ድለ

ሃይማኖት ንመጋበርያ ጽልእ ምጥቃም ኣብ ፊት እግዚኣብሔር ተፈደየኒ ዝብል ገዓር እዩ

ቅዱስነቶም ዕለት 20 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ምስ ኣዘራረቡን፡ ጉተረዝ ካብ ቅዱነቶም ተፋንዮም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ

ዕለት 20 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ተቐቢሎ ከምዘዘራረቡን ድሕሪ ዘካየድዎ ግላዊ ርክብን ዘተን ብሓባር ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ኣቑሳልን መከራን እናረኣና ከምዘይረኣና ኰይና ጐሲና ክንሓልፍ ዝከኣል ኣይኰነን፡ እቲ ዝረኣይ ኣቑሳልን መከራን ኵሉ ማንም ሰብ ሸለል ከይብልን ዘይተገዳስነት ንኸይርእይ ጻውዒት ዘቕብ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ገሊጾም፡ እቲ ዘመሕላለፍዎ መልእኽቲ ንሕልና ጻውዒት ዘቕርብ ዳርጋ ጸሎት ክበሃል እውን ዝከኣል እዩ፡ ኣብ ዓለም ማእለያ ዘይብሉ ኣብ ፊት እግዚኣብሔር ፍትሒ ዝብል ንብዓት ይውሕዝ ኣሎ፡ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ርክብ ኣብዚ ናብ በዓለ ልደት ኣብ ዘሰጋግር እዋን ብምዃኑ ዓሚይቕ ትርጉም ዘለዎ እዩ።

ቅልውላው ዓለም

ቅዱስነቶም ዕለት 20 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ምስ ኣዘራረቡን፡ ጉተረዝ ካብ ቅዱነቶም ተፋንዮም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡን ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ዶኒኒ ኣስዒበ፥ ኣብቶም ዝተኻየዱ ርክባት እውን ኣብ ቀረባ እዋን ዝበዓል ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ሕቡራት መግስታት ዓለም ቅዋሜ ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ እውን ምይይጥ ተኻይዱን እቲ ንሕቡራት መንግስታት ዓለም ቅዋሜ መሰረታዊ ምኽንያት ዝዀነ ብጥልቂ ክስትንተንን እቲ ብሕቡራት መግስታት ዓለም ዝተሓንጸጸ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ንምርግጋጽ ሰላም ኣብ ዓለምን ዝብሉ ናይቲ ውድብ መርሓ ግብርታት እውን ብዙሕ ዝሕሰበሉን ንትግባሬታቱ መገዲ ንምልላይ እቲ ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ቅዋሜ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዓቢይ ኣጋጣሚ ምዃኑ ኣብቶ ዝተኻየዱ ርክባት ከምእተቓልሔን ብዛዕባ ንግድ ሰብን ሓደስቲ ጊልያነትን ስደተይናታትን ተመዛበልንትን ብዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ምርጋፍ ኣጽዋርን ኣብ ዓለም ዝርአዩ ግጭታትን ንምውጋድን ማሕበራዊ ምርግጋእን ሕጹጽ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝምልከቱ ነጥብታት እውን ሰፊሕ ምይይጥ ከምእተኻየደ ገሊጸን።

በይናዊ ድሕነት የሎን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ጠቕላሊዋና ጸሓፊ ጉተረዝ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ኣጋጣሚ ፍልልያቱ ብዘየገድስ ናይቲ እንኰ ኣቦን ፈጣርን ደቅን ኣሕዋት ደቂ ሓደ ኣቦ ምዃኑ ከስተውዕልን እዚ ሕውነት’ዚ ኣፍልጦ ክረክብ ሓደራ ዝብልን በይናዊ ምድሓን ከምዘየለ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ኣተሓሳሲቦም፡ ስለ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ጸጋታትን ስለ እቶም ብናጻ ሕይወት ኣብ ምግልጋልን ሰብኣውነት ዝዓሰሎን ቅኑዕን ሕብረተሰብ ኣብ ምሕናጽ ሕይወቶም ስለ ዝስውኡን ስለ ዘገልግሉን አመስግን፡

ኣብ ፊት እቲ ዝረአይ ኢፍትሓውነትን ኢማዕርነን ኣብ ቅድሚ እቲ ዝረአይ ድኽነትን ዝስተይ ጽሩይ ማይን መግብን ዘድሊ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ስለ ዘይረኽቡ ዝሞቱ ሕጻናት እናረኣና ከምዘይረኣና ጐሲና ክንሓልፍ ዝክኣል ኣይኰነን፡

ብሓባር ንናይ ዓመጽ መዓት ምቅላስ

ዝዀነ ይዅን ዓይነት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ንምግጣም ንምውጋድን ዝግበር ጻዕሪ ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ 2019 ዓ.ም. ብዙሕ ምይይጥ ዝተኻየደሉ ማእከላዊ ርእሰ ጉዳይ ካብ ምዃን ሓሊፉ ንምብዳህ ዘድሊ መገድታት ዝተሓበረሉ እውን ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ዓመጽ መዓት ብሓባር ምቅላስ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም፡ ብምኽንያት ዓመጽን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ድኽነትን ሃገሮምን መሬቶም ሓዲጐም ዝስደዱን ተመዛበልትን ኣሕዋትና ቀረባ ምዃንን ኣብ ድጋፎም ክንርከብ ሓደራ ምስ በሉ፡ ዕለት 19 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ስደተይናታት ኣብ ዘካይድዎ ርክብ ዝቐረበሎም ህያብ ትእምርቲ መስቀልን ኣድሕን ሕይወት ሰደርያን ብሓቂ ንዅላትና ናይ መጠንቀቕታ ደውል እዩ፡ እቲ ካልእን ካባይ ዝተፈልየ ከማይ ሰብ መጻእተይና ኰይኑ ክይተርፍ ዝብል መጠንቀቕታ እዩ ኢሎም፡

ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ሕይወት ዝፍጸም መጥቃዕቲ

ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን፡ ምዝመዛን ኣብ ልዕሊ ገና እቶም ዘይተወልዱን ክንክንን ድጋፍን ሓልዮትን ዘድልዮም ሕጻናትን፡ ኣረጋውያንን ህሙማንን እናሓሰቡ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ሕይወት ዝፍጸም ማእለያ ዘይብሉ ዓመጽ ክግታእ ጻውዒት የቕርቡ።

ኣይፋል ሃይማኖት ንመጋበርያ ዓመጽ ምጥቃምን ኣይፋል ኑክለሳዊ ኣጽዋርን

ሃይማኖት ንመጋበርያ ጽልእን ዓመጽን ጸቕጥን ኣኽራርነትን ጸንፈይናነትን ምጥቃምን ንስደትን ምዝብልናን ተነጽሎነትን ዝዳርግ ኣብ ፊት ህላዌ እግዚኣብሔር ዝፈስስ ተፈደየኒ ናይ ዝብል ገዓር ምኽንያት እዩ፡ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ድለባ በጽዋር ውግእን ኑክለሳዊ ኣጽዋርን እውን ኣብ ፊት ህላዌ እግዚኣብሔር ዝፈስስ ፍትሒ ዝሓትት ገዓር ምኽንያት እዩ፡

ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምትቃም ጥራሕ ዘይኰነ ምውናኑ እውን ኢገብረ ገባዊ ተግባር እዩ፡ … ኣብ ልዕሊ መላእ ዘርኢ ሰብ ስግኣት እዩ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እውን ኣብ ዓለም ብዙሕ ኣቃልቦ ዘይግብረሎም ውግእን ምስሕሓባት ከምዘለዉን፡ ብዙሓት ንጹሓን ዜጋታት ንሞት ዝዳርጉን እዚ ኩሉ ኣዕናዊ ተግባር ይገታእ፡

ብዝሓ-ጐድናውነትን ስነ ሜላዊ ርክባትን

ሰላማዊ ዓለም ንምሕናጽ ኣብ መንጐ ሃገራትን ህዝብታትን ብብዝሓ ጐድናውነት ዝሳልጠ ኣብ ምትእምማን ዝጸንዔ ዘተን  ኣገዳስን ግድነታውን እዩ፡ እዚ ኸኣ ናይ ዓለም ሓቆፍ ውድባት ግደ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ብሓጺሩ እዚ ናይ ምርድዳእን ርክባትን መጋበርያ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ሜላዊ ርክባት ኣብ ዘተን ብዝሓ ጐድናውነትን ኪደት ወሳኒ ምዃኑ ቅዱስነቶም የብርሁን እዚ ክደት’ዚ ክውን ክኸውን ይላበዉ።

መንእሰያት፡ ዘራእቲ ሰላምን ናይ ሰላም ሓነጽቲ ንኽንከውን ይሓቱና

ናይ ሓደ ሰብኣውነት ኣባላት ምዃንና ኣፍልጦ ምሃብ ዘድሊ ከምዝዀነ ነስተውዕል እቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ዝመጸ እግዚኣብሔር ንኽንዕቅቦን ንኽንከናኸኖን ብግብኡ ንኽንጥቀመሉን ዝጸገወና ተፈጥሮ ዝኸናኸኑ ንዅን፡ ስለዚህ እዚ እቲ ኣብ ልዕሊ ምህድር ኢደ ሰብ ዝፍጽሞ ዓመጽን ብከላን ክውገድን ንመጻኢ ወለዶ ናይ እነመሓላልፎ ተፈጥሮ ሓለይቲ ንኹን።  ደሓር ከይንጥዓስን ግዜ ከይሓለፈ እንከሎ ኵለንተናዊ ምሕዳርን ተግብርን፡

ናይ ብዙሓት መንእሰያት ድምጺ ጽን ንበል፡ እቲ ኣብ ዓለም ኣብዚ እዋን’ዚ ዝኽሰት ዘሎን ኩሉ ግምት ሂቦምን፡ ዘራእቲ ሰላምን ሓነጽቲ ሰላምን ንኽንከውን ይሓትቱና ኣለዉ፡ ስልጡንን ቅኑዕን ሕብረተሰብ ንኽንሓንጽን፡ በዓለ ልደት ተራ ገርሄይንናውነት ማለት ኣይኰነን፡ ኣብ ሕይወት ኣዚዩ ኣገዳስን መሰረትን ፍቕሪ ምዃኑ ዘዘኻኽረና እዩ!  

ምስ በሉ ናይ ውድብ ሕቡራት መንስታት ዓለም ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ብወገኖም ኣስዕቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥

ብሓባር ንሰላምን ሓድነትን

ኣብዚ ናዕብን ተርባጽን ጸገማትን ኣብ ዝርአየሉ ዘሎ ዓለም ብሓባር ንሰላምን ንስኒትን ንቑም፡ ቢሎም ነቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ዝበልዎ ቅዉም ሓሳብ ኣቃሊሖም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓለም ንዘመሓላልፍዎን ዘተሓሳስብዎን ከይተሓልሉ ንዘቕርብዎ መልእኽቲ ተስፋን ሰብኣውነትን ኣመስጊኖም፡ ድኽነት ንኽንክይን ንኽውገድን ክብሪ ሰብ ክኽበርን ግልጺ ዝዀነ ግብረ ገባዊ ድምጺ ኢኹም፡ ስለ እቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብን ሕጻናትን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ድምጺ ኰይኖም ንዘነቓቕሕዎ ሕውነትን ሓልዮትን ኢማዕርነት ንኽገድን ምርጋፍ ኣጽዋር ክረጋገጽን ዘራኽብ ድልድል ክህነጽን ዛዕባ ክንክን ምህዳርን ዘቕርብዎ ጻውዒት ናይ ተስፋን ሰላምን መልእኽቲ ገሊጾም፡ እዚ ዅሉ ምስ ናይ ውድብ ሕቡራት መንስታት ዓለም ቅዋም ውሁድን ስኑይን እዩ ቢሎም፡ ድሕሪ እቲ ብዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ብከላ ኣየር ንብረትን ዝመኻረ ዓውደ ጉባኤ ተሳቲፎም ናብ ሮማ ከምዝመጹ ኣዘኻኺሮም፡ ኣየር ዝብክል ጋዝ ክሳብ 2050 ዓ.ም. ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ከይህሉ ዝብል ሸቶ ዘንበረ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። ቅዱስነቶም እቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋና ሕንጻ ዘካይድዎ ምብጻሕ ዝምስክሮ እውን፡ ናይቲ ውድብ ዕዮ ዝድግፉ ምዃኖም አመስግን ከምዝበሉ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን፥

እቲ ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ጽልእ ክውገድ ብርቱዕ ናይ ሓባር ጻዕሪ

ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ ንበዓለ ልደት እናሓሰቡ፡ ኣብቲ ጥንታዊ ክርስቲያን ዝዀነ ከባቢ ዓለም በዓለ ልደት ንምኽባር ዘይከኣል ዝገብሮ ተግባር ክፍጸም ምርኣይን ዘሕዝን እዩ፡ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ጸጥታን ደሕንነትን  ውሕስ እንተዘይኰነሉ በዓለ ልደት ከብዕል ከምዘይክእልን ኣብ ሙክራብ ዝቕተሉ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድን ኣብ መስጊድ ሰዓብቲ ሃማኖት ምስልምና ክቕተሉን ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣደዳ መጥቃዕትን ሽበራን ክዀኑን ምርኣይ ዘሕዝንን ዘቖጥዕን እዩ፡ እዚ ዅሉ ከይህሉ እቲ ኣብ ዓለም እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ጽልእ ንኽውገድን ሕድ ሕዳዊ ምርድዳእን ምቅብባልን ምክብባርን ክህሉ ዝድግፍ ሰናይ ተግባር ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብዚ መዳይ ቅዱስነቶም ዘበርክትዎ ዘለዎ ዓቢይ ግደን እቲ ምስ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብ ብሓባር ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር ሰነድ ሓደ መረጋገጺ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሃይማኖት መግለጺ መካነ ቦታ ዝዀነ ኵሉ ንምክልኻልን ናይ ጽልእ መደረታት ክይሁሉ ዝድግፉ ተግባራዊ መደብ ንምንቕቓሕ ክዓዪ እዩ ቢሎም፡ ርሑስ ናይ ሰላም በዓለ ልደትን ዝተባርከ ሓድሽ ዓመትን ተመንዮም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መእኽቶም ከምዘጠቃለሉ ኣፍሊጠን።

ሃይማኖት ንመጋበርያ ጽልእ ምጥቃም ኣብ ፊት እግዚኣብሔር ተፈደየኒ ዝብል ገዓር እዩ
21 December 2019, 17:25