ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንኵባውያን ተቐማጦ ሃቫና፡ ማሕበራዊ ምሕዝነት ሕዝቢ ንቕድሚት ነኸብል ዝድግፍ ሓይሊ እዩ

ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ምስረታ ናይ ኵባ ርእሰ ከተማ፡ ቅዱስ ክሪስቶባል ዘሃቫና ዕለት 15 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ናብ ተቐማጦ ከተማ ሃቫና፥ ኣብ እምነን ፍቕርን ተስፋን ንኽዓብዩ ዝብል ምዕዳን ዘማእከለ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ከምዘመሓላለፈ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በዓለ ምስረታ መበል ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ከተማ ሃቫና፡ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓንዲ ዝዀነ ናይታ ከተማ ሰለስተ ታሪኻውያን መዳያት፡ እምነትን ፍቕርን ተስፋን ዝብሉ ተምሳጥ ንምሕዳስን ንምምዕባልን ዝድግፍ ክኸውን ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ምዒዶም፡ እቲ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ህልውን ንመጻኢ ወለዶ ኵባዊ እቲ ብዙሕ ሕይወትን ሕልምታትን ዝተዓደለሉን መስዋዕትነት ዝተኸፈለሉ ታሪኽ ዘስተርእይ እዩ ኢሎም።

እምነት

እቲ ናይታ ከተማ ኣናስር እምነት ይብሉ ቅዱስነቶም ናይቲ ዝምዕብል ሕይወት ደጋፊ እዩ፡ ናይ ዝሓለፈ ወለዶ ናይ እምነት ምስክርነት ሓደራ ክይርሳዕ፡ ቅዱስ ቁርባን ናይ ሕይወት ክርስትና ማእከል እዩ ዝበሉ ነቶም ነታ ከተማ ዝመስረቱ ዝነበርዎ ክርስቲያናዊ ሕይወት እናሓሰቡ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ቅዱስ ምስጢር ንኣና ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ እቲ ዝዛረበናን ንዓለም ክንምስክርን ማለት ወንጌል ንኸነበስር ኣብ ዝጽውዓና ህላዌ ጐይታ ዘሳትፍ እዩ።

ፍቕሪ

ናይ እምነት ምስክር ምዃ ናብ ናይ ፍቕሪ ምስክርነት እውን ዘብጽሕ እዩ ዝብሉ ቅሱነቶም ሕዝቢ ኵባ ንማርያምን ኢየሱስን ዘለዎ ፍቕሪ ካብቲ ኣብ ኵባ ፍቕሪ ቅድስተ ማርያም ዘኮርበ ብዝብል መጽውዕ ኣብ ዝህቦ ኣኽቦርት ንማርያም ዝግለጽ እዩ፡ እቲ ብማርያም ዝተመስከረ ፍቕሪ ብሓልዮትን ብተወፋይነትን ሕርኩት ጻዕርን ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ምስኩሉን ንዅሉን ፍቕሪ ምልጋስ ዝብል እዩ፡ ዘሎ ብዙሕነት ብዘይገድስ፡ ፍቕሪ ስምምዕ ክህሉ ይገብር። እዚ ንናይ ኵባ ሕዝቢ መሰረተ ሓድነቱ እዩ። እዚ ፍቕሪ እዚ ንኽንነብር ቅድስተ ማርያም ትደግፈና ቢሎም ብፍላይ እቲ ሕዝቢ ንቕድሚት ንኸብል ዝድግፍ ሓይሊ ዝዀነ ማሕበራዊ ምሕዝነት ብምንባር ገዛእ ርእስኻ ኣብ ምውፋይ ዝግለጽ ፍቕሪ እዩ።

ተስፋ

እቲ ናይ ኵባ ርእሰ ከተማ ኢዮቤል፡ ከምቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ናይ ኵባ ሕዝቢ ቅዱስነቶም ብፍቕርን ሓልዮትን ኣእዳዉ ዘርጊሑ ዘአንገዶም፡ እዚ ናይ ተስፋ ትእምርቲ’ዚ ዝሕድስ ቅዱስ ኩነት ንኽኸውን ተመንዮም። ኣሕዋቱ ሓቝይፉ ዝከናኸን ዝነበረ ናይ ቅዱስ ክሪስቶባል ኣብነት ክስዕቡን እቲ ናይ ሕዝቢ ኵባ መለለዪ ዝዀነ ሓሴት፡ ሕዝቢ ንሓድ ሕዱ ንኽደጋገፍ ዘብቕዕ ክኸንን ተማሕጺኖም፡ ናይ ሕዝቢ ሓድነት ናብ ዝጸንዔ ዕብየት ዘሰንይ እዩ ከምዝበሉ ኣኵይሊኖ ገሊጸን።

ማሕበራዊ ምሕዝነት ሕዝቢ ንቕድሚት ነኸብል ዝድግፍ ሓይሊ እዩ
16 November 2019, 17:35