ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ቅድስና ኣብ ታሪኽ ዝተሰግወ ቃል እግዚኣብሔር እዩ ር.ሊ.ጳ.፥ ቅድስና ኣብ ታሪኽ ዝተሰግወ ቃል እግዚኣብሔር እዩ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ቅድስና ኣብ ታሪኽ ዝተሰግወ ቃል እግዚኣብሔር እዩ

ቅድስና እውነተይና ናይ ቤተ ክርስቲያን መብራህቲ እዩ፡ ስለዚህ ብዝተፈላለየ ኣብነት ዝግለጽ ገድለ ቅድስና ብጥብቂ ምልላይን ምጽራይን ምምርማን ዝሓትት እዩ፡ ብፍላይ እቲ ብትሕትና ዝንበር ገድለ ቅድስና

ቅዱሳት ዘይብጽሑ ፍጡራ ዘይኰኑስ ሰብ ከማናን ንናይ ሕይወት ክርስትና ኣብነትን ሓባርን እያቶም፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ቅዱስ ማሕበር፡ ገድለ ቅድስና ብጽንዓትን ብኣተኵሮን ዝከታተልን፡ ብፍላይ እቲ ብጽሞን ብትሕትና ዝንበርን ገድለ ቅድስናን፡ ኣብ ድልያ ሓቂ ዘይውግን ናጻን ወንጌላዊ ተምሳጥ ዘለዎን ኣብ ዕዮኡ ጽኑዕ ግብረ ገባዊ መምዘንታት መሰረት ገይሩ ዝዓዪ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ቅዋሜኡ ብናይቲ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ንዝተመርሑ መላእ ናይቲ ማሕበር ኣባላት ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳ ከምዝለገሱን፡ እዚ ቅዱስ ማሕበርን ከምኡ እውን ናይ ቅዱሳት ምስጢራትን ስርዓተ ኣልዀን ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር  ኣብ 1969 ዓ.ም. ብውሳኔ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝቖመ ምዃኑ ዘኪሮም ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ቀንዲ ዕላማኡ ነቶም ብተኣማንነት ንኽርስቶስ ዝሰዓቡን ዘገልገሉን ቅድስናኦም ኣፍልጦ ዘውህብ ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም፥

ቅዱሳት ናይ ዕለታዊ ሕይወት ድኻም ምኵራት እያቶም

እዚ ቅዱስ ማሕበር’ዚ ካብ ዝቐውም ኣትሒዙ ናይ ብዙሓት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ተክለ ሰብነትን ገድለ ቅድስናን ታሪኽ ሕይወትን መንፈሳውነትን ኣጽኒዑን ከም ናይ ክርስትና ሕይወት ኣብነትን ምዕዶን ብኵላውነት ደረጃ ዘቕረበ እዩ። ኣዋጅ ብፅዕናን ቅድስናን፡ ብፁዓትን ቅዱሳትን ዘይብጽሑ ዘይኰኑስ ሰባት ከማና ንኣና ቀረባን ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ዘሰንዩናን ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶም ዲልን ውድቀትን ኵሉ ሓይሊ ካብ ክርስቶስ ረኺቦም ናይ ሕይወት ጉዕዞኦም ዝፈጸሙ እያቶም እክብሉ የረድኡ።

ነፍሲ ወከፍ ቅዱስ ትስብእቲ ሓደ ናይ ወንጌል መዳይ እዩ

ቅዱስነቶም ነፍሲ ወከፍ ቅዱስ ናይ እግዚኣብሔር መደብ ዝውክልን ኣብ ሓደ ታሪኻዊ ኩነት ታሪኽ ትስብእቲ ሓደ ናይ ወንጌል መዳይ እዩ። ስለዚህ ኣብ ቅድመና ዝተፈላለየ ናይ ቅድስና ስነ ዓይነትን ስነ ኣብነትን ዘቕርቡ እያቶም። ብኻልእ መዳእ እውን ቅድስና ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወት ዘሰንይን … ብዙሕ እዋን ብትሕትናን ብዘይ ረኣዩለይን ስምዑለይን ብዝንበር ቅዱስ ሕይወት ብዝግለጽ ኣገባብ።

ኣብ ቅድሚ ናይ ክርስቲያን ቅኑዕ ትጽቢት፥ መዓልቦነትን ጽንዕናን

ቅድስና እውነተይና ናይ ቤተ ክርስቲያን መብራህቲ እዩ፡ ስለዚህ ብዝተፈላለየ ኣብነት ዝግለጽ ገድለ ቅድስና ብጥብቂ ምልላይን ምጽራይን ምምርማን ዝሓትት እዩ፡ ብፍላይ እቲ ብትሕትና ዝንበር ገድለ ቅድስና።

ኣማኸርቲ መገልገልቲ ሓቂ ክዀኑ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳ፡ ኣባላት ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ብዘለዎም ዝተፈላለየ ሓላፍነት እቲ ብፁዕን ቅዱስን ተባሂሉ ክእወጅ ንቤተ ክርስቲያን ዘቕርብዎ ሕቶ ብፅዕናን ቅድስናን ርጉጽን ምሉእን ክኸውን ኣለዎ፡ ስለዚህ መገልገልቲ ሓቂ ክዀኑ ይግባእ ቢሎም፡ እቲ ዘካይድዎ መርመራ ድዩ መጽናዕቲ፡ ታሪኻውን ቲዮሎጊያውን ስነ ሜላውን ዝኽተልን ብምሉእ ናይ ሕሊና ናጽነት ዝፍጸም ዕዮ እዩ።

ንናይ ኣዋጅ ብፅዕናን ቅድስና መሰረታዊ መርትዖ ዘቕርቡ ኣካላት

እቶም ንናይ ኣዋጅ ብፅዕናን ቅድስናን መሰረታዊ መርትዖታት ዘቕርቡ ካብ ቁሳውን ኤኮኖሚያውን ርእየትን ካብ ናይ ውልቃዊ  ወይ ምርግጋጽ ገዛእ ርእሳውነት ዝረሓቑ ኰይኖም እቲ ናይ ብፅዕናን ቅድስናን ኣዋጅ ኪደት ቤተ ፍርዳዊ ከሂሎት ዘይኰነ መንፈሳውነት ምዃኑ ኣጽኒዖም ዘስተውዕሉ ክዀኑ ሓደራ ይብሉ።

ቅድስና ናይ ቤተ ክርስቲያን ነፍሲ እዩ

ቅዱነቶም ኣስዒቦም፡ እቲ ቅዱስ ማሕበር ዘቕርቦ ኣገልግሎት፡ ቅድስና ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕመረት ካብ ዝብል ዓሚዩቕ ኣፍልጦ ተበጊሱ ናይ ነፍሲ ወከፍ ጸጋ ጥምቀት ናይ ዝተቐበለ ኵሉ ጸዋዕታ ምዃኑ ኣልጦ ዝህብ ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃአ ምዕዳን ኣጠቓሊሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ክቡራት ሰማዕትና ናይዚ ቅዱስ ማሕበር ወግዓዊ ኣድራሻ ድረገጽ http://www.causesanti.va ዝብል ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንሕብር።

ር.ሊ.ጳ.፥ ቅድስና ኣብ ታሪኽ ዝተሰግወ ቃል እግዚኣብሔር እዩ
14 December 2019, 17:17