እደራሴ ር.ሊ.ጳ ማለት ኣብ ተህራን ዝርከብ ኑንስዮ ኣፖልቶሊካኦ ብፁዕ ኣቡነ ለዮ ቦካርዲ ኩነታት ወጥርን ተቋውሞን መቅተልቲ ጀነራል ሱለማን ብደብዳብ ኣመሪካ ኣመልኪቶም እቲ ዝበለጸ መጋበሪ ዘተን ፍትሕን ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ኢራንን ንነዊሕ ግዜ ብቃላት ካብ ወጥሪ ናብ ወጥሪ ዝሰጋገር ዝነበረ ሎሚ ንግሆ ኣመሪካ ንጀነራል ኢራን ብመኪና ኪጐዓዝ እንከሎ ኣብ ኢራቅ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብዝተፈነወ ሚሳይል ምውቃዓን ምቅታልን ኣብ ዝለዓለ ቅልውላው ኣብጺሕዎ። ነዚ ኩነታት እዚ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብቀረባ ይከታተልዎ ከምዘለውን ስለሰላም እቲ ከባቢ ከምዝጽልዩን ናይ ሃገረ ኢራን እንደራሴ ር.ሊ.ጳ ኑንስዮ ኣፖስቶሊኮ ለዮ ቦካርዲ ንጋዜጠኛ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ገሊጾም።

ድሕሪ መቅተልቲ ጀነራል ሱለማን ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቅ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢራን ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ንቅዱስነቶም ምሉእ ሓበሬታ ከምዝተዋህቦም እንክመልክቱ፡ እዚ ኩሉ ግን ልዑል ሻቅሎት ከምፈጥርን ኣብቲ ከባቢ ሰላም ክተንግሥን ኣብ ሰላም ክትኣምንን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ትርዳእ ኢሎም። ብመሠረቱ ጽቡቅ ምሕደራ ፖሎቲካ ኪበሃል እንከሎ ንኣገግሎት ሰላም ንመላእ ማሕበረሰብ ዓለም ንውሱን ዞባ ጥራይ ክኸውን ከምዘይብሉ ርዱእ እዩ። ኣብዚ ሰዓታት እዚ ግን ኣብ ኢራን ብርቱዕ ወጥሪ እዩ ዝረአ ዘሎ። ብዙሕ መግለጺታት ኣሎ ኣብ ገገሊኡ ዓመጽን ሥቃይን ተቃውሞን ይረአ ኣሎ እንክብሉ ንህልው ኩነታት ብተለፎን ገሊጾም።

ጋዜጠኛ ኣገልግሎት ቫቲካን እሞኸደኣ ኣብዚ ግዜዚ እንታይ ኮን ኪግበር ይከኣል ኢሉ ምስ ሓተቶም ብፅዕነቶም እንኪምልሱ ‘እቲ ጻውዒት ኩሎም ነቲ ወጥሪ ከህድኡ ንኩሎም ናብ ዘተ ምጽዋዕን ከምቲ ታሪኽ ወትሩ ዝምህረና ውግእን ኣጽዋርን ሎሚ ዓለምና ንዘናውጹ ጸገማት ፍታሕ ክኾኑ ከምዘይክእሉ ስለዚ ኣብ ዘተ ኪኣምኑ ምጽዋዕ እዩ። ኣብ ዘተ ምእማን የድሊ። ንግጭትን ውግእን ገዲፍካ ኣጽዋር ፍትሕን ሠናይ ድላይን ተጠቂምካ ናብ ሰላም ምኻድ እዩ እቲ እንኮ ፍታሕ’ ኢሎም።

ነዘን መጋበሪታት እዚአን ማለት ፍትሕን ሠናይ ድልየትን ኣብ ፍረ ንክተብጽሕ እንታይ ምግባር የድሊ! ብማለት ንዝቀረብቶም ናይ መወዳእታ ሕቶ ክምልሱ ብፅዕነቶም ‘ንጉዳይ ማእከላይ ምብራቅ ኣብ ዕውዲ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ከምዝፍለጥን ዚኣክል ኣቃልቦ ንኵአሃቦን ምሥራሕ የድሊ። እቲ ብላቲን ፓክታ ሱንት ሰርቫንዳ ማለት ውዑላት ቀጥ ኢልካ ምሕላዎም የድሊ ዝብል ኣገዳሲ ሕጊ ዲፕሎማሲ ኪኽበር ኣለዎ። ሕጋታት መሰል ከኣ ብኩሎም ወገና ኪሕለው ኣለዎም’ እንክብሉ ተኣፋፍነት ናይቲ ኩነታትን ፍታሕ ይኸውን ዝበልዎ ርእይቶን ሂቦም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

03 January 2020, 19:19