ድለ

በዓለ ልደት ኣብ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን

በቶም ተክለ ሰብነት ሰብ ጥበብ መሰረት ነቲ ናይ ሰብ ጥበብ ባህሊ ዝገልጽ ትርኢት ንዘቕርቡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ጉጅለታት

ቅዱስነቶም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ሓዋርያዊ ቡራኬ ቅድሚ ምልጋሶም፥ ዕለት 7 ጥሪ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ነዘብዕላ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን እናሓሰቡ፥ ንምስራቓውያንእ ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናን ኣሕዋትን ኣሓትና፡ ርሑስ በዓለ ልደትን ናይ ክርስቶስ መድሕን ብርሃንን ሰላምን እምነይ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ በዓል ኣስተርእዮ (በዓለ ግልጸት ዘእግዚእነ) ኣብ ዝበዓለሉ ዕለት 6 ጥሪ ተተሓሒዙ ናይ ሕጻናትን ናይ ልኡካነ ወንጌል ሕጻናትን መዓልቲ እውን  ምዃኑ ቅዱስነቶም ዘኪሮም፡ ሕጻናት ብጸሎትን ብናይ ተኻፊልካ ዝብል ለጋስ ምንባርን ብዝብል ብናይ ፍቕሪ ተግባር ነቲ ኵላዊ ጸዋዕታ ዝዀነ ቅድስና ዝነብሩ እያቶም ምስ በሉ፥ በቶም ተክለ ሰብነት ሰብ ጥበብ መሰረት ነቲ ናይ ሰብ ጥበብ ባህሊ ዝገልጽ ትርኢት ንዘቕርቡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ጉጅለታት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

በዓለ ልደት ኣብ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን

Photogallery

ተክለ ሰብነት ሰብ ጥበብ
07 January 2020, 09:24