ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምግላጽ ናጽነት ከም ሰብ ንኽትዓብይ ዝድግፍ ቅድመ ኩነት እዩ ፍራንቸስኮ፥ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምግላጽ ናጽነት ከም ሰብ ንኽትዓብይ ዝድግፍ ቅድመ ኩነት እዩ 

ፍራንቸስኮ፥ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምግላጽ ናጽነት ከም ሰብ ንኽትዓብይ ዝድግፍ ቅድመ ኩነት እዩ

ኣብ 2020 ዓ.ም. ዕለት 14 ግንቦት ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ሕንጸት ውዕሊ ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ናይ ኣቢያተ ትምህርቲ መረብታዊ ተራኽቦ ቅነ ክበዓል ከምዝዀነን እዚ ኣብ መንጐ ወለዶ ብሕንጸት ዝተሰነየ ሕንጸት ማንም ዘይንጽልን ክፉትን ምዃኑ ንምምስካርን

ዕለት 13 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሕንጻ ቅዱስ ካሊስቶ ናይቲ ኣብ 190 ሃገራት ዝተፈላለየ ዝርጋሔ መደብ ሕንጸት ዘሳልጥ ናይ ሕንጸት መደብ ብሉጽ ክኸውን ዝድግፍ ናይ ኣቢያተ ትምህርቲ መረብታዊ ተራኽቦ ጳጳሳዊ ውድብ ዋና ቤት ጽሕፈት መሪቖምን ባሪኾምን ከምዝኸፈቱን ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ምረቓ ስነ ስርዓት ናይ ሓሙሽተ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ቀዳሚያን እመቤት ከምእተሳተፋ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ኣባላት ሕንጸት ናይ ኣቢያተ ትምህርቲ መረብታዊ ርክባት ጳጳሳዊ ውድብ ካብ ጃፓንን ኣርጀንቲናን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስራኤልን ሞዛምቢክን መክሲኮን ስፐይንን ኢጣሊያን ዝመጹ ክዀኑ እንከለዉ፡ እቲ ቅዱስነቶም ምስቶም መንእሰያት ዘካየድዎ ርክብን ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳንን ብምስማዐ ርእየት እውን ብዙሓት መንእሰያት ዝተፈላለያ ሃገር ከምዝተኻታተልዎን፡ በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ንቕዱስ ኣቦና ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ማዕርገ ክህነቶም ናይ እንቋዕ ሓጐሰኩም መልእኽትን መግለጽታትን እውን ከምዝበጽሖም ራቪያርት ገሊጾም።

ውድብ መረብታዊ ርክባት ኣቢያተ ትምህርቲ፡ ናጽነት ዝፈጥር እምበር መጋበርያ መስድዒ ሃይማኖት ኣይኰነን

ኣብቲ እቲ ናይ ውድብ መረብታዊ ተራኽቦ ኣቢያተ ትምህርቲ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ናይ ምኽፋት ስነ ስርዓት ንዝመጽእ ዘሎ 2020 ዓ.ም. ናይቲ ውድብ መራሓ ግብሪ እውን ብወግዒ ከምዝቐረበን፡ ኣብ 190 ሃገር ዝርክብን 500 ኣቢያተ ትምህርቲ ዝሓቁፍን ከምዝዀነን ቅዱስነቶም እዚ ውድብ’ዚ መጋበርያ መስድዒ ሃይማኖት ዘይኰነስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ሰብ ዘሎ ናጽነት ዘቃልሕን መጻኢ ዝሓንጽን ዝፈጥርን እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ራቪያርት ኣስዒቦም፡ ነቶም ኣብቲ ናይ ምረቓ ስነ ስርዓት ንዝተረኽቡ ሰብ ትካላትን ካብ ኣርጀንቲናን ብራዚልን ኮሎምቢያን ፓራጉዋይን በሊሰን ዝመጻ ቀዳማውያን እመቤት ስለ ምርኻበንን ድጋፈንን ኣመስጊኖም ሰላምታኦም ከምዘቕረቡን፡ እቶም ሰብ ትካላታን ቀዳማውያን እመቤት ነቲ ቅዱስነቶም ገና ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ቦንሰስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ነተን ኣብ ድኻታት ሃገራት ዝርከባ ኣቢያተ ትምህርቲ ምስቲ እዋናዊ ናይ መራኸቢ ብዙሓንን ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ምዕባለ ክላለያን ናይዚ ምዓበለ’ዚ ተቛደስቲ ክዀና ንምድጋፍ ኣሚቶም ዘበገስዎን ሎሚ ጳጳሳዊ ስልጣን ዘለዎ ንኽኸውን ዘብቅዕዎ ንዘሳልጦ መደባት ዘነቃቕሓን ድጋፍ ዘቕርባ እውን ከምዝዀና የዘኻኽሩ።

መሃዛዊ ህርመት ግጥሚ

እቲ ውድብ መሃዝነት ዘተባብዕ ከምዝዀነ እቶም ኣባላት ተመሃሮ ከምዝገለጹን፡ እዚ ናይ መሃዝነት ገጣምነቶም ኣብ ምፍጻም ንበይኖም ከምዘይኰኑ ቅዱስነቶ ኣረጋጊጾም፡ ብቐረባ ከምዝከታተልዎምን ድጋፎም እውን ከምዘቕርቡን፡ ኣብ ሓደ መስርሕ ንኽዕጸው ዘይኰነ ብመሃዝነት ብቕዓት ንቕድሚት ዝስጉም እዩ ቢሎም፡ ሰብኣዊ ፍጥረት መሃዝነቱ ንኽነብር ዝተጸውዔ እዩ፡ እንተዘይኰነ ዘይዓብይን ዘይስጉምን ኰይኑ እዩ ዝተርፍ ከምዝበሉ ዝገለጹ ራቪያርት ኣተሓሒዞም፡

ኣብ ሎስ ኣንጀሎስ ናይቲ ውድብ መበል 14 ዓለም ሓቆፋዊ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ምረቓ

ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ናይታ ከተማ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኽሰ ሆራሲዮ ጎመዝን ናይታ ከተማ ከንቲባ ኤሪክ ጋርቸቲን ኣብ ዝተረኽብሉ ስነ ስርዓት መበል 14 ናይ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ተራኽቦ ቤት ጽሕፈት ተመሪቑ ከምእተኸፈተን ኣብቲ ናይ ምረቓ ስነ ስርዓት ቅዱስ ኣቦና ብምስማዐ ርእየት ከምእተሳተፉን ዕለት 22 ሕዳር 2019 ዓ.ም. እውን ተመሳሳሊ ቤት ጽሕፈት ኣብ ጃፓን ተመሪቑ ኣገልግሎት ክህብ ከምዝጀመረን፡ ኣብ 2020 ዓ.ም. ዕለት 14 ግንቦት ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ሕንጸት ውዕሊ ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ናይ ኣቢያተ ትምህርቲ መረብታዊ ተራኽቦ ቅነ ክበዓል ከምዝዀነን እዚ ኣብ መንጐ ወለዶ ብሕንጸት ዝተሰነየ ሕንጸት ማንም ዘይንጽልን ክፉትን ምዃኑ ንምምስካርን ኩሉ ናይ ሕንጸት ኣካልን ተዋሳእን ተቐባልን ክኸውን ዝብል ዘተ ክህሉ ዘነቓቕሕ እውን ምዅኑ ኣፍሊጦም።

ፍራንቸስኮ፥ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምግላጽ ናጽነት ከም ሰብ ንኽትዓብይ ዝድግፍ ቅድመ ኩነት እዩ

Photogallery

ፍራንቸስኮ፥ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምግላጽ ናጽነት ከም ሰብ ንኽትዓብይ ዝድግፍ ቅድመ ኩነት እዩ
14 December 2019, 17:23