ድለ

በዓቲ ልደት ገርሀይና ምልክት ሰላም እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ነቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ንምስትምሃር ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ንዝጽበይዎም ዝነበሩ ተዘዋዊሮም ሰላም ኢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ምስ ሃቡ ካብ ወንጌል ሉቃስ 2.15-17 `መላእኽቲ ኃዲጎምዎም ናብ ሰማይ ምስ ወጽኡ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም ``እምበአርከስ እዚ እግዚአብሔር ዝገለጸልና ክውን ነገር ክንርኢ ናብ ቤተልሔም ንዑናይ!``ተበሃሃሉ። ተቀላጢፎም እውን ከዱ። ንማርያምን ንዮሴፍን እቲ ሕጻን ከኣ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱን ረኸቡዎም። ምስ ረኣይዎ ድማ ነቲ ብዛዕባ እዚ ሕጻን እዚ ዝተነግሮም ኣውረዩ’ ዝብል ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳ ምስ ተነበ ነዚ ዝስዕብ ኣስተምህሮ ብቋንቋ ጣልያን ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ድሕሪ ሓደ ሶሙን ልደት ክነብዕል ኢና። ኣብዘን ዕለታት እዚኤን ንበዓለ ልደት ክንሰናዶ ላዕልን ታሕትን ኣብ ንብለሉ ዘሎና ግዜ ‘ነዚ ክኸብር ዘለዎ በዓለ ልደት ብከመይ እሰናዶ ኣሎኹ! ኢልና ክንሓትት ንኽእል። ካብተን ገርሀይናታት ብቅልጡፍ ዝግበራ በዓቲ ልደት ምስንዳው እዩ። ኣነ እውን ሎምዘመን ነዛ ኣገባብ እዚኣ ስዒበ! ናብቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ንመጀመርያ ግዜ በዓቲ ልደት ዝገበረሉ ቦታ በጺሔ ምስቲ ኣባኡ ዘሎ ህዝቢ እውን ተራኺበ። ኣብኡ ኰይነ ከኣ ትርጉም ናይዚ ልማድ እዚ ንምዝኽኻር ማለት በዓቲ ልደት ኣብ ዘመነ ልደት ትግርጉሙ እንታይ ምዃኑ ንምግላጽ መልእኽቲ ጽሒፈ።

ኣብታ ዝጸሓፍክዋ  መልእኽቲ ‘በዓቲ ልደት ከም ሕያው ወንጌል እዩ’ ኢለ ጽሒፈ። ንወንጌል ኣብቲ እንነብረሉ ቦታት ማለት ገዛውትና ኣብያተ ትምህርትና ኣብ ቦታ ሥራሕስ ይኹን ኣብ እንራከበሉ ቦታታት ኣብ ሆስፒታላትስ ይኹን መዕቀቢ ኣረጋውያን ኣብ ቤትማእሰርትስ ይኹን ኣብ ቅርዓታት ንወንጌል የምጽእ። ኣብዚ ኢና እምበኣር ሓደ መሠረታዊ ዝኾነ ነገር እንዝክር፡ እዚ ከኣ እግዚኣአብሔር ኣብ ሰማየ ሰማያት ተሓቢኡ ዘይረኤ ኰይኑ ከምዘይተረፈ እንታይ ደኣ ናብ መሬት መጺኡ ሰብ ኮይኑ ሕጻን ኰይኑ። በዓቲ ልደት ምስንዳከስ ንቅርበት እግዚኣአብሔር ምብዓል እዩ። እግዚአብሔር ወትሩ ኣብ ጥቃ ሕዝቡ እዩ ነሩ ብምሥጢረ ሥጋዌ ሰብ ምስ ኮነ ግን ብጣዕሚ ቀሪቡ በዓቲ ልደት ከኣ ነዚ ቅርበት እግዚኣአብሔር ምኽባር እዩ። እግዚአብሔር ብሓቂ ከምዘሎ ዝጭበጥ ዝረአ ሕያው ከምዝኾነ ምብዓል ማለት እዩ። እግዚአብሔር ሓደ ኣብ ርሑቅ ዘሎ ካባና ዝተፈልየ ፈራዲ ጐይታ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ትሑት ፍቅሪ ኰይኑ ክሳብ ኣባና ወሪዱ። እቲ ኣብ በዓቲ ልደት ንዕዘቦ ሕጻንከስ ሕያውነት እግዚኣአብሔር የመሓላልፈልና። ገሊኦም ኣብቲ በዓቲ ልደት ዘቀምጥዎም ምስልታት ኢየሱስ ሕጻን ኢዱ ዝዘርገሐ ይርከቦም እዚ ከኣ እግዚኣአብሔር ንሰብኣውነት ሃንጐፋይ ኢሉ ክቅበልን ክሓቊፎን መጺኡ ንማለት እዩ። ኣብ ቅድሚ በዓቲ ልደት ደው ኢልካ ምስትንታንን ሕይወትካ ኣብ ኢድ ጐይታ ምምዕቋብን ብዛዕባ ካልኦት ሰባትን ኣብ ልቦም ዘሎ ኩነታትን ክተዕልሎን ናይዚ ዝውዳእ ዘሎ ዓመት ጸብጻብ ምሳኡ ክትገብርን ዘሎ ትጽቢታትን ሻቅሎታትን ምሳኡ ክተዕልልን ክንደይ ጥዑም እዩ።

ኣብቲ በዓቲ ኣብ የማነ ጸጋም ኢየሱስ ማርያምን ዮሴፍን ንምልከት። እቲ ሕጻን ኣብ ፍጹም ድኽነት ክውለድ እንከሎ እንታይ ይስምዖም ከምዝነበረ ክንግምት ንኽእል። ሓጐስ ኰይኑ ግን ማዕረ ማዕረኡ ፍርሃትን ጭንቀትን ሻቅሎትን ከምዝነበረ ርግጽ እዩ። ነዛ ቅድስት ሥድራ እዚኣ ኣብቲ ሓጐስን ሻቅሎትን ዝመልኦ ገዛና ነፍሲወከፍ ዕለት እንክነቅሕ ኣብ ጐድኒ እቶም እንፈትዎም ሰባት ኰና መግቢ ንምገብ። በዓቲ ልደትከስ ናይ ገዛ ወንጌል እዩ። በዓቲ ልደት ቃል ንቃሉ መብልዕ ማል እዩ እቲ መብልዕ ማል ዝርከባ ከተማ ግን በተልሔም ትበሃል ትርጉማ ከኣ ገዛ ህብስቲ እዩ። ስለዚኸስ መብልዕ ማልን ገዛ ህብስትን ይራኸቡ። እቲ ኣብ ገገዛና እንሃኣንጾ መብልዕ ማልከስ ነቲ ህብስተ ሕይወት ዝኾነ ክርስቶስን ፍቅሩን እንቋደሰሉ እዩ (ዮሓ 6.34)። ንፍቅርና ዝቅልቦ ንሱ እዩ! ንሥድራቤታትና ንቅድሚት ከምዝግስግሳን ንምምሕሓር ሓይሊ ዝህበንን ንሱ እዩ።

ብካልእ ወገን በዓቲ ልደት ኢየሱስ ካልእ ትምህርቲ ሕይወት እውን ይልግሰልና እዩ። ኣብዚ ናይ ወጥርን ጉያ ጉያን ሕይወት ዘመንና ሎሚ ከም ሎሚ ደው ኢልና ክነስተንትን ይዕድመና። ደው ኢልካ ዝግ ኢልካ ምስትንታን ዝህቦ ጥቅሚ የዘኻክረና። ከመይ ዝግ ኢልና ካብ ወጥርን ጉያ ጉያን ደው ኢልና ምስ እነስተውዕልን እነስተንትንን ጥራይ እዩ ነቲ ኣብ ሕይወትና ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ክንቅበል እንኽእል። ነቲ ኩሉ ዝርብሸና ናይ ዓለም ድምጺ ደገ ንግደፎ እሞ ነቲ ኣብ ጸጥታ ዝዛረበና እግዚኣአብሔር ጽን ንበል። በዓቲ ልደትከስ ሓቀኛ እዩ ናይ ነፍሲወከፍ ሥድራ ኩነት እውን ይገልጽ። ትማሊ ሓንቲ ምስሊ በዓቲ ልደት ሂቦምኒ! ንእሽቶ እያ ግን ‘ነታ ኣደ ክተዕርፍ ነፍቀደላ’ ዝብል ጽሑፍ ኣለዋ። ድንግል ማርያም ትድቅስ ዮሴፍ ንኢየሱስ ከድቅሶ ይቃለስ። ካባኻትኩም ክንደይ ኮን ትኾኑ ንዝበኪ ወይ እትበኪ ሕጻን ንምእባድ ንለይቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ትመቅሉ። እታ ኣደ ሃንሳእ ተዕርፍ ትደቅስ ናይ እትብል ሥድራ ሕያውነት ክትርኢ ክንደይ ደስ ዘይብል።

ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ዓለምና ክንደይ ኣዕናዊ ኣጽዋርን ክንደይ ናይ ሕልቂት ምስልታትን ኣብ ዘዘዋወረሉ ዘሎ ዘመንና በዓቲ ልደት ብግዲ የድሊ። ከመይ ገርሀይና ምልክት ሰላም እዩ። በዚ ከኣ ኢና ሕያው ወንጌል እንብሎ።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ካብ በዓቲ ልደት ትርጉም ሕይወት ብዓንዲ ርእሱ እንታይ ምዃኑ ክንመሃር ንኽእል። ኣብቲ በዓቲ ምስ እንዕዘብ ዕለታዊ ነገራት ማለት ጓሶት ምስ ኣባግዖም ኣንጠረኛታት ሓጺን ዝጸርቡ ባኒ ወይውን ቅጫ ዘሰናድው እቶናት ሓንሳእ ሓንሳእ ናይቲ እንነብረሉ ከባቢ ቦታታት ስእልን ልምድን እውን ንሕውሰሉ። እዚ ከኣ ቅኑዕ እዩ ከመይ ኢየሱስ ኣብ ከባቢ ይመጽእ ስለዘሎ እዩ። ምህናጽ ንእሽቶ በዓቲ ልደትከስ ኣድላዪ እዩ ከመይ ነቲ ኣብ መንጎና ዝመጸ ምእንታና ዝተወልደ ኣብ ሕይወት ከሰንየና ከማና ሰብ ዝኾነ ጐይታ ስለዘዘኻኽረና። ኣብ ዕለታዊ ናብራና በይንና ኣይኮናን ንሱ ወትሩ ምሳና ኰይኑ የሰንየና። ብተኣምር ንነገራት ኣይልውጥን ኰይኑ ግን ንኣኡ እንተደኣ ተቀቢልና ኩሉ ነገር ክልወጥ እዩ። ነዚ በዓቲ ልደት ኣብ ገዛውትኹም ምህናጸክስ ንኢየሱስ ኣብ ገዛኹም ናይ ምዕዳም ግዜ ክኾነልኩም እምነ። ኣብ ገዛውትና በዓቲ ልደት እንክንሓንጽ መዓጾ ገዛና ኣርሒና ንኢየሱስ ንዓ እቶ ኣብ ገዛና ከም እንብል ኰይኑ ነታ ንሱ ዘምጽኣልና ቅርበት ክውንቲ ንገብራ። ኢየሱስ ኣባና ከምዝነብር እንተገርናዮ ሕይወትና ዳግም ትውለድ በዚ ከኣ ብሓቂ ልደት ኣብዒልና ክንብል ንኽእል። ርሑስ በዓለ ልደት ንኩልኹም እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

18 December 2019, 16:06