ድለ

ወለድን ውሉድን ኣብ ሥድራ ቤት ብወንጌል ይመርሑ! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት 29 ታሕሳስ 2019 ዓምፈ በዓለ ቅድስት ሥድራ እውን ብምንባሩ ቅ.ኣ.ርሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ልሙድ ጉባኤ ኣስተምህሮ ሰንበት እንከቅርቡ ‘ኢየሱስን ማርያምን ዮሴፍን ንሥድራቤታትና ኣብነት ቅድስና ክኾኑና ይኽእሉ’ እዚ ከኣ ከምኦም ንፍቃድ እግዚአብሔር እንተተኸቲልና ወለድን ውሉድን መንገዲ ቅድስና ክኽተሉ ይኽእሉ ምስ በሉ ምናዳ ሎሚ ናይ ኢድ ተለፎን ሒዝካ ኣብ ገዛ ናይ ቤተክርስትያን ጸጥታ ዝመስል ሰፊኑ ክትርኢ በጃኹም እባ ኣዕልሉ ክትብል ትድረኽ ምስ ርሑስ ሓዲስ ዓመት ንኩልና ተመንዮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ሥድራቤት ቅድስና ከምዝከኣል ቀዳማይ ኣብነት እታ ናይ ናዝሬት ሥድራ ብኢየሱስን ማርያምን ዮሴፍን ዝቆመት ኰይና ነፍሲወከፎም ብዝተወሃሃደ መንገዲ ነንሕድሕዶም እናተሓጋገዙ ፍቃድ እግዚአብሔር ፍጹም ብዝኾነ መንገዲ ብኣዎንታ መሊሶም ክብሉ ኣስተምህሮም ዝጀመሩ ቅዱስነኦትም ቅድስት ሥድራ ናዝሬት ኣብነት ናይ ኩሉ ምዃኖም እዚ ቅድስና እዚ ጸጋ ኰይኑ ከኣ ነቶም ንመደብ ኣምላኽ ማለት ፍቃድ ኣምላኽ ብፍጹም ተኣዛዝነት ዝግዝኡ እዩ ኢሎም። እዚ ተኣዝዞ እዚ ብምሉእ ነጻነት ዝግበር ምርጭእ ኰይኑ ሓላፍነትካ ምልባስ እውን ስለዝኾነ ቅድስት ሥድራ ምሉእ ብምሉእ ብፍቃድ እግዚኣአብሔር ተመላሊሳ ቅድስት ከኣ ኰይና ኢሎም። ኣብዚ ነፍሲወከፎም ነናቶም እጃምን ዕዮ ገዛን ብምሓዝ ብምሉእ ልቦም ዘለዎም ኩሉ ኣበርኪቶም።

ጣዕሚ እታ ባርያ እግዚአብሔር ዝኾነት ድንግል ማርያም!

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ማቴዎስ ኰይኑ ድሕሪ ምብጻሕ ሰብኣ ሰገል መልኣኽ ንዮሴፍ ሄሮዱስ ነቲ ሕጻን ክቀትሎ ይደሊ ስለዘሎ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ንምድሪ ግብጸም ህደም ዝበሎን ህልቂት ሕጻናትን ስደት ግብጽን ዘመልክት ነበረ። እታ መልኣኽ ከብሥራ እንከሎ እነኹ ባርያም እግዚኣአብሔር ከምዝበልካያ ይኹነለይ ዝበለት ሕጂውን ኣሜን ኢላ ምሳኡ ትብገስ።

“ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ዕብየት እኖና ድንግል ማርያም እንክዛረብ ኣዲኡ ብዛዕባ ምዃና ዘይኮነ ንቃል ኣምላኽ ሰሚዓ ብምእዛዛ ምዃኑ ነታ ዝጾርትካ ማሕጸን ዘጥበዋኻ ኣጥብኣት ብፁዓን እየን ኢላ ዝጨረሐት ሰበይቲ እንክምልሰላ ‘ብፁዓትሲ እቶም ንቃል ኣምላኽ ሰሚዖም ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ እዮም’ ክብል ነዚ ከኣ ማርያም ቀዳመይቲ ከምዝኾነት የመልክት። እኖና ድንግል ነገራት እንተኸቢዶማ ምርዳእ እንተጸጊምዋ ብጽምዋ ተስተንትን ነቲ መለኮታዊ ተበግሶ ከኣ ክብርን ምስጋናን ተቅርብ። እቲ ኣብ እግሪ መስቀል ኰይና ንኩሉ ኣብ ልባ ሒዛ ተስተንትኖ ዝነበረት ዝለዓለ ጥርዚ ተኣዝዞኣን ንኣምላኽ ምውፋያን የመልክት ቅዱስ ዮሴፍ እውን ካብ ናታ ብዘይፍለ ብሱቚታ ይእዘዝ።”

ተኣዝዞን ሱቊታን ቅዱስ ዮሴፍ!

ኣብ ወንጌል ቅዱስ ዮሴፍ ተዛሪቡ ዝብል ኣይንረክብን ዝተባህሎ ገበረ ተኣዘዘ ዝብል ንረክብ። ብሱቊታ ንፍቃድ ኣምላኽ ይሰምዕ ምንም ዕንቅፋት ኣይፈጥርን ምሉእ ብምሉኡ ከኣ ብትሕትና ይእዘዝ። ናይ ሱቊታን ተኣዝዞን ሰብ ነበረ። ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ጥራይ እንተስተውዓልና ደጋጊሙ ንድምጺ ጐይታ ክሰምዕን ክእዘዝን ንምልከቶ። ናብ ግብጺ ህደም ይብሎ እቲ ግዜ ምስ ኣኸለ ከኣ ናብ እስራኤል ተመለስ ይብሎ ከምታ ዝተባህለቶ ከኣ ይገብር።

“ኣብቲ ብመልኣኽ ዝቀረቦ መሪሕነት እግዚአብሔር ምሉእ ብምሉእ ተኣማሚኑኸስ ቅዱስ ዮሴፍ ንሥድራቤት ካብ ሓደጋ ሄሮዱስ ኣህዲሙ የድሕን። ቅድስት ሥድራ ምስቶም ኩሎም ኣብ ዓለምና ዝስደዱ ሥድራቤታት ብምድንጋዝ ነቶም መረበቶም ዓዶም ብሰንኪ ጭቆናን ተጽዕኖን ዓመጽን ውግእን ዝሓድጉ ምስ ኩሎም ይደናገጹን ይደጋገፉን። ብሣልሳይ ደረጃ ከኣ ካልኣይ ኣካል ቅድስት ሥላሴ ዝኾነ ኢየሱስ ፍቃድ ኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ብተኣማንነት ብምፍጻም ፍቃድ ኣቦ ባዕሉ ይኸውን።”

ፍቃድ እግዚኣአብሔር ኣብ ኢየሱስ እዩ!

ኣብ መወዳእታ እቲ ሣልሳይ ኣካል ቅድስት ሥላሴን ቅድስት ሥድራን ዝኾነ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ኢየሱስ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ኣብኡ ኣይፋል ትብል ምንም ኣይተረኽበተን ንኩሉ ሓራይ ብምባል ሰብ ካብ ምዃን ጀሚሩ ማለት ንመልኮታውነቱ ገዲፉ ሰብ ንክኸውን እንክእዘዝ ነዚ ከም ክብሪ ከይረኣየ ሓራይ ኢሉ እንትርፊ ብሓጢኣት ብካልእ ብኩሉ ንኣና መሲሉ ብተኣዝዞን ብትሕትናን ተመላሊሱ ኣብ መወዳእታ እውን ነታ ኣብ መስቀል ተሰቂልካ ሙማት እሺ ሕራይ ኢሉ ተቀቢሉ። እታ ንምርዳኣ ክብድ እትብሎ ኣብ ቤተመቅደስ ሠለስተ መዓልቲ ጠፊኡ ደልዮም ምስ ረኸብዎ ንእኖኡ ማርያም ንዝሃቦ መልሲ ቅዱስነቶም ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ።

“ብፍርሂ ተዋሒጦም ብጣዕሚ ተሻቂሎም ክደልይዎ ቀንዮም ምስ ረኸብዎ ‘ስለምንታይ ተናድዩኒ ኣብ ናይ ኣቦይ ጉዳይ ክህሉ ከምዘሎኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም’ ዝበሎ ከምቲ ሓዋርያት መግቢ ከቅርቡሉ ምስ ሓተትዎ `መግበይ ፍቃድ እቲ ዝለኣኸኒ ምፍጻም እዩ’ ብማለት እንከራጉዶ ብዝለዓለ ጥርዙ ከኣ ኣብ ጌተሰማኒ ኣብ ኣታኽልቲ ዓውሊዕ ‘ኦ ኣቦይ እዚ ጽዋዕ እዚ ከይሰተኽዎ ዘይሓልፍ እንተዀይነ ፍቃድካ ይኹን’ እንክብል ኢየሱስ ፍቃድ ሰማያዊ ኣቦኡ ምዃኑ ኣብሪሁልና። እሞኸ ደኣ ናይ ሎሚ ሥድራቤታት እንታይ ይገብራ እንተኢልና ኣብነት ቅድስት ሥድራ ይከተሉ ከመይ እንኮ ኣብነት ሥድራቤት ቅድስት ሥድራ እያ ኢሎም።”

ቅድስት ሥድራ ኣብነት ንሥድራቤት ሎሚ!

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ንሥድራቤታት ሎሚ ዝዓበየ ኣብነት ዝኸውን ምናዳ ኣብ ፍቃድ እግዚአብሔር ምቅባል ንወለድን ውሉድን ናይ ዘመንና ሓንቲ ንእሽቶ ዕዮ ገዛ ብምሃብ ኣብነት ቅድስት ሥድራ ክኽተሉ ሓደራ ይብሉ።

“ነዛ ሥድራ ዘቆሙ ሠለስት ነገራት መድብ እግዚአብሔር ኣብ ሥድራቤትና ክንፈልጥ ይሕግዙና። ጸሎት ሥራሕ እሂን ምሂን ምባል። ቅድስት ሥድራ ትጽሊ ትሰርሕ ተዕልል ነበረት። ሓደ ሕቶ ይቅጀለኒ ንስኻ ንስኺ ክትዋሳእ ትኽእልዶ ወይስ ከምዞም ናይ ዘመንና መንእሰያት ናይ ኢድ ተለፎን ሒዝካ ምስ ካልኦት ትጸሓሓፍ! ኣብ ምሳሕ ሓቢሮም ኰፍ ኢሎም እንክበልዑ እቲ ጸጥታ ኣብ ቅዳሴ ዘለው ይመስል። ንነሕድሕዶም ኣይዘራረቡን። ሓደራ ኣብ ሥድራቤት ዘተ ዳግም ነበራብሮ። ወለዲ ኣቦታት ኣደታት ኣቦሓጎታት ውሉድ ኣሕዋት ክዋስኡ ኣለዎም። ሃየ እምበአር ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ነዚ ዕዮ ገዛ ኣብ በዓል ቅድስት ሥድራ ሂበኩም ኣሎኹ ማርያም ንቅድስና ሥድራ ትሓግዘና ምናዳ ነቶም ብሥቃይን ፈተናን ዝሽገሩ ክትድግፎም ናብኣ ኣማዕቊቦም ኢሎም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ዓደሉ።”

ኣብ ጐድኒ ግዳያት ዓመጽ ሶማልያ!

ቅዱስነቶም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ኣዕሪጎም ብዝተፈላለለየ ቋንቋንታት ሰላምታ ኣቅሪቦም ነቲ ብቋንቋ ጣልያን ዝሃብዎ ትምህርቲ ሕጽር ብዝበለ ኣገባብ ንኩሎም ምስ ኣካፈሉ ነቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ሃገር ሶማል መቃዲሾ ዘኸተሎ ሞትን መቊሰልትን ብምውጋዝ ንግዳያትን ቤተሰብን ቅርበቶም ብምግላጽ ንዝዛዘም ዓመተ 2019 ንእግዚኣአብሔር ምስጋና ክነቅርብ ንዝመጽእ ዓመተ 2020 ዓመተ ምሕረት ፈረንጂ ከኣ ሠናይ ምንዮት ብምግላጽ እንደገና ናብ ጉዳይ ስድራ ምልስ ኢሎም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሥድራ ቤት ንዋሳእ ሓደ ምስቲ ካልእ እሂን ምሂን ንበሃል እንክብሉ ናይ ዕለቱ መደብ ዛዘሙ።  

ብድምጺ ንምክትታል!
30 December 2019, 19:33