ድለ

ናይ ነፍሲ ጥዕና ምዕቃብን ሓድነት ምዅስኳስን ናይ ነፍሲ ጥዕና ምዕቃብን ሓድነት ምዅስኳስን  መዘኻኸሪ

ናይ ነፍሲ ጥዕና ምዕቃብን ሓድነት ምዅስኳስን

እንታይ እዩ እዚ መሰረታዊ እንተኢልና ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ እዩ። ንሕና ብዙሕ ግዜ ነዚ ጉዳይ ረሲዕና ነቲ ምንጪ ህላዌናን መሰረትናን ዝኾነ ምስ እግዚአብሔር ክህልወና ንዘለዎ ርክብ ንዝንግዕ ንኽንረኽቦ ንምኻድ እውን ንፈርህ። ኰይኑ ግን ሰውነትና ቊሩብ ክቅንጥወና እንከሎ ፈውሲ ደሊና ዘይንፍንቅሎ እምኒ የለን ኣየናይ ሓኪም ኣየናይ ፈውሲ ይጠቅም ኢልና ላዕልን ታሕትን ንብል። ኰይኑ ግን ብዛዕባ መንፈሳዊ ጥዕናና ኩነታት ጽርየት ልብና ንሓስበሉዶ!

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርክበ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ዝለገስዎ ስብከትን፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ፊንላንድ ናይ ውህደት ሉተራናዊት ቤተ ክርስትያን ልኡካን ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳንን ማእከል ዝገበረ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘውጸኦ መዘክር ፍጻሜታት ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ነፍሲ ጥዕና ምዕቃብን ምክንኻንን ሓድነት ምዅስኳስን ኣብ ዝብሉ ክልተ ቃላት ክነጠቓልሎ ንኽእል፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶ ንናይ ፊንላንድ ናይ ውህደት ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ተቀቢሎም ዘስምዕዎ ቃል፡ ዕለት 12 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ዝተበዓለ በዓለ ጥምቀት ዘእግዚኣነ ዘኪሮም፡ ጸጋ ጥምቀት ናይ ዝተጠመቑ ማሕበረሰብ ኣባላት ንኽንከውን የብቅዓና፡ ምስጢረ ጥምቀት ምሕረት ሓጢኣትን ጻውዒት ንዝተቐደ ሕይወትን እዩ፥

ፍቱዋት የዕሩኽ ፊንላንዳውያን፡ ከም ናይ ሰብኣውነትን ናይቲ ኣኽሊል ናይ ዝደፈአ ናይ እግዚኣብሔር ሓልዮትን ለውሃትን ልኡካን ኣብቲ ናይ ዝተጠመቑ ማሕበረሰብ ናይ ሓባር ጉዕዞ ንርከብ፡ እዚ የራኽበናን ብጻይናን ጐረቤትናን ጸላኢና ዘይኰነስ ልብና እነርህወሉ ፍቁር ሓው እዩ ዝብል ሞሳ የራኽበናን ልብና ንኸነዕብይ  የብቅዓና፡ ዝተጠመቑ ማሕበረሰብ ማለት እቲ ሓደ ኣብ ጐድኒ እቲ ሓደ ወይ ከኣ ንሓድ ሕድካ ከም ጸላኢ ንኽትጠማመት ዘይኵነ፡ ብጥልቂ ብሓባር ምዃን ዝኽወነሉ ማለት እዩ፡

ከምዝበሉ ክዝከር እንከሎ፡ ንካቶሊካውያን ሓድነት ክርስቲያን ኣብ ዙሪያ ናይ ሮማ ጳጳስ ማለት ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኸኣ እቲ ዝፈላልይ ብግብረ ምልላይ እናጽበብካ ነቲ ዘሕብር ዓቢይ ስፍራ ምሃብ ዝብል እዩ፡ ናይ ሮማ ጳጳስ ትእምርቲ ውህደት ቤተ ክርስቲያንን ክርስቲያን እዮም።

ኣብቲ ንናይ ፊንላንድ ናይ ውህደት ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ተቐቢሎም ዘስምዕዎ መደረ፥ እንገዳ ሓባራዊ ናይ እምነትና ምስክርነት እዩ ቢሎም ኣተሓሒዞም ዕለት 18 ጥሪ ምእንቲ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ናይ ጸሎት ሰሙን ዝጅመረሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም፡ ናይ ጸሎት ሰሙን ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓባር ንሓድነት ኣሚተን ዝግበርኦ ጸሎት፡ ናይ ሓባር ጉዕዞ ዘለዎ ክብሪ ዘዘኻኽረና እዩ፡ ንሓድ ሕድና ብዓቢይ ሰብኣውነት እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ዝቕበለሉን ዘአንግደሉን፡ ብዓቢይ ሰብኣውነት፡ ከምቲ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 28 ፍቕዲ 2፥ እቶም ተቐመጥቲ ማልታ ብዓቢይ ሰብኣውነት ተቀበሉና እንክብል ጳውሎስ ንኣኡን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ካብ ምጥሓል ሓደጋ ዝተረፉን ንኸእንግዱ ዘርኣይዎ ሰብኣውነት ጠቒሶም፡ ጸጋ ጥምቀት ከም ዘተቐበሉ ክርስቲያን፡ ክርስቶስ ኣብቶም ብቐጥታ ኣብ ምጥሓል ሓደጋን ኣብ ካልእ ዓይነት ጸፍዒ ሓደጋ ሕይወት ኣብ ዝርከቡ ንኽንራኸቦም ይደልይ፡ እንገዳ ዝልግስ ድኻ ዘይኵነ ሃብታም እዩ ዝኸውን፡ ዝልግስ ይቕበል፡ ንኻልኦት ሰብኣውነት ምስ እነስተርይእ፡ ኣብቲ ናይቲ ዝተሰግወ እግዚኣብሔር ለጋስነት ዝዋስኡ ንኸውን፡ ይብሉ።

ዕለት 17 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ቅዱነቶም ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 2 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 12 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ንሓደ መጻጉዕ መእተዊ ምስ ሰኣኑ ናሕሲ ኣፍሪሶም ኣብቲ ኢየሱስ ዝነበሮ ቤት ምውሳዶምን ኢየሱስ ነቲ ልሙስ ሰብ ወደየ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ ምስ በሎ፡ እዚ ኢየሱስ ዝበሎን ዝፈጸሞን ተግባር ዘልዓሎ ክትዕን ኣብ መወዳእታ ኢየሱስ ስልጣኑ ንከርኢ ተንስእ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ ከምዝበሎ ዝገልጽ ኰይኑ ቅዱስነቶም ነዚ እንከብርሁ፥

ሽሕ’ኳ ኣብቲ ኩነታት ብዙሕ ጸገም እንተ ተፈጠረ ኢየሱስ ኣብዚ ፍጻሜ ዝምህረና ዓቢ ነገር ኣሎ፡ ንሱ ከኣ ናብቲ መሰረታዊ ዝኾነ ነገር ንኸነብል እዩ፡ ምስ ኣግዚኣብሔር ርክብ ክህልወና፡ ነቲ ልሙስ ይጥምቶ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ከኣ ይብሎ። ካብ ስጋዊ ሕማም ምሕዋይ ሓደ ትዕድልቲ እዩ። ከመይ ጥዕና ስጋና ክንዕቅቦ ዘሎና ትዕድልቲ እግዚአብሔር እዩ። ጐይታ ግን ኣብዚ ፍጻሜ እዚ ጥዕና ልቢ ጥዕና ነፍሲ ክንሕልዎ ዘሎና ጉዳይ ምዃኑ ይምህረና።

እንታይ እዩ እዚ መሰረታዊ እንተኢልና ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ እዩ። ንሕና ብዙሕ ግዜ ነዚ ጉዳይ ረሲዕና ነቲ ምንጪ ህላዌናን መሰረትናን ዝኾነ ምስ እግዚአብሔር ክህልወና ንዘለዎ ርክብ ንዝንግዕ ንኽንረኽቦ ንምኻድ እውን ንፈርህ። ኰይኑ ግን ሰውነትና ቊሩብ ክቅንጥወና እንከሎ ፈውሲ ደሊና ዘይንፍንቅሎ እምኒ የለን ኣየናይ ሓኪም ኣየናይ ፈውሲ ይጠቅም ኢልና ላዕልን ታሕትን ንብል። ኰይኑ ግን ብዛዕባ መንፈሳዊ ጥዕናና ኩነታት ጽርየት ልብና ንሓስበሉዶ!

ኣብዚ ክትሕግዘና እትኽእል ሓንቲ ቃል ኢየሱስ ኣላ፣ ንሳ ኸኣ ‘ወደይ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ’ ትብል እያ። ነዚ ናይ ሓጢኣትና ምሕረት መድሃኒት ሓሲብናሉዶ ንፈልጥ! እስኪ ናብ ሕልናና ምስል ኢልና ንእግዚአብሔር ምሕረት ክሓተሉ ዘሎኒ ጉዳይ ኣብ ልበይ ኣሎዶ`። ነዛ ሕቶ እዚኣ መብዛሕትና እወ እወ ኩልና ሓጢኣተኛታት ኢና ምሕረት የድልየና ንብል። እዚ ሓፈሻዊት ርእይቶ እዚኣ ከኣ እቲ ጉዳይ ሓይሊ ከምዘጥፍእ ይገብሮ። እቲ ትንቢታዊ ቃል ኢየሱስ መሠረታዊ ጉዳይ ኰይኑ ሓይሊ ዝለበሰ እዩ። ሃየ እምበኣር ሎሚ እውን ግዜ ኣሎና ኢየሱስ ንነፍሲወከፍና ሓጢኣትካ ክሓደገልካ እደሊ ኣሎኹ’ ይብለና ኣሎ። እዚ ምሕረት እዚ ንጥዕና ልብና ንመፈሳዊ ሕይወትና ፈውሲ እዩ፡ ከምዝበሉ ይዝከር።

ናይ ነፍሲ ጥዕና ምዕቃብን ሓድነት ምዅስኳስን
18 January 2020, 17:19