ድለ

Delegation of Human Brotherhood in New York Delegation of Human Brotherhood in New York  

ዕለት 4 ለካቲት ዓለም ሓቆፍ ዝኽሪ መዓልቲ ሕውነት ተባሂሉ ክዝከር ር.ሊ.ጳ.ን ኣል ጣይብን

ዕለት ኣርባዕተ ለካቲት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕውነት ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን ዝብልን ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ምስ ቅድስቲ መንበርን ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ብምትሕብባር ዛዕባ ሰብኣዊ ሕውነት ዝመክር ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ክጽዋዕ ዝብል ሕቶ እውን ዘጠቓለለ ከምዝዀነ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብ ዕለት 4 ለካቲት ዓለም ሓቆፍ ዝኽሪ ሕውነት ተባሂሉ ክበዓል ንናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ሕቶኦም ከምዘመሓላለፉን እቲ ዘቕረብዎ ሓሳብ እቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዝብል ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ ከም ሓሳብ ዘቕርቦ ክኸውን እንከሎ፡ ብጃካ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ መዓልቲ ሕውነት ዝዝከረሉ ዕለት ክውሰን ዘቕረብዎ ሕቶ ዓለም ሓቆፍ ዛዕባ ሰብኣዊ ሕውነት ዝመክር ዓውደ ጉባኤ እውን ክካየድ ዝብል ሓሳብ ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ቅዱስነቶምን ኣል-ጣይብን ብሓባር ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ ዘቕርቦም ፥ ዓለም ሓቆፍ ሰላምን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ዝብሉ በቐዳምነት ዘመላኽቶ መዓልቦ ተበጻሒ ክኸውን ዝዓዪ ናይ ዝተመዘ ላዕለዋይ ሽማግለ ኣባላት ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣዩስ ጉይክሶትን ናይ ሕጊ ሊቅን ዳይናን ሙሓማድ ኣብድ ኣል-ሳላም ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኣል-ጣይብ ሕቶ ኣብ ነው ዮርክ ንውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ከምዘረከቡን፡ እቲ ዘቕረብዎ መልእኽቲ ዕለት ኣርባዕተ ለካቲት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕውነት ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን ዝብልን ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ምስ ቅድስቲ መንበርን ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ብምትሕብባር ዛዕባ ሰብኣዊ ሕውነት ዝመክር ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ክጽዋዕ ዝብል ሕቶ እውን ዘጠቓለለ ከምዝዀነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ የድንቅን ተሓባባርነቱ እውን የረጋግጽ

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ምግልጋል ዝብል ምንቕቓሕን ዕዮን ዘለዎ ኣገዳስነት ገሊጾም፡ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣል-ጣይብን ዘቕረብዎ ሓሳብ ንኢዶም ንተበግሶታቱ ምሉእ ምትሕብባር ክገብሩ ምዃኖም ከምዘረጋገጹን፡ ናይ ጽልእን ግብረ ምንጻት ዓሌት ጉዳይ ኣብ ዝከታተል ተልእዀ ንጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ጉተረስ ፍልዩ ኣማኻሪ ኣዳማ ዲየግ እዚ ብር.ሊ.ጳ.ን ኣል- ጣይብን ዝቐረበ ሓሳብ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝካየድ ጐስጓስ ክመርሑን ብዛዕባኡ ምስ ናይ  መላእ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንኽመያየጡሉ ሓላፍነት ከምዝሃብዎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

እቲ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣሕማድ ኣል-ጣይብ ኣብ ኣቡ ዳቢ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ናይ ሓባር ሰነድ ዘንበሮም ሸቶታት ንተበጻሕነቶም ዝዓዪ ላዕለዋይ ሽማግለ ዝሓለፈ ዕለት 20 ነሓሰ 2019 ዓ.ም. ከምዝቖመን፡ ምስ ዝተፈላለይ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይክሶት ዝምራሕ ኰይኑ ካብ እምነት ክርስትናን ሃይማኖት ምስልምና ቤተ ኣይሁድን ዝተዋጽኡ ኣባላት ዝሓቁፍ ምዃኑ የዘኻኽር።

ዕለት 4 ለካቲት ዓለም ሓቆፍ ዝኽሪ መዓልቲ ሕውነት ተባሂሉ ክዝከር ር.ሊ.ጳ.ን ኣልጣይብን ዘቕረብዎ ሕቶ
06 December 2019, 17:11