ድለ

ር.ሊ.ጳ.ን ወልባይን ቻልማርስን፡ ንናይ ደቡብ ሱዳን መራሕቲ ር.ሊ.ጳ.ን ወልባይን ቻልማርስን፡ ንናይ ደቡብ ሱዳን መራሕቲ 

ር.ሊ.ጳ.ን ወልባይን ቻልማርስን፡ ንናይ ደቡብ ሱዳን መራሕቲ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፡ ምስ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ሊቀ ጳጳሳት ወልባይ ብሓባር ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ሱዳን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንኸካይዱ ዘለዎም ምንዮት ገሊጾም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኣግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳዳማዊ ወልባይን ናይ ስኮትላንድ ፕረስቢተሪያን ቤተ ክርስቲያን ላዕላይ መንፈሳዊ መራሒ ክብሩነቶም ቻልመርስ ብምኽንያት በዓለ ልደትን ሓድሽ ዓመትን፡ ንናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ኪርን ናይ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ መራሒማቻርን፡ ኣብታ ሃገር ሰላም ውሑስ ንኽኸውን ኣብ ዘካይድዎ ጻዕሪ ቅርበቶምን ጸሎቶምን ኣረጋጊጾም፡ እቲ ዝካየድ ናይ ሰላም ጻዕሪ ነቲ ሰለስቲኦም መንፈሳውያን መራሕቲ ኣብታ ሃገር ብሓባር ንኻካይድዎ ዝተሓስበ ሓዋርያዊ መገሻ ዝከኣል ክገብሮ ዘለዎም ተስፋ ከምዘመላኸቱ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብምኽንያት በዓለ ልደት ዘእግዚኣነ ዕለት 25 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ሓድሽ ዓመት 2020 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ብፁዕ ኣቡነ ጁስቲን ወልባይን ናይ ስኮትላንድ ፕረስቢተሪያን ቤተ ክርስቲያን ኣወሃሃዲ ክብሩነቶም ጆን ቻልመርስ ናብ ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔርን ንናይታ ሃገር ናይ ፖለቲካ ላዕለዎት መራሕትን ናይ ሓባር መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፡ እቶም ሰለስተ ናይ ሃይማኖት መንፈሳዊ መራሕቲ፡ ናይታ ሃገር መራሕትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ንምርግጋጽ ሰላም ኣብ ዘካይድዎ ጻዕሪ ቅርበቶም ገሊጾም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ወልባይን ቻልመርስን ኣብቲ ናይ ሓባር መልእኽቶም፡ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ንመንፈሳዊ ሱባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ዝዓደምዎም ርእሰ ብሔር ስልቫ ኪርን ናይ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ውድብ መራሒ ራይክ ማቻርን፡ ርሑስ በዓለ ልደትን ዝተባርከ ሓድሽ ናይ ሰላም ዓመትን ምንዮቶም ከምዝገለጹ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ኣብ ደቡብ ሱዳን እነካይዶ ምብጻሕ ክኡል ክኸውን ኢየሱስ ንመገድታትኩም ከብርሃልኩም ንጽልይ

“ኣብ ናይ ዕርቅን ሕውነትን እተካይድዎ ጻዕሪ ክርስቶስ መድሕን መገድታኩም ንኸብርሃልኩም ጸሎትና እዩ፡ ኣብ መራሕቲ ደቡብ ሱዳንን ሕዝብን ቡራኬኡ ከብዝሓልኩም ንምሕጸን፡ ኣብታ ሃገር ንኸነካይዶ ሃረር እንብሎ ሓዋርያዊ መገሻ ክኡል ክኸውን ናይ ሰላም ጐይታ ኢየሱስ መገድታትኩም ኣእጋርኩምን ኣብ ሰናይን ሓቅን ክመርሖ ጸሎትና ነዕርግን።”

ናይ ሰላም ስምምዕ ንእነካይዶ ምብጻሕ መሰረት እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፡ ምስ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ሊቀ ጳጳሳት ወልባይ ብሓባር ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ሱዳን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንኸካይዱ ዘለዎም ምንዮት ገሊጾም፡ ክሳብ ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ሓገራዊ ሓድነት መንግስቲ እንተድኣ ቆይሙ እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክኡል ከምዝኸውን እውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም ገምዝነበሩን እቲ ፍቁር ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ብስእነት ሰላምን ተተሓሒዙ እውን ብዘጋጠመ ምዕልቅላቕ ማይ 490 ሺሕ ሕጻናት ንኸቢድ ሓደጋ ከምዘቃልዔን ጠቒሶም ስለ እታ ሃገር ከምዝጸለዩ ደ ካሮሊ ኣስዒቦም የዘኻኽሩ።

ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት መልእኽቲ

ቅድም ክብል ናይ ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ጨንፈር ደቡብ ሱዳን ብምኽንያት በዓለ ልደት ኣብ ክርስትያናዊ ተስፋ ዘማእከለ ናይ ርሑስ በዓለ ልደ ምንዮት መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ከምዝነበረን፡ እቲ ኣብታ ሃገር ንናይ ብዙሓት ዜጋታት ሞትን ማህሰይትን ስደትን ምኽንያት ኰይኑ ዘሎ ደም ኣፋሳሲ ግጭት ክውገድ ዕርቅን ምሕረትን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ፡ እቲ ናይ ሰላም ተስፋ ክረጋገጽ ኵሉ ደላይ ሰላም ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ር.ሊ.ጳ.ን ወልባይን ቻልማርስን፡ ንናይ ደቡብ ሱዳን መራሕቲምእንቲ ሕዝብን ሃገርን ምሕሳብ ዝብል ድላይ ኣብ ኵለ መዳይ ቀዳምነት ክወሃቦ ሓደራ ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ የዘኻኽሩ።

ር.ሊ.ጳ.ን ወልባይን ቻልማርስን ንናይ ደቡብ ሱዳን መራሕቲ፡
26 December 2019, 16:33