ድለ

ኢየሱስ ሕጻን፡ ናይቶም ግዳይ ውግእ ዝኾኑ ሕጻናት ብርሃን ይኹን! ር.ሊ.ጳ

ዓመት መጸ ኣብ በዓለ ልደትን ፋሲካን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብኡርቢ ኤት ኦርቢ ንከተማን ንመላእ ዓለምን ዝብል መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ሓዋርያዊ ቡራኬ ንዝልግሥዎ ሥርዓት ንምፍጻም ሎሚ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ‘ብርሃን ኢየሱስ ሕጻን ካብ ድቅድቅ ጸልማት ልብታት ደቂሰባትን ግጭታትን ይዓቢ’ እንክብሉ እዚ ብርሃን እዚ ንኩሎም ክትንክፍ ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

እታ ኡርቢ አት ኦርቢ እትብል ንከተማን ንዓለምን ኣብቲ ግዝኣት ሮማውያን ኣብ ጥርዙ በጺሑሉ ዝነበረ ሮማ ከኣ ዋና ከተማ ዓለም ዓለም ኰይኑ ዝሕሰበሉ ዝነበረ ግዜ ነታ ቀንዲ ከተማና ሮማን ንካልእ መላእ ዓለምን ዝብል መልእኽቲ ምቅራብ ኰይኑ እቲ ሠላምታን ምህጽንታን ንመላእ ዓለም ዝምልከት እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ቅዱስነቶም ብቀዳምነት ዝዘከርወን እታ ብውግእ ዝሕመሳ ዘለዋ ሶርያ ቅድስት መሬት ኡክራይና ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ሊባኖስ ቨነዝወላን ሰላምን ቅሳነትን ተመንዮም እቶም ስለእምነቶም ዝስደዱን ብተስፋ ናብ ዝበለጸ ሕይወትን ናብራን ዝስደዱ ዘለውን ክንሓስበሎም ዝጽውዕ ሰፊሕ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ እቲ ብትንቢት ኢሳያስ ዝተነግረ ዓቢ ብርሃን ኢየሱስ ምዃኑ ዝገልጽን እግዚአብሔር ኣቦ ጸልማት ዓለምና ከም ንእሽቶ ቊልዒ ኰይኑ ኣብ በዓቲ ልደት ኢየሱስ ሕጻን እቲ ሥጋ ዝለበሰ ዘለዓለማዊ ቃል እግዚኣአብሔር ኣብ ምዃኑ ዝገልጽ እዩ። እዚ ቃል እዚ ወትሩ ነቶም ኣብ ባርነት ዝተፈላለየ መግዛእትን ማእሰርትን ዝርከቡ ክጽውዕን ጸልማት ከብርህን ይነብር። ዕብየቱን ክእለቱን ዘለዓለማውን ዝለዓለን ብምዃኑ ከኣ ኣብ ዓለምና ኣብ ኩሉ ዘመናት ካብ ዝርኣዩ ጸልማታትን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ካብ ድቅድቅ ጸልማት ልብታት ደቂሰባትን ግጭታትን ይዓብን ይሕይልን። ኣብ ኩሉ ዕለታዊ መነባብሮና ጸላኤ ሠናይት ካብቲ ዝደቀቀ ነገራት ክሳብ ዝለዓለ ዓለምለኻዊ ኩነታት ኢዱ እናሰደደ ከጸልምት ስለዝቃለስ ኣብ ኩሉ ተግባራትና ርክባትና ቊጠባዊ ይኹን ካልእ ዝምድናታት ክሳብታ እንነብረላ ዓለምን ኩነታት ንጋጮ። ነዚ ኩሉ ከሸንፍ ዝኽእል ከኣ ብርሃን ኢየሱስ ጥራይ እዩ። እቲ ዘሎ ኩሉ ግጭታት ካብ ቊጠባዊ ክሳብ ሕድሕዳዊ ኩናት ክውገድ እንተዀኑ እዚ ብርሃን እዚ ክበርህ ኣለዎ ኢሎም።

ሰላም ኣብ ሶርያን ቅድስት መሬትን ኡክራይናን ኮንጎን!

ከምቲ ክልተ ሓያላን ክበኣሱ ወይውን ሓራምዝ ክበኣሱ ዝህሰ እቲ ሳዕሪ እዩ ከምዝበሃል ግጭት ኣብ ዘለወን ሃገራት ከም በዓል ሶርያ ቅድስት መሬት ኡክራይናን ኮንጎን ካልእን እቶም ሓያላን እንክዋግኡ ግዳይ ዝኾኑን ኣደራዕ ናይቲ ሳዕቤን ዝስከሙን እቶም ምንም ዓቅሚ ዘይብሎም ሕጻናትን ሰላማውያን ሰባትን ምዃኖም ብምዝካር ቅዱስነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቅስ ይኹን ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም እዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናየን ሃገራትን ኣብ ዘይውዳእ ቅልውላው ዝርከባ በዓል ሊባኖስን ቨነዝወላን ከምኡ እውን ስለ እምነቶምን ናብራ መሪርዎም ሕይወቶም ከድሕኑን ንዝሓሸ ናብራ ተስፋ ብምግባር ንስደዱን ኩሎም ክርስቶስ ብርሃን ክኾኖም ተማህሊሎም። እዚ ብርሃን እዚ ንኩሎም ባሮት ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ሓርነት ክወጹ ይጽውዕ እውን ኢሎም።

 ባሮት ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ሓርነት ክወጹ ዝጽውዕ ቃል!

ቅዱስነቶም ነቲ «ኣብ ጸልማት ዝነበር ዝነበረ ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን በረቀሎም» (ኢሳ 9,1) ዝብል ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ብጥምጥቃስ እዚ ንኢየሱስ ከምዘመልክት ኢየሱስ ማለት ከኣ እግዚአብሔር የድሕን ትርጉም ዝሓዘ እዩ ኢሎም። እዚ መድሓኒ እዚ ከምቲ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ካብ ማሕጸን ድንግል ማርያም ዝተወልደ ሎሚ ለይቲ እውን ካብ ማሕጸን ቤተክርስትያን እንደገና ብሓዲስ ይውለድ ኣሎ። እግዚኣአብሔር ኣቦ ናብ ዓለም ይልእኮ ኣሎ እዚ ብኣኡ ዚኣምን ዘበለ ኩሉ ምእንቲ ክድሕን እምበር ንኩነኔ ዓለም ኣይኮነን። ስለዝኾነ ከኣ ቃል ሥጋ ኮነ ወኀደረ ላዕሌነ! ቃል ሥጋ ኮነ ኣባናውን ሓደረ! እዚ ቃል እዚ እቲ ንዕብራውያን ካብ ባርነት ናብ ሓርነት ዝጸውዔ ንናይ ኩሉ ዘመን ዘመደ ኣዳም እውን ካብ ባርነት ቤት ማእሰርቲ ንሓርነት ስለዝጽውዕ ሎሚ እውን ከይተረፈ ንኩሎም ባሮት ካብ ቤት ማእሰርቲ ሓራ ንክኾኑ ይጽውዕ ኣሎ። እዚ ቃል እዚ ካብ ማንም ብርሃን ንላዕሊ ዘብርህ ካብ ብርሃን ጸሓይ ንላዕሊ ዘንጸባርቅ ንእሽቶ ሕጻን ኰይኑ ሥጋ ዝለበሰ ከማ ሰብ ዝኾነ ብርሃን ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ኢሎም።

ንጉዳይ ሶርያ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ፍታሕ ይርከበሉ!

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ሎሚ ዓለምና ዘለው ጸልማታት ምልስ ይብሉ እሞ ‘ኣብ ልብታት ደቂሰባት ጸልማት ኣሎ ኰይኑ ግን ናይ ክርስቶስ ብርሃን ይዓቢ’ ከምቲ ‘ኣብ ግላዊ ርክባትስ ይኹን ናይ ቤተሰብ ከምኡ እውን ማሕበራዊ ርክባትና ጸልማት ኣሎ እንተኾነ ብርሃን ክርስቶስ ይዓቢ። ኣብ ቊጠባዊ ግጭታትስ ይኹን ጀኦፖሎቲካን ኣካባብያን ርክባት ጸልማት ኣሎ ኰይኑ ግን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃን ይዓቢ’ ድሕሪ ቢሎም ‘ክርስቶስ ነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቅን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለምናን ግዳያት ውግእን ግጭትን ኰይኖም ንዘለው ሕጻናት ብርሃኖም ይኹን’ እንክብሉ ሠናይ ምንዮቶምን ጸሎቶምን ገሊጾም።

“ነቲ ካብ ነዊሕ እዋን ንሃገሮም ዘቚሰለ ግጭትን ጽልእን ምንም ፍጻሜ ዘይርኢ ፍቁር ሕዝቢ ሶርያ እግዚአብሔር ምጽናንዑ ይስደት። እዚ ኩነት እዚ ንሕልና ደቂሰባትን ሰብ ጽቡቅ ድላይን የሳቂ። ብርሃን ኢየሱስ ንገዛእቲ እታ ሃገርን ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ንጸጥታ እታ ሃገርን ሰላማዊ ናብራ ሕዝቢ ናይቲ ዞባን ኣውሒሱ ነቲ ክንገር ዘየከኣል ስቃይ ዝውድእ ፍታህ ንክረኽቡ የብርሃሎም።”

ብርሃን ክርስቶስ ደገፍ ንሊባኖስን ቅድስት መሬትን ኢራቅን የመንን ይኹን!

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ዝዘከርወን ሃገራት ሊባኖስን ቅድስት መሬትን ኢራቅን የመንን እንክኾና ብርሃን ክርስቶስ እዘን ሃገራት እዚአን ካብ ዘለዋኦ ኩነታት ቅልውላው ክወጻን ጸዋዕታአን ናይ ነጻነት ልኡኻትን ኩሎም ብሰላም ተሓባቢርካ ምንባርን ምዃኑ ንክግንዘባ ብርሃን ክርስቶስ ይደግፈን ኢሎም። ነታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደላ ቅድስት መሬት እዚ ብርሃን እዚ ነቶም ዕለታት ሰላምን ውሕስነትን ምዕብልናን ዝጽበዩ ሕዝባ ብርሃን ይኹን። ነቶም ብማሕበረሰባዊ ቅልውላው ዝሕመሳ ዘለዋን ብዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝሳቀያ ዘለዋ ኢራቅን የመንን እዚ ብርሃን እዚ ምጽንናዕ ይኹን። ወትሩ ብዛዕባ ሕጻናት የመን እሓስብ ኢሎም።

ቨነዝወላን መላእ አመሪካን!

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ዝዘከርወን ሃገራት ቨነዝወላን መላእ ኣመሪካን እንክኸውን እዘን ሃገራት እዚአን ነተን ዝተፈላለየ ማሕበራውን ፖሎቲካውን ቅልውላው ዘሕልፋ ዘለዋ እቲ ኣብ ቤተልሔም ዝተወልደ ሕጻን ተስፋ ክኾኖም ልመናኦም ኣቅሪቦም።

“ነቲ ብፖሎቲካውን ማሕበራውን ወጥሪ ብዙሕ ዝተፈተነ ክቡር ሕዝቢ ቨነዝወላ ኢየሱስ ሕጻን የጸናንዕ ሓገዝ ንዘድልዮ ከኣ ሓገዝ ከምዘይስእን ይግበር። ፍትሕን ዕርቅን ንከደንፍዑ ዝቃለሱ ንዘለው ከምኡ እውን ነቲ ንክብሪ ኩሎም ደቂሰባት ዝትንክፉ ዝተፈላለየ ቅልውላዋትን ድኽነትን ንከወግዱ ዝቃለሱ ዘለው ንዝገብርዎ ጻዕሪ ይባርኽ።”

ብርሃን ክርስቶስ ነባሪ ሰላም ንኡክራንያን ንሕዝብታት ኣፍሪቃን ይሃብ!

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ብርሃን ክርስቶስ ነባሪ ሰላም ንኡክራንያን ንሕዝብታት ኣፍሪቃን ይሃብ! እንክብሉ ትሳቀ ዘላ ሃገረ ኡክራይና ብርሃን ክትረክብ ከምኡ እውን ነባሪ ሰላም ተማሕጺኖም። እቲ ወትሩ ንግለሰባት ገዛን ስድራን ኣስኢኖም ንስደት ዝደፍእ ማሕበራውን ፖሎቲካውን ኩነታት ንዘሳቅዮ መላእ ሕዝቢ ኣፍሪቃ ብምዝካር ከኣ ከምዚ ኢሎም።

“ነቲ ብቀጻሊ ግጭት ዝሳቀ ዘሎ ኣብ ምብራቃዊ ዞባታት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ንዝነብር ሕዝቢ ሰላም ይኹን። ብዓመጽን ባህርያዊ ሓደጋን ጥዕናዊ ጸገማትን ንዝሳቀዩ ምጽንናዕ ይኹን። ስለ እምነቶም ዝስደዱ ንዘለው ምናዳ ኣብ ስብከተወንጌል ንዝተዋፈሩን ንዝተጨውዩን ምጽንናዕ ይኹን ኢሎም።”

ኢፍትሓውነት ስደተኛታ ኣደዳ ዘስካሕክሕ ዓመጽ ንክኾኑ ይግድድ!

ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ይግበር ኢልካ ዘይተሓስቦ ነገራት ኣብ ገገሊኡ ክፍልታት ኣፍሪቃ ምፍጻሙ ምጉዳል ፍትሒ ምዃኑ ዝገልጹ ቅዱስነቶም ምናዳ ብኣኽረርቲ እምነት ኣብ ቡርኲናፋሶ ማሊ ኒጀርን ናይጀርያን ዝፍጸም ዘስካሕክሕ ምዃኑ ዘኪሮም ‘ወልደ እግዚአብሔር ንኩሎም በዚ ዓመጽ እዝን ካልእ ጒድለት ፍትሕን ውሑስ ሕይወት ንክረኽቡ ተስፋ ብምግባር ንዝደዱ ጸግዕን ዋልታን ይኹኖም’ እንክብሉ ጸሎቶም ኣዕሪጎም።

“ነዞም ሰባት እዚኦም ምድረበዳን ባሕርን ከቋርጹ እሞ መቃብሮም ከምዝኸውን ዝገበሮም ኢፍትሓውነት እዩ። ዘስካሕክሕ ዓመጽ ከምኡ እውን ኣብ ኢሰብኣዊ ቤትማእሰርታትን መዳጐንን ዘይንገር ባርነትን ስቃይን ንኽቅበሉ ዘገድዶም ምጉዳል ፍትሒ እዩ። ካብታ ብክብሪ ክነብሩላ ዝኽእሉ ዓዶምን መረበቶምን ብጭካኔ ናብ ዝተረገጡ ዶባትን ማዓጹን ክኩሕኩሑ ዘገድዶም እውን ፍትሒ ምጉዳል እዩ ኢሎም።”

ንብጾትና መጋበሪ ፍቅሪ ክርስቶስ ንኹን!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም ብኩሉ ኩሉ ዝቈሰለ ሰብኣውነት ዘመንና ብምዝካር እቲ ብነቢይ ዝተዋህበና ኣማኑኤል ብርሃና ክኸውን እሞ ንልብና ኣራሕሪሑ ነቲ ዓፊኑ ሒዙና ዘሎ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ባህሊ ሰጊርና ንብጾትና መጋበሪ ፍቅሩ ክንከውን ጸዊዖም። ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም ክርስቶስ በዘን ናትና ድኻታት ቈላሕታት ገቢሩ እዩ ነቶም ኩሎም ራሕሪሖም ዝገደፍዎምን ግዳይ ብዙሕ ዓመጽን ግጭትን ዝኾኑ ሕጻናት መላእ ዓለም ፍሽኽታ ክህብ ዝኽእል። በተን ናታትና ድኹማት ሃንጐፋይ ኢልካ ምቅባላት ነቶም ዝዓረቁ ድኻታትስ ይኹን ትቊረስ ትቅመስ እንጌራ ዘይብሎም ጥሙያት ከምኡ እውን ዝሕክሞም ዘይረኸቡ ሕሙማት ፈውስን ዕንገላን ክልግሰሎም ዝኽእል። በቲ ተኣፋፊ ዝኾነ ምስናይና ክርስቶስ ንሽማግለታትናን ስደተኛታትናን ቀረባኦም ክኸውን ይኽእል። እምበአርከስ ሎሚ ኣብዚ ዓቢ በዓልና እዚ ዓለምና ካብ ጸልማቱ ክወጽእ ጐይታ ምሕረቱን ርሕራሔኡን ይሃበና። ብምስክርነት ሕይወትና ልደት ክርስቶስ ነበስር ድሕሪ ቢሎም ጸአሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም ብሓዋርያዊ ቡራኬ መልእኽቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
25 December 2019, 17:12