ድለ

ዘተ ር.ሊ.ጳ. ምስ ተመሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣልበርተሊ ዘተ ር.ሊ.ጳ. ምስ ተመሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣልበርተሊ 

ዘተ ር.ሊ.ጳ. ምስ ተመሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣልበርተሊ

… ክንፍጽሞ ዝግብኣና ምፍቓር ጥራሕ እዩ፡ ስለ ፍቕሪ ምፍቓር፡ ስለ ደቃቶም ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ወለዲ ሕስብ እሞ ነብል፡ ኵሉ ስለ ምፍቓሮም እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ሮማ ናብ ዝርከብ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ፒሎ ኣልበርተሊ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ተመሃሮን መምሃራንን ተራኺቦም ምስቶም ተመሃሮ ብሕቶን መልስን ዝተሰነየ ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 22 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ሕትመቱ ከምዘነበበ ክፍለጥ እንከሎ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብቶም ተመሃሮ ሓንቲ ኤሊዮኖራ እበሃል ቢላ ገዛእ ርእሳ ምስ ኣላለየት፡ ቅዱስነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በይናውነት (ጽምዋ/ብሕትውና) ብዝብል ኣርእስቲ ዝተሓትመ መጽሓፍ ንንበባ ክምዝበቕዔን ቅዱስነትኩም ብሓቂ በይንኹም ኢኻም፡ በይናውነት ይስምዓኩም? ኣንሕና መእሰያት ኣብ ጉርዝውና እዋን ስለ ዝስምዓና ብሕትውና እንታይ ትብሉ? ቢላ ንዘቕረብትሎም ሕቶ እንክምልሱ፡

እቲ ዝጠቐስክዮ መጽሓፍ ኣይፈልጦንን ኣየንበብክዎን እውን፡ ብዛዕባ ብሕትውናይ እንታይ ዝብል ምዃኑ ዝፈልጦ የብለይን ስለዚህ ብዛዕባ እታ መጽሓፍ ዝብሎ ኣይክህልወንን እዩ፡ ምስ ገዛእ ርእስኺ እትራኸብሉ ግዜ ኣድላዪ እዩ፡ ብዘይ መንጐይናን ብዘይ ካልእ ሰብን፡ እግዚኣብሔር ይመስገን በይናውነት ተሰሚዑኒ ኣፈልጥን፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ዓለም ብዙሕ ብሕትውናን በይናውነትን ኣሎ፡ … ምስ ሕልናና እንራኸበሉን ምስ ሕይወትና እንጸባጸበሉ ግዜ ኣድላዪ እዩ። … ቅዙን ዝገብር ብሕትውና ጐዳኢ እዩ፡ ቅንእን ቅርሕንትን ክህልወካ ዝገብር ብሕትውና፡ … እዚ ዓይነት ብሕትውና’ዚ ከምዘይብልኵም እምነተይ እዩ፡ ምስ ገዛእ ርእስኻ እተመያየጠሉ ብሕትውና ኣገዳሲ እዩ፡ ….

ሳራ እበሃል፡ ቅዱስነትኵም፡ ንዝገሮ ሰናይ ነገር ሞሳ ኣብ ምጽባይ ዘሕድረለይ ሻቕሎትን ስቓይን፡ ሞሳን ኣፍልጦን ዘይረኽበሉ ልግስና፡ ገለ ዘይጽበይ ውፉይ ፍቕሪ ይብጻሕ ትብሉ ዶ? ዘይጽበይ ፍቕሪ ኣሎ ትብሉ ዶ?

ስለ ሕቶኺ የቐንየለይ! ኣብ ፍቕሪ ናይ ምጽባይ ሓደጋ ኣሎ፡ ዘይጽበይ ፍቕሪ ምንባር ከቢድ እዩ፡ እትጽበዮ ረብሓ ዘይብሉ ፍቕሪ ምንባር ከቢድ እዩ፡ … ክንፍጽሞ ዝግብኣና ምፍቓር ጥራሕ እዩ፡ ስለ ፍቕሪ ምፍቓር፡ ስለ ደቃቶም ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ወለዲ ሕስብ እሞ ነብል፡ ኵሉ ስለ ምፍቓሮም እዩ፡ ስለ ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዶም ላዕልን ታሕትን ዝብሉ፡ ምእንቲ ብጾቶም ዝሳቐዩን፡ ሕይወትካ ክሳብ ኣሕሊካ ምሃብ ዝብል፡ … ካብ ኢጐነት ዘላቕቕ ፍቕሪ ጥራሕ እዩ፡ … እቲ ዘቕረብክለይ ሕቶ ኣባኺ ገለ ዘጨንቐኪ ነገር ስለ ዘሎ ይኸውን፡ ኣትፍጽሞ ሰናይ ምፍላጥ የድሊ እዩ፡ እዚ ግን ክፍለጠለይ ዘይብል ምፍላጥ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ብቋንቋ ስፓንሽ፡ ‘ኣነ፡ ገዛእ ርእሰይ፡ ምስ ገዛእ ርእሰይ፡ ንገዛ ርእሰይ (ንዓይ)’ ዝብል ንኻልእ ቦታ ዘይብልካ ናይ ምዃን ኵነት ዝገልጽ ሓሳብ ኣላ፡ እዚ ርእሰ ምእኩልነት እዩ፡ ኢጐነት እዩ፡ … እዞም ከምዚ ዓይነት ሰባት ኣብ ሕይወቶም ሰናይ ዝረሓቆም እዮም ዝዀኑ፡ … ስለዚህ ንኻልእ ጽን ኣብ ምባል ጐደና ምርኻብ የድሊ፡ … ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ። ገሊኣቶም ካልእ እናተዛረቦም ገና ዝብሎ ዘሎ ከይወድኤ መልሲ ንምሃብ ህዉኻት ዝዀኑ፡ እትብሎ ዘየወድኡ፡ ኣነ ክዛረብ ጥራሕ ዝብሉ፡ እዚ ከምዚ ኩነት ስልክይና ይፈጥር፡ ፍቕሪ መስዋዕትነት ዝሓትት እዩ፡ …

ሰላም ቅዱስ ኣቦና፡ ፍራንቸስኮ እበሃል፡ ንስኹም መምህር ኣብ ዝነበርኵምሉ እዋን፡ እንታይ ዓይነት ወስታን ኣጠማምታን ነይርኵም ኣብ ልዕሊ እቶም ካልእ እምነት ዝነበሮም ተመሃሮ እውን?

ሰላም ቅዱስነትኵም ዳሚያኖ እበሃል፡ ሓደ ኢኣማኒ ናባኹም መጽኡ ክኣምን ዝገብሮ ኣመክንዮ ምስ ዝሓተኩም እታይ እዩ መልስኹም?

ድሕሪ እቶም ዓበይቲ ክልተ ውግእ ዓለም፡ ኣብ ናይ ኣርጀቲና ማሕበረሰብ ብዙሕ ለውጢ ጭቡጥ ኰይኑ እዩ፡ ስደተይናታ ካብ ኤውሮጳ ድዩ ካብ ካልእ ክፍሊ ዓለም ብዙሓት ናብ ኣጀቲና ተሰዲዶም እዮም፡ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ ኣርጀንቲና እቲ ኣርብዓ ሚእታዊ ዝሽፍን ኢጣሊያዊ መጸውዕ ሽም ስድራ ዘለዎ እዩ፡ ስዒቦም ካብ ፖላንድን ሩሲያን ካብ ሃገራት ዓረብን ዝመጹ ኣለዉ፡ ስለዚህ ሕዝቢ ኣርጀንቲና ዝተሓናፍፈጸ እዩ።

ኣብ ናይ መንግስቲ ቤት ትምህርቲ እየ ተማሂረ፡ ብእምነትን ብመበቆል ሃገርን ካብ ዝተፈላለና ኢና ዝነበርና፡ … ብሓባር ንመሃርን ብሓባር ንጻወትን፡ … ኵላትና ደቂ እግዚኣብሔር ኢና፡ ኣብ ኣርጀቲና ብጀካ ነቶም ንሶም ዝስዕብዎ ንኻልእ ሃይማኖት ዝስዕብ ዘይቕበል ፍክሊ ሕብረተሰብ ነይሩ እዩ፡ እዚ ብዙሕ ዘይፍተወኒ ወገን እዩ ዝነበረ፡ ወይ ምስጢረ ጥምቀት ተቐበል ወይ ተሰየፍ ዝብሉ ነይሮ እዮም፡ ነቶም ከምኦም ዘይንሓስብ ክርስቲያን እውን ጸቕጢ ክገብሩ ይፍትኑ ነይሮም እዮም፡ ዘሕፍር እዩ። … ኣመጻጽኣይን ኣተዓባብያይን ምስ ኩሉ ሕዉስ ንኽኸውን ደጊፉኒ እዩ፡ እዚ እቲ ተራ ኣነባብራ ሕይወት እዩ ክኸውን ዘለዎ ብዘይ ኣፋላላይ፡

ዳሚያኖ ንዘቕረቦ ሕቶ … ንሓደ ኢኣማኒ ንኸተእምኖ ዝግበር ጻዕሪ ኣየድልን እዩ፡ ክእምኖ ዝብል ብጋሴ ዘይምግባር፡ ቀዳማይ ንኸትእምኖ እትገብሮ ስጉምቲ እዩ፡ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ክኸውን ዘለዎ ንሱ እዩ፡ እምነትን ሕይወትን ብስኒት ምንባር እዩ ዘገድስ፡ እቲ ናተይ ክርስቲያን ምዃን ዝነብሮ ቃልን ሕይወትን ዘጣመረ ሕይወት እዩ ኣብቲ ዘይኣምን ሰብ ሕቶ ክኸውን ዘለዎ፡ ብዛዕባ እምነትይ ንኽፈልጥ ዘነቓቕሖ፡ ሰዓቢ ክርስቶስ ኣየ ቢሉ ናይ ካልእ እምነት ንኸስድዕ ዝፍትን ሰዓቢ ክርስቶስ ኣይኰነን፡ ቤተ ክርስቲያን ኣስዳዒት እምነት ወይ ሃይማኖት ኣይኰነትን፡ በነዲክቶስ መበል 16 ቤተ ክርስቲያን እትዓብይ ብግብረ ምስዳዕ ዘይኰነ ብማራኽነታ እዩ ከምዝበልዎ፡ …

ሰላም፡ ኣሊቸ እበሃል፡ ናተይ ሕቶ … ቅድሚ ምድቃስኩም ኣብ ኣእምሮዅም ዝመጻኵም ሓሳብ እንታይ እዩ፡ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ሕልሚ ትዛረቡ፡ እትሓልሙ ኩኑ ትብሉ፡ ካብ ናይ ትምህርትን መጽናዕትን ሓላፍነት ወጻኢ ..

ሰላም ቅዱስነቶም ፍራንቸስኮ እበሃል፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ መምህርኩም ኣባ ሚገል ፊዮሪቶ ተዛሪብኵም ነይርኩም፡ ኣብ ሕይወት መምህር ኣድላዪ እዩ ትብሉ ዶ? ብዙሓት መምሃራን ኣለዉና ምስኣቶም ዘሎና ርክብ ግና ብዙሕ እዋን ዝበለጸ እዩ ክትብሎ ዝከኣል ኣይኰነን…

ቅድሚ ምድቃሰይ ዝሓስቦ? ገለ ገለ እዋን ንምሕሳብ እውን ግዜ የብልካን ቀልጢፍካ ትድቅስ፡ … ድኻም ስለ ዝስምዓ፡ ድኻም ስለ ዝጸቕጠካ። ምስ ልበይ እጸባጸብ .. ዘጓነፈኒ ኵሉ ምልስ ቢለ አስተንትን፡ … ስለ ኵሉ ነገር ነቲ ናይ ሕይወት እግዚኣብሔር አመስግን፡ ኩለተናኻ ጽን ምባል፡ ናይ ሕልና መርመራን፡ ናይ ልቢ መርመራን፡ እቲ ካልእ ምሕላምን ምጽዋትን ዝብል እዩ፡ ሕልምታትካ ክንየው ከተማዕድው ዝድርኹ እያቶም፡ ዘይብጻሕ ዘይምሕላም፡  ዘይብጻሕ ምሕላም ስቓይ እዩ ዘሕድረልካ፡ ምጽዋት ናብ ተወፋይነት ይመርሕ። … ጸዋታን ምጽዋትን ንግድ ክኸውን እንከሎ እዩ ዘሕዝን፡ ከምቲ ሎሚ ኣብ እግሪ ኵዑሶን ካልእ ዓይነት ስፖርትን እንርእዮ፡ ሓደ ሰብ ዝጻወት ክጻወት ስለ ዝደልን ባህ ስለ ዝብሎን እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ … ወለዲ ምስ ደቃቶም ዝጻወትሉ ግዜ ክህልዎም ኣገዳሲ እዩ … ውላድካ ብጽቡቕ ምዕባይ ዝዓበየ ጥበብ እዩ …

… ሓደ መዓልቲ ሰዓቢ ይህልወኒ ይኸውን፡ እዚ መምህር ክኸውን ካብ ዝብል ሓሳብ ንላዕሊ እዩ፡ ስለምንታይ ኣብነት ምዃን ስለ ዝሓትት፡ ሓናጽያን ካብ መምሃራን ንላዕሊ እያቶም፡ ኣብ ሕይወትና ሓንጽቲ ምርካብ ትዕድልቲ እዩ፡ ሓናጺ ኣብነት ምዃን ይሕትት …  

ቅዱስነትኵም ሰላም፡ ኤማኑኤለ እበሃል፡ … ናብ በዓለ ልደት ናብቲ ናይ ምውላድን ሰላም ኣብ መንጐ ኣሕዛብን ናብ ዝዀነ በዓል ንቀራረብ ኣሎና፡ ሎሚ ንናይ ካልኦት ጸጥታን ደሕንነትን ንዝብል ዕላማ ካልኦት ንምቕታል ኣብ ዝብል ዕዮ ዝዋፈሩ ሰባት ክህልዉን ኣብዚ ዓይነት ስራሕ ሰባት ምውፋር ቅኑዕ ዶ ይመስለኵም? ካልእ ንምቕታል ስንድው ምዃን ዝብል ዓይነት ስራሕ ኣብ ቅኑዕን ፍትሓውን ዓለም እዚ ዓይነት ስራሕ ኣይመድለየን?

ሕግን ስርዓትን ክኽበር ንዝብል ዕላማ ዝዋፈሩ ሰባት፡ በዚ ስራሕ እዚ ዝመሓደሩ እያቶም፡ ውግእ ቅኑዕ ዘብሎ ምኽንያት የልቦን፡ ኣብ ሶርያ ዘሎ ኩነት ሕስብ እሞ ነብል፡ ኣብ የመንን ካልኦት ከባቢ ዓለምን፡ ሎሚ (ዕለት 21 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም.) ምስ ናይ ውዱብ ሕቡራት መንስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ተራኺበን ምስኦም ብሓባር ናይ ሰላም መልእኽቲ ብምስማዐ ርእየት ኣመሓላሊፈ፡ ቅኑዕን ፍትሓውን ዓለም ምቕታልን ምቅትታል ዘይብሉ እዩ፡ … ኣብ ከምዚ ዓይነት ሰላም ምንባር መሰልን ክብርን እዩ!

የቐንየለይ ርሑስ በዓለ ልደትን ሰናይ ሓድሽ ዓመትን እመነየልኩም ቢሎም ተፋንዮም።

ዘተ ር.ሊ.ጳ. ምስ ተመሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣልበርተሊ
23 December 2019, 18:01