ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ከይፕ ቨርድ ርእሰ ብሔርን ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ከይፕ ቨርድ ርእሰ ብሔርን 

ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ከይፕ ቨርድ ርእሰ ብሔርን

ኣብ መዳይ ሕንጸት፡ ብፍላይ ናይ ስድራ ቤትን ሕብረተሰብ ክብርታት ንምንቕቓሕ ኣብ ዝኣመተ ኣብ ግብረ ገብን ሃይማኖትን እተበርክቶ ሕንጸት ብወገን መንግስቲ ከይፕ ቨርድ ዝኽበርን ዝነኣድን ምዃኑን ኣብ መዳይ ክንክን ጥዕን ኣውን ዝምስገን ምዃኑ ከምእተሓበረን

ዕለት 16 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ከይፕ ቨርድ ርእሰ ብሔር ኾርገ ካርሎስ ኣልማይዳ ፎንሰካ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ናይ ከይፕ ርእሰ ብሔር ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናቢቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሚሮስላው ስታኒስላው ዎቾውስኪይ ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ኣምሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቶም ዝተኻየዱ ርክባት ሰናይ ክሌኣዊ ርክብ ሃገረ ቫቲካንን ከይፕ ቨርደን እቲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ብኽልቴኣተን ሃገራት ዝተኸተመ ናይ ስምምዕ ሰነድ ምሕያል ኣብ ዝብል ነጥቢ እውን ዝርርብ ከምእተኻየደን፡ እቲ ልባዊ ምቅርራብ ዝተራእየሉ ክሌኣዊ ርክብ እቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ንመጻኢ ብዝኣመተ ኣገባብ እውን ንምስፋሕን ንምትግባርን ዘለዎ ኣገዳስነት ብኽልቲኤን ሃገራት ከምእተገልጸ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከይፕ ቨርድ ኣብ መዳይ ሕንጸት፡ ብፍላይ ናይ ስድራ ቤትን ሕብረተሰብ ክብርታት ንምንቕቓሕ ኣብ ዝኣመተ ኣብ ግብረ ገብን ሃይማኖትን እተበርክቶ ሕንጸት ብወገን መንግስቲ ከይፕ ቨርድ ዝኽበርን ዝነኣድን ምዃኑን ኣብ መዳይ ክንክን ጥዕን ኣውን ዝምስገን ምዃኑ ከምእተሓበረን፡ ብዛዕባ ኪደት ኣዋጅ ብፅዕና ተወላዲ ከይፕ ቨርድ ብስርዓት ጊልያነት ዝተሳቐየ ማኑኤል ጉዳይ እውን ክምክተለዓለን፡ ብዛዕባ ከይፕ ቨርድን ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃን ዓለም ለኻዊ ተንከፍ ጉዳያትን ብፍላይ ዕቃበ ሰላም ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ሰፊሕ ምይይጥ ከምእተኻየደ የመልክት።

ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ከይፕ ቨርድ ርእሰ ብሔርን
16 November 2019, 17:48