ድለ

ወንጌል ዮሓንስ ዘማእከለ ኣስተንትኖ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወንጌል ዮሓንስ ዘማእከለ ኣስተንትኖ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 

ወንጌል ዮሓንስ ዘማእከለ ኣስተንትኖ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ናይቲ መጽሓፍ ሕትመት መሪሖም ንንባብ ዘብቅዑ ቨንቱሪ ይብሉ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ደቀ መዝሙር ገዛእ ርእሶም ኣንቢሮም ንበይኖም ዘይኰኑ ምስ ዮሓንስ ኰይኖም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ኣማእኪሎም ዝለገስዎ ስብከታት ተጠርኒፉ ቅዱስ ጳውሎስ ቤት ምሕተምን ቫቲካን ቤት ማሕተምን ብምትሕብባር፥ ወንጌል ናይቲ ርእዩ ዝኣመነን ደቀ መዝሙር ብዝብል ኣርእስቲ ንንባብ ከምዝበቕዔ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ መጽሓፍ “ዮሓንስ፡ ወንጌል ናይቲ ርእዩ ዝኣመነ ደቀ መዝሙር”  ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኰይኑ ብጃንፍራንኰ ቨንቱሪ ኣሰናዳእነትን ኣወሃሃድነትን ተመሪሑ ዝተሓትመ ክኸውን እንከሎ፡ ቨንቱሪ ኣብ መእተዊ እቲ መጽሓፍ፥ ናይቲ መጽሓፍ ዕላማ በቲ ርእዩ ዝኣመነን ክሳብ ትኩርን እሙንን መስካሪ ንምዃን ዝበቕዔ ደቀ መዝሙር ተመሪሒና ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ኣማእኪልና ንእንገብሮ ኣስተንትኖን ቃለ ወንጌል ንምስፋሕ ከከም ጸዋዕታና ንእነካይዶ ተልእዀ ወንጌል ድጋፍን ንናይ ውልቃውን ማሕበራውን መፈሳውነት ድጋፍን እዩ ቢሎም፡ እቲ መጽሓፍ ስሩዕ ናይ ስነ ትንተና ሜላ ዝተኸተለ ወይ ከኣ ሜላ መልኮታዊ ንብባብ ዝተኸተለ ዘይኰነ፡ ናይ ቅዱስነቶም ኣስተንትኖ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ እዩ ይብሉ።

ካብ ጽሞና ዝተወልደ ናይ ኣስተንትኖ-መጽሓፍ

ቅዱስነቶም ኣልጀሪያዊ ሰዓቢ ሃይማኖት ኣይሁድ ፈላስፋን ደራስን ኣንድረ ቹራኵይ፡ ወንጌል ዮሓንስ ካብ ጽሞና ዝተወልደ እንክብል ዝሃቦ ትንታነን፡ ቃል ኣምላኽ፥ ቃል ተግባርን ድምጽን ዘጣመረ፥ ህያው ቃል፡ ልክዕ ከምቲ እቲ ቃል ካብ ጽሞና ዝውለድ፡ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ዝተማእከለ ኣስተንትኖ፡ ካብ ጽሞናን ጥልቂ ኣስተንትኖን ዝተወልደ እዩ፡ ንር.ሊ.ጳ. ኣስተንትኖ ከም ወዲ ቅዱስ ኢግናጽዮን ከም ተመሃራይን ተመሃራይ ዘርኣ ክህነትን ካህንን ናይ ሕንጸቶም ክፍሊ እዩ፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ጽሞና ምእንጋድ፡ ኣብ ውሽጥኻ ንኽቃላሕ ምፍቃድ፡ ነቲ ንስኻ ትብሎ ዘይኰነ እቲ ቃል ኣብ እትነብሮ ጽሞና ዝብለካ ጽን ምባል፡ ... ነዚ ቃል’ዚ ብእዋናዊ ኵነታት ዓለምን ሰብኣዊ ፍጥረትን ታሪኽን ኣመንጺርካ ምስትንታን።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ደቀ መዝሙር

ናይቲ መጽሓፍ ሕትመት መሪሖም ንንባብ ዘብቅዑ ቨንቱሪ ይብሉ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ደቀ መዝሙር ገዛእ ርእሶም ኣንቢሮም ንበይኖም ዘይኰኑ ምስ ዮሓንስ ኰይኖም፡ ነቲ ኢየሱስ ዝብሎን ዝገብሮን ዝነበረ ኵሉ ብተራኦም እውን እቶም ሰዓብቱ ዝዀኑ ኣብኡን ብኣኡን ዝፍጽምዎ ዝነበሩን ንኢየሱስ ዝስዕብ ዝነበረ ሕዝብን ህሙማንን ዝጸልእዎ ዝነበሩ እውን ከይተረፉን፡ እቶም ህሙማን ዝብልዎን ዝሓትዎን ዝህብዎ ዝነበረ ቃለ ምስክርነትን ይትንትኑ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ደቀ መዝሙር ምስ ደቀ መዝሙርን ምስቲ ኣብ ዙሪያ ኢየሱስ ዝነበረን ኩሉ ኲይንካ ናይ ኢየሱስ ምዃኑ የብርሁ።

ኣብ ዝሓለፈን ነበረን ታሪኽ ገዛእ ርእስኻ ምእታው ኣይኰነን

እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስተንትኖ ወንጌል ዮሓንስ ዘማእከለ እውን እንተዀነ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ብነበረ ዘይኰነስ ኣብ እዋንና እነንብቦን እንሰምዖን ንዅሉ ንእዋናዊ ዓለም ዝዛረብ እዩ፡ እቲ ደቀ መዝሙር ዝሃቦ ምስክርነት ንእዋንና ዝኸውን ቃል ንምቕራብ፡ ትማልን ሎምን ጽባሕን ቃል ኣምላኽ ህያውነቱን የብርሁ።

ወንጌል ዮሓንስ ዘማእከለ ኣስተንትኖ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
22 January 2020, 16:41