ድለ

ከም ቅዱስ ዮሴፍ ብእግዚአብሔርን ሃንደበታዊ ሓልዮቱን ንተኣማመን! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 22 ታሕሳስ 2019 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ልሙድ ጉባኤ ኣስተምህሮ መልኣከ እግዚአብሔር ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ራብዓይ ሰንበት ዘመነ ምጽኣት ኣመልኪቶም ግደ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ታሪኽ ድሕነት ብምትንታን ከማኡ ንሕና እውን ብእግዚአብሔርን ሓልዮቱን ክንተኣማመን ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ንዕለቱ ዝቀረበ ቃል ወንጌል ካብ ማቴዎስ 1 ኰይኑ ብዛዕባ ኩነት ቅዱስ ዮሴፍን ብድንግልና ምጽናስ እግዚእትነ ማርያምን ዝምልከት ነበረ። ድንግል ማርያም ብሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ምስ ጸነሰት ቅዱስ ዮሴፍ ኩነታት ድንግል ማርያም ተዓዚቡ ጽንሲ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጸ ነቲ ርሕራሔ ዘይብሉ ሕጎም ኣሕሊፉ ክህባ ኣይደለየን ከመይ ጻድቅ ነበረ ይብል ቃል ኣምላኽ። ስለዚ ምስ ገዛእ ርእሱ ንክማጐት ኣብ ሕልናኡ ብዘቆሙ ቤትፍርዲ ምንም ከይበለ ወላ ንሓደ ከይነገረ ብምሥጢር ክፈትሓ እሞ ካብ ብዳርቢ እምኒ መቅተልቲ ንከድሕና በይኑ ኣብ ዝማጐተሉ ዝነበረ መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ድቃሱ መጺኡ ምንም ክስከፍ ከምዘይብሉ እቲ ጽንሲ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ከምዝኾነ እቲ ካብኣ ክውለድ ዘለዎ ኸኣ ንዓለም ዘድሕን ኢየሱስ ከምዝኾነ ነጊሩ ክሳብ ስሙ ኢየሱስ ክብሎ ከምዘለዎን ንድንግል ማርያም ምሳኡ ንምውሳድ ክስከፍ ከምዘይብሉን ምስ ነገሩ ብኡ ንብኡ ካብ ድቃሱ ምስ ተበራበረ ነግ ፈረግ ከይበለ ከምቲ መልኣኽ ዝኣዘዞ ከምዝገብረ ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል ነበረ።

ቅዱስነቶም ቅዱስ ዮሴፍ ነዚ ዝገበረሉ ምኽንያት እንክገልጹ ነቅ ዘይብል እምነት ኣብ እግዚአብሔር ስለዝነበሮን ኩሉ እግዚአብሔር ዝፈቅዶ ንሠናዩ ምዃኑ ስለዝፈልጥ ወላ ኣይረደኣዮ ካብ እግዚአብሔር ንዝመጸ ዝኾነ ነገር ብዘይውልውል ምቅባሉ የመልክት ኢሎም። ርግጽ እዩ ብሰብኣዊ ኣተሓሳስባ እታ ኩነት ብጣዕሚ ከባድ ኣሕፋሪት ክትርድኣ እውን ዘይከኣል ዕጽንቅቲ ምንባራ ኩሉ ዝርድኦ ጉዳይ ነበረ። እምነት ንዘለዎ ክንዮ ኩነታት ናይ እግዚአብሔር ሃንደበታዊ ምትእትታው ንዝጽበ ግን ዘጸገም ኣይነበረን። ኣተሓሳስባን ኩነትን ቅዱስ ዮሴፍ ከስ ነቲ ሃንደበታዊ ዝኾነ ሓልዮት ዝመልኦ መደብ እግዚአብሔር ንምቅባል ስንድዋት ክንከውን ብምምሃር ነቲ ናብ ቃለኣብ ዝኾነ ናብ ክርስቶስ ገጹ ዝመርሕ ጐዳና ልብናን ሃምናን ክንከፍት ይዕድመና ኢሎም። ጽድቂ ቅዱስ ዮሴፍ ኣምሳል ናይቶም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ስብከት ብፅዕና ‘እቶም ብመንፈስ ድኻታት ብፁዓን እዮም ከመይ መንግሥቲ እግዚአብሔር ናታቶም እያ’ ዝበሎ ኣብነት ኰኑ ወትሩ ፍቃድ እግዚአብሔር ክገብር ምስ ደለየ ነበረ።

ብመንፈስ ድኻ ዮሴፍ `ፍቃድ እግዚአብሔር ክፍጽም ሃረር ይብል’!

ሕፁይ ድንግል ማርያም ቅዱስ ዮሴፍ ምስ ዮሓንስ መጥምቅን እኖ ኢየሱስ ድንግል ማርያምን ብሓባር ኰይኑ ፍቃድ እግዚአብሔር ንክፍጽም ይቃለስ። ነዚ ከኣ ብሕልናኡ ምስ ማንም ከይተማኸረ ምንም ከይተዛረበ ብሱቚታ ክገብሮ ይመርጽ። ካብቲ ናይቶም ብመንፈስ ድኻታት ብፁዓን እዮም ክብል ኢየሱስ ዝነኣዶም ምልክታት ሓደኸስ እዚ እዩ። ከመይ ኩሉ ካብ እግዚአብሔር ምዃኑ ስለዚኣምኑ ብዘይፍቃድ እግዚአብሔር ዝፍጸም ምንም ነገር ከምዘየሎ ምሉእ ብምሉእ ስለዝተኣማመኑ ዝመጸ ይምጻእ ዋላ ኩሉ ከም ዓይኒ ዕንቊ ይጽበብ ቅጭጭ ከይበሎም ብምሉእ ምትእምማን ይጽበዩ። ጐይታ ኸኣ ነቶም ኣብኡ ዝውከሉን ምሉእ ተኣማንነቶም ኣባኡ ዘንብሩን ፈጺሙ ኣይሓድጎምን እኳ ደኣ ኣኻዕቢቱ ኣብዚ ምድሪ እዝስ ይኹን ኣብቲ ዝመጽእ ይፈድዮም። ጻድቅን ብፁዕን ስለዝኾነ ከኣ እዩ ንእኖና ድንግል ማርያም ክብራ ከይትንክፍ ኣብ ውርደትን ሕስረትን ከይትውረድ ብምስጋእ ብምሥጢር ክፈትሓ ዝሓሰበ።

ክብረታ ክሕሉ ብምሥቲር ክፈትሓ ይሓስብ!

ቅዱስነቶም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ብሰብኣዊ ኣተሓሳስብ እንክንምልከቶ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዘሕንኽን ዘሕፍርን ዘዋርድን ልዕሊ ኩሉ ከኣ በቶም ንሕጊ ንኽተል ኢና ዝብሉ ተጻራርነት ዘለዎ ዝመስል ፍጻሜ ዮሴፍን ድንግል ማርያምን እንክዝራቡ `ክልተ ሕጹያት ገና ከይተራኸቡ ድንግል ማርያም ነፍሰጾር ትኸውን። ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ እዚ ኩነት እዚ ግድን እዩ ክርበሽ ኰይኑ ግን ከምቲ ንሕና ደቂሰባት ክንገብሮ ካብ ንደናደን ናይ ሕርቃንን ቂመበቀልን ኣገባብ ማለት ነዚ ካብ ገበረት ኣነ ኸኣ ጉዳ ከጋልጽ እየ ደሓን ክትርእየኒ እያ ወይውን ከርእያ እየ ካብ ዝብል ንሕኒሕ ካልእ መንገዲ ይመርጽ ክብሪ ናይታ ኣፍቃሪቱ ክሕሉ ይመርጽ። ኣብ ኣደባባይ ወጺኡ ካብ ምኽሳስን ምክፋእን ብምሥጢር ንሱን ኣምላኹን ብዝፈልጥዎ መንገዲ ጥራይ ፈቲሐያ እየ ክብል ይውድእ። ከመይ ጻድቅ ነበረ። እንተዘየሎ ኣብ ቃልዕ ኣውጺኡ እንተከሲስዋ ኣብ ልዕሊ እታ ሕጽይቱ ዝወርድ ኣደራዕ ክሳብ ብዳርባ እምኒ ሞት ኣዳዕዲዑ ይፈልጦ ነሩ። ስለዚኸስ ሽሕ’ኳ ኣብ እኖና ድንግል ማርያም ሚእቲ ካብ ሚእቲ ተኣማንነት እንተነበሮ ከመይ ከምኡ እንተዘይከውን ከም ሕጽይቱ ኣይምተቀበላን ኩሉ ምስ መረሮ ነቲ ዝመረረ ምርጫ ዕረ እናጠዓሞ ይወስድ እዚ ከኣ ብዘይ ምንም ዕንቅፋት ብምሥጢር ምፍታሓ ነበረ።

“ኰይኑ ግን መልኣኽ እግዚአብሔር ጣልቃ ይኣቱ እሞ እዚ ንሱ ከም ፍታሕ ኢሉ ዘድይቦን ዘውርዶን ዘሎ ሻቅሎት ፍቃድ ኣምላኽ ከምዘይኮነ ይነግሮ። እኳ ደኣ ጐይታ ካልእ ሓዲስ መንገዲ ምትእኽኻብን ፍቅርን ሓጐስን ይኸፍተሉ። ንማርያም ምሳኻ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ ከኣ ይብሎ።”

እቲ መልኣኽ ንዮሴፍ ‘ንማርያም ምሳኻ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ’!

ነቲ ንመዓልታት ድቃስ ዝኸልአ ሻቅሎት ዮሴፍ ከም ኢምንት ቈጺሩኸስ መልኣኽ ናይ እግዚአብሔር ‘ዮሴፍ ንሕጽይትኻ ማርያም ምሳኻ ምውሳዳ ኣይትፍራህ። እቲ ካብኣ ዝውለድ ሕጻን ካብ መንፈስ ቅዱስ እዩ’ እንክብል ምንም ክጠራጠር ከይዘይብሉ ብምንጋን ቁርጹ ይነግሮ።

“ቅዱስ ዮሴፍ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ብእግዚአብሔር ይተኣማመን ነተን መልኣኽ ዝበሎ ቃላት ከኣ ብፍጹም ተኣዝዞ ይእዘዝ ንድንግል ማርያም ከኣ ምሳኡ ይወስዳ። እዚ ነቅ ዘይብል ምትእምማን እዚ ኸኣ እዩ ነቲ ብሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ኣሽንኳይ ክትቅበሎ ክትሓስቦ እውን ጽንኩር ዝኾነ ብምንም ተኣምር ዘይትርድኦ ነገር ንክቅበል ኣኽኢልዎ። በዚ ከኣ ቅዱስ ዮሴፍ ሓላውን ምድራዊ ኣቦን ኢየሱስ ይኸውን።”

ቅዱስ ዮሴፍ ሓላውን ምድራዊ ኣቦን ኢየሱስ!

ቅዱስ ዮሴፍከስ ነዚ ብኣተሓሳስባ ደቂሰባት ኣሽንኳይ ክትቅበሎ ክትሓስቦ ጽንኩር ነገር ብዓይኒ እምነት ይቅበሎ! ማለት እቲ ኣብ ማሕጸን እኖና ድንግል ማርያም ዘሎ ሕጻን ወዲ ከምዘይኮነ እንታይ ደኣ ወዲ እግዚአብሔር ከምዝኾነ ንሱ ዮሴፍ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ሓላፍነት ምድራዊ ኣቦነት ለቢሱ ክሕልዎ ከምዘለዎ ይቅበሎ።

“ናይዚ ትሑትን ጥበበኛን ሰብዚ ኣብነት ከስ ንጠመተና ሓፍ ክነብል እሞ ክንዮ እቲ ጸቢብ ኣተሓሳስባን ክንሰግር ይዕድመና። እዚ ከኣ ነቲ ወትሩ ክንዮ ዓቅምና ዝኾነ ሃንደበታዊ ዝመስል ሓልዮት ዝመልኦ ኣተሓሳስባ እግዚአብሔር ንምቅባል ካብቲ እንገብሮ ውሑድን ብዙሕን ውረድ ደይብ ሰግርና ንሓዲስ መንግድታት እግዚአብሔር ንኢየሱስን ንቃል ኣምላኽን ልብና ክንከፍት ይዕድመና። በዚ ከኣ ንኢየሱስ ኣብ መደባትናን ምርጫታትናን ንቅበሎ።”

ንኢየሱስ ኣብ መደባትናን ምርጫታትናን ንቀበሎ!

ኣብ መደምደምታ ትምህርቶም ቅዱስነቶም እኖና ድንግል ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ‘ነዚ ከድሕነና ዝመጽእ ዘሎ እሞኸኣ ኣብ መደባትናን ምርጫታትናን ክንቅበሎ ንዝሓተና ዘሎ ኢየሱስ ንምስማዕ ይሓግዙና’ እንክብሉ ልመናኦም ምስ ኣቅረቡ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ደጊሞም ሠናይ ልደት ብምምናይ ሓውርያዊ ቡራኬ ለጊሶም ኣሰናበትዎም። 

ብድምጺ ንምክትታል!

 

23 December 2019, 18:24