ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ እቲ ግሩም ዝዀነ ኣብ መብልዒ ማል ምርኢት ልደት ዘእግዚእነ

ምውላድ ኣብ መብልዕ ማል ዘእግዚእነ ዘርእይ ምርኢት ምቛም ዝብል ክርስቲያናዊ ባህሊ፡ ኣብ ኣባይቲ ትምህርትን ኣብ ናይ ዕዮ ቦታን ኣብ ኣደባባያትናን ኣባይቲ ሕክምናን ኣባይቲ ማሕቡስን ኣባይቲ ስድራን ዝቐውም ምርኢት ልደት ዘእዚግዚእነ ኣብ መብልዒ ማል፡ … ገና ብሕጻንነትና እንቕበሎ ባህሊ እዩ

እቲ ቅዱስ ፍርንቸስኮ ዘኣሲዚ ትርኢት ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዒ ማል ዘዘንትው ዘቖሞ ትርኢት ጥልቂ ትርጉሙን ዘመሓላልፎ መልእኽትን ዘብርህ Admirabile signum - ዘደንቅ ምልክታ ብዝብል ኣርእስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዕለት 1 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሰበኻ ግረቾ ሓውጾተ ኖልዎ ኣካይዶም ኣብ ፊት እቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘቖሞ ትርኢት ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል ከቲሞም ወግዓዊ ከምዝገበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሰርጆ ቸንቶፍንቲ ገሊጾም  ናይታ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ጽማሪ ከምዝስዕብ ነቕርበልኩም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ንሕዝበ ክርስቲያን ክቡር ዝዀነ ዝድነቕ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል ዘዘንትው ትርኢት፡ ወትሩ ኣግራሞትን ምድናቕን የነቓቕሕ፥ ብዝብላ ቃላት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ዛዕባ ትርኢት ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዒ ማል ዝገልጽ ኣብ ባህሊ ክርስቲያን ኣብ እዋን ልደት ዝቐውም ትርኢት ዘደንቕ ምልክት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣበጊሶም፡

ሓዋርያዊ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ኣገዳስነት ትርኢት ልደት ዘእግዚኣነ ኣብ መብልዕ ማል

ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል ዝትርኽን ነቲ ኵነት ንምዝንታውን ብዘይ ተሓላለኸ ኣገባብን ብሓሴት ምስጢረ ትስብእቲ ወልደ እግዚኣብሔር ምብሳር ዝብል እዩ፡ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል ከነስተንትን፡ ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኽራኸብ ሰብ ኰይኑን ብዝመጸ እግዚኣብሔር ትሕትና ዝተማረኸ መንፈሳዊ ጉዕዞ ንኽንፍጽም ይዕድመና፡ ንሕና ኣብኡ መታን ንኽንሓብር ንሱ ምሳና ክሳብ ምሕባር ኣፍቀረና፡ …  ምውላድ ኣብ መብልዕ ማል ዘእግዚእነ ዘርእይ ምርኢት ምቛም ዝብል ክርስቲያናዊ ባህሊ፡ ኣብ ኣባይቲ ትምህርትን ኣብ ናይ ዕዮ ቦታን ኣብ ኣደባባያትናን ኣባይቲ ሕክምናን ኣባይቲ ማሕቡስን ኣባይቲ ስድራን ዝቐውም ምርኢት ልደት ዘእዚግዚእነ ኣብ መብልዒ ማል፡ … ገና ብሕጻንነትና እንቕበሎ ባህሊ እዩ፡ ሕዝባዊ መንፈሳውነትና እዩ … እዚ ልምዲ ከይጐድል ሓደራ እብል።

ቅዱስ ፍራንቸስኮን ህያው መብልዒ ማልት ኣብ ግረቾን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፡ ምልስ ቢሎም መግለጺ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል ታሪኻዊ ኣበጋግሳኡ ተወኪሶም Praesepium - መብልዒ ማል ማለት እዩ፡ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ፥ እቲ ኣብ መብልዕ ማል ገዛእ ርእሱ ዘንበረ ኢየሱስ መግቢ ኰነና ዝበሎ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ጠቒሶም፡ ኣብ 1223 ዓ.ም. ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ዘበገሶ ህያው ምርኢት ልደት ዘእግዚእነ ክሳብ ሎሚ ዝቕጽል ዘሎ ናይ እምነትና ጽባቔ ብተራ ኩነት ዝምስክር ምዃኑ የብርሁ።

ንኡስ ብዝዀነ እዚኣብሔር ምድናቕን ምውዕዋዕን

መግለጺ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ መብልዕ ማል፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ምድናቕን ምውዕዋዕን የሀልው፡ ናይቲ ገዛእ ርእሱ ትሕት ዘበለን ድኻ ኰይኑ ዝመጸን፡ ኣብ ኣሕዋት ብፍላይ ኣብቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ንኽንራኸቦን ብምሕረት ንኸነገልግሎን ኣብ ጐደና ትሕትና ንኽንስዕቦ ናይ ዝጽውዓና እግዚኣብሔር ርህራሀ መግለጺ እዩ።

ናይ መብልዒ ማል ምልታ፡ ኣብ ጽምው ለይቲ ኮኸባዊ ሰማይ

እታ እግዚኣብሔር ኣብ መብልዕ ማል ዝተወለደላ ለይቲ፡ ቅድም ቀዳድም ኣብቲ ጽሉምን ጽምዋን ለይቲ ኮዀባዊ ሰማይ … ኣብቲ ጸላም ናይ ሕይወት ለይቲ እግዚኣብሔር ንበይንና ከምዘይሓድገና ዘረጋጸልና ምልክታ እዩ፡ ኣብቲ ጸልማት ዘለሉ ብርሃን ነቶም ኣብ ናይ ስቓይ ጸልማት ንዝርከቡ ብርሃን ዝዝርግሕ።

ገጽ ምድርን መላእኽትን ጨራው ኰኸብን ድኻታትን

ጥንታውያን ሕንጻታትን ዝዓነዉ ኣባይትን፥ እቲ ኢየሱስ መጺኡ ዝሕድሶ ጭቡጥ ህላዌ ዝዓነወ ሰብኣውነት ዝውክልን፡ ጐቦታትን ኣባግዕን ፍጥረት ኩሉ ዝውክሉን፡ ኣብ ምምጻእ መሲሕ ዝሳተፉን፡ መላእኽትን ጨራው ኮኸብን ምልክታ ናብቲ ዝተወልደ ሕጻን ተጓዒዝና ክነመልዀን ንኽንውድሶን፡ ጓሶት፡ እቶም ኣዚዮም ዝተሓቱን ድኻታትን ትስብእቲ ብሓሴት ዘአንገዱን፡ ድኻታት ሓለፋ ናይቲ እግዚኣብሔር ኣብ ማእከልና ዝብል ትስብእትን፡ … ነቶም ክብሮም ዝተመንዝዑን ስደተይናታትን ተስፋ ዝህብ ሰውራን ናይ ፍቕርን ርህራሀን ሰውራ ኣብቲ መብልዒ ማል ይውለድ።

ዕለታዊ ቅድስትና መግለጺ፡ ኣባይቲ ዕዮ

ኣብቲ ትርኢት ልደት ኢየሱስ ኣብ መብልዕ ማል፡ ዕለታዊ ሕይወት ሓባሪ ኩነት ንረክብ … እቲ ዝውለድ ሕጻን ኢየሱስ ንዅሉ ንነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ኩሉ ስፍራ ከምዘሎ ዘመላኽት ቅድስትና ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ዝብልን፡ …. ኢየሱስ ምሳና መለኰታዊ ሕይወት ከምዝካፈል ዘረጋግጸልና እዩ።

ማርያምን ዮሴፍን፡ ኣብ እግዚኣብሔር ተስፋ ምግባር

ኣብቲ መብልዒ ማል ማርያምን ዮሴፍን፡ ማርያም ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ድላይ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምንባር ግልጸትን፡ ዮሴፍ ስድራ ቤት ኣብ ምክንኻንን ምክልኻልን ዘይሕለል መንፈስ ኣቦነት የስትርእይ።

ሕጻን ኢየሱስ፡ ታሪኽ ዝልውጥ ፍቕሪ

ኣብቲ መብልዕ ማል፥ ሕጻን ኢየሱስ፡ እግዚኣብሔር ካብቲ ናይ ነፍሲ ወከፍና መደባት ወጻኢ ኣብ ሓደ ሕጻን ገዛእ ርእሱ ይገልጽ፡ ኣብቲ ናይ ሓደ ሕጻን ትሑትነትን ንኡስ ዓቕምን ብርታዔኡ ኣብ ፍቕሪ ይገልጽ፡ … ኪደት ታሪኽ ዝለወጠ እንኰን ፍሉይን ኩነት ንኽንትንክፍ ዝገብር እዩ።

ሰብ ጥበብ፡ ካብ እምነት ዝረሓቑ

ኣብቲ መብልዒ ማል ሰብ ጥበብ ንረክብ፡ በዓለ ኣስተርእዮ ምስ ዝቐርብ እቶም ሰለስተ ሰብ ጥበብ ንረክብ፡ ምስ ክርስቶስ ንምርኻብ ካብ ርሑቕ እውን ምብጋስ ከምዝክአል ዝሕብሩ፡ ካብ እምነት ዝረሓቐ ናብ እምነት ምምንጻእ ክኡል ምዃኑ ዘመላኽት።

ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሓሴት ዝደልይ እግዚኣብሔር

እቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ዘዘንትው ምርኢት ኣብ መብልዕ ማል፡ እምነት ናይ ምትሕልላፍ ከይዲ ዝዀነ ሰናይ መገድን እንገዳነቱን ዝሕብርን እቲ ዘገድስ ንሱ ንሕይወትና ዝዛረብ ምዃኑ እዩ። ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንኣና ዘዘንትው፡ እግዚኣብሔር ሕጻን ኰነ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ክሳብ ክንደይ ቀረባ ምዃኑ ኣረጋገጸልና፡ ሓጐስና ንሱ ምዃኑ ዝገልጽ እዩ።

ር.ሊ.ጳ.፥ እቲ ግሩም ዝዀነ ኣብ መብልዕ ማል ምርኢት ልደት ዘእግዚእነ
02 December 2019, 17:07