ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ምስ ናይ ስሎቫኪያ መራሔ መንግስቲ ፐለግሪኒ ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ምስ ናይ ስሎቫኪያ መራሔ መንግስቲ ፐለግሪኒ 

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ምስ ናይ ስሎቫኪያ መራሔ መንግስቲ ፐለግሪኒ

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስሎቫኪያ ኣብ መዳይ ሕንጸት ንእተቕርቦ ድጋፍ ልዑል ኣፍልጦ ዝህብ

ዕለት 9 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓሊካዊት ስሎቫኪያ መራሔ መንግስቲ ፐተር ፐለግሪኒ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ዛዕባ ኤውሮጳን ሃገራት ምስራቕ ኤውሮጳን ዓለም ሓቆፍ ተንክፈ ጉዳያትን ኣማእኪሎምን፡ ብፍላይ ህልው ኩነታት ኡክራይንን ምዕራባዊ ከባቢ ሃገራት ባልካን ዝምልከትን ናይ ሃይማኖት ናጽነትን እንገዳን ማሕበራዊ ፍትሕን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ሰፊሕ ምይይጥ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ረፓሊካዊት ስሎቫኪያ መራሔ መንግስቲ ፐተር ፐለግሪኒ ካብ ቅዱስ ኣቦና ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፕሮሊን ከምእተራኸቡን፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣብ መንጐ ሃገረ ቫቲካንን ስሎቫኪያን ዘሎ ርክብ ሰናይ ምዃኑ ተመስኪሩን፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ መዳይ ሕንጸት እተቕርቦ ድጋፍ ክቕጽልን፡ ኣብዚ መዳይ ዘሎ ምትሕብባር ክበራታዕ ዝብል ድላይ ካብ ሃገረ ስሎቫኪያ ከምዝቐረበን፡ እዚ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስሎቫኪያ ኣብ መዳይ ሕንጸት ንእተቕርቦ ድጋፍ ልዑል ኣፍልጦ ዝህብ ከምዝዀነ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ናይ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብን ናይ ሃይማኖትን ናጽነት ምንቕቓሕን እንገዳን ማሕበራዊ ፍትሕን ኣብ ዝምልከቱን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ብራቲስላቫ ብተረይና ናይ ስሎቫኪያ መንግስቲ መርሕነት ዝተኻየደ ናይ ኤውሮጳ ናይ ደሕንነትን ምትሕብባርን ጉዳይ ዝሓልይ ውድብ ዓውደ ኣኼባ መንጽር ዓለም ሓቆፍን ክፍለ ዓለማውን ዞባውን ብፍላይ ህልው ኩነታት ኡክራይንን ምዕራባዊ ባልካን ተንከፍ ጉዳያት ምይይጥ ምክያዱ ኣፍሊጡ።

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ምስ ናይ ስሎቫኪያ መራሔ መንግስቲ ፐለግሪኒ

Photogallery

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ምስ ናይ ስሎቫኪያ መራሔ መንግስቲ ፐለግሪኒ
10 December 2019, 16:10