ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንኢየሱሳውያን፡ ንናይ እዋንና ስቑላት ንምግልጋል ዝብል ሓደ ሓድሽ ባህላዊ ሰውራ ኣድላይነቱ ይገልጹ ር.ሊ.ጳ. ንኢየሱሳውያን፡ ንናይ እዋንና ስቑላት ንምግልጋል ዝብል ሓደ ሓድሽ ባህላዊ ሰውራ ኣድላይነቱ ይገልጹ  

ር.ሊ.ጳ. ንኢየሱሳውያን፡ ንናይ እዋንና ስቑላት ንምግልጋል ዝብል ሓደ ሓድሽ ባህላዊ ሰውራ ኣድላይነቱ ይገልጹ

ሓቀይና ምልዋጥ ካብቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ ዝነቅል እዩ፡ ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ ክሓብሩ እንከለዉ እቲ ዝፈጥርዎ ጥርናፌ ሓቀይናን ጽኑዕን ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥርን ኣባይቲ ድኻታት ዝሓንጽን ዘምርትን ሓላይን እዩ፡ ምስሉይ ርክብ ኣኰነን

ቅዱስ ኣቦና፡ ማሕበር ኢየሱሳውያን ብናይ ማሕበራዊ ፍትሕን ስነ ምህዳርን ሓልዮ ቤት ጽሕፈቱ ኣቢሉ ንናይ እዋንና ስቑላት ኣብ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ኣተባቢዖም፡ ጸገማት መፍትሒ ንኽረኽቡ ጥራሕ ዘይኰነ ወድ ሰብ መጻኢኡ ክፈጥር ዘኽእሎ ኣንፈት ምቕራብን ገዛእ ርእሱ ክሕግዝን ኣብ ርእሰ ብቕዓት ክበጽሕ ምግባር ወሳኒ እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ምግልጋል ንድኻታን ሕንጸትን ኣተኩሮ ንስደተይናታትን ተመዛበልንት ንናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮን ዝብሉ ዓበይቲ ነጥብታት ኣማእኪሎም ንናይ ኢየሱሳያን ማሕበር ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ፍትሕን ስነ ምህዳርን ሓልዮ ኣብ ዝጠለቦ ዓውደ ጉባኤ ንዝሳተፉ ዘለዉ ካብ መላእ ማሕበር ኢየሱሳውያን ዝተዋጽኡ 200 ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ዓለም ዝህቦ ኣገልግሎት ብምህዞ ዝተደገፈ ከምዝዀነ እውን ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ማሕበራዊ ፍትሕን ስነ ምህዳርን ቤት ጽሕፈት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ 1969 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ካብ 1965 ክሳብ 1983 ዓ.ም. ጠቕላሊ ሓለቓ ብዝነበሩ ኣባ ፐድሮ ኣሩፐ ዝተመስረተ ክኸውን እንከሎ፡ ነቶም ኣብቲ ዕለት 1 ሓዳር 2019 ዓ.ም. ተጀሚሩ ክሳብ ዕለት 8 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ዝህቦ ኣገልግሎት ጸረ ንግድ ሰብን ጽልእ ብዓሌትን ኣብ መንጐ ዜጋታት ዝረአይ ኢማዕርነታዊ መነባብሮን ሕሱም ድኽነትን ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ቤትና ዝፍጸም ዓመጽን ክወገድ ዝብል ምዃኑ ጠቒሶም፡ ብፍላይ ንድኻታት ዘገልግል እዩ ከምዝበሉ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ብጭቡጥ ኢየሱስ ምግልጋል ማለት፡ ናይ ዝተፈላለዩ ዓመጻት ኣደዳ ዝዀኑ ምድጋፍን ምስናይን እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ግብረ እከይ ምቅላዕን እቲ ኣባ ኣዶልፎ ኒኮላስ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ዝነበሩ ዘነቓቕሕዎ ሓዋርያዊ መሃዝነትን ጥልቅን ኣገልግሎት መሰረት ምግልጋል ማለት ምዃኑ ዝሓበሩ ቅዱነቶም፡ ምሉእ ብምሉእ ንድኻታት ንምግልጋል ባህላዊ ሰውራ ወሳኒ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን፡ ኣብ ሃገራት ዓለም ዘለዉ ተቕዋማት ብማሕበራዊ ተሳትፎን ዘተን ተለዊጡ ነቶም ዝተናዕቁ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘማእክል ክኸውን ዝብል ቤት ጽሕፈት እውን እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ወድ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ መጻኢ ክሓንጽ ደግፉ  

ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ቦሊቪያ ምስ ናይ ኣሕዛብ ምንቅስቓሳት ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ሓቀይና ምልዋጥ ካብቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ ዝነቅል እዩ፡ ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ ክሓብሩ እንከለዉ እቲ ዝፈጥርዎ ጥርናፌ ሓቀይናን ጽኑዕን ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥርን ኣባይቲ ድኻታት ዝሓንጽን ዘምርትን ሓላይን እዩ፡ ምስሉይ ርክብ ኣኰነን እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ስለዚህ መጻኢ ኣማራጽታት ብምዝራእ ክፉት ክኸውን መታን ናይ ክርስትና ተስፋ ዘራእቲ ምዃኑ የድሊ ከምዝበሉ ዲኒኒ ሓቢረን።

ናይ ኢየሱሳውያን ጸዋዕታ ድኻታት ንምግልጋል እዩ

ኣብ ናይ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ናይ ሓባር ቤትን ስቓይ ናይ ስቑል ኢየሱስ ምስጢር ምስትንታን፡ ከምቲ ኣብ 1975 ዓ.ም. ዝተቐትሉ ለምዘበን ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ሰማዕትነቶም ዝበዓለሎም ኣብ ኤል ሳልቫዶር ናይ እምነት ዝተቐበሉ ኢየሱሳውን ሕይወትካ ክሳብ ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝብል ፍቕሪ ምንባር እዩ፡ ናይ ሰማዕታት ሕይወት ሞትን ንቶም ዝተናዕቁን ድኻታትን ኣብ እንህቦ ኣገልግሎት መተባብዒ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን፡ ኢየሱሳውያን ኣብ ኣገልግሎት ድኻታትን እምነት ምስፋሕን ጠመቓዊ ትምህርቲ ክርስትና ምክልኻልን ዝብል ተስፋ ዝቖረጹ ናብ ተስፍ ዝመርሕን እዚ ዅሉ ምስቶም ዝሳቐዩን ብምዃን ዝንበር ኣገልግሎ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ድኻታት ምስ ኢየሱስ እንራኸበሎም ሓለፋ ስፍራ እያቶም

ቅዱስ ኢግናዚዮ ዘሎዮላ መስራቲ ማሕበር ኢየሱሳውያን፡ ንደቂ ማሕበሩ፡ ከም ንኣሽቱ ኰይኖም ከገልግሉን ብትሕትና ዘገልግል ንቕድስቲ ስድራ ቤት የገልግል እንክብል ዝሃቦ ምኽሪ ቅዱስ ኣቦና ጠቒሶም፡ ድኻታት ምስ ኢየሱስ እንረኸበሎም ሓለፋ ስፍራ እያቶም፡ ስለዚህ ነዚ መገዲ’ዚ ምልላይ ዓቢይ ጸጋ እዩ ከምዝበሉን፥

እቲ ዝተገምዔ ዓለምና ድልድል የድልዮ

እንነብረሉ ዓለም ብዝተፈላለየ ፈላላይ መንፈስ ዝተገምዔ እዩ፡ ስለዚህ ነዚ ምግምማዕ’ዚ ንምጽጋንን ነፍሲ ወከፍና ኣብቶም ዝተናዕቁ እቲ ጽባቄ ዝዀነ ወጅሂ ንኸነለልይ ዘብቅዓና ሰብኣዊ ርክባት ክህሉ ሓነጽቲ ድልድል ንኹን ዝበሉ ቅዱስነቶም ነቲ ጽዑቕን ነዊሕን ቃለ ምዕዳኖም፡ ኣባ ኣሩፐ ኣብ ታይላንድ ናብ ሮማ ቅድሚ ምምላሶም ኣብቲ ድኻታትን ስደተይናታትን ዝርከብሉ ማእከል ተረኺቦም ሓደራኹም ኣብ ጸሎት ትጉሃት ኵኑ ዝበልዎ ለበዋ ጠቒሶም፡ ኣባ ኣሩፐ ኩሉ ከምዝፈልጦ ድሕሪ እቲ ቃለ ምዕዳኖም ናብ ሮማ ኣብ ምምላሶም ኣብ ነፋሪት፡ ወቅዒ ሓንጐል ከምዘጓነፎም ይዝከር ቢሎም፡ እዛ ቃል ኑዛዜ ኣባ ኣሩፐ ምስሊ ኣብ ጉዕዞኹም የሰንየኩም ቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣጠቓሊሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

 

07 November 2019, 17:37