ድለ

ታይላንድ፡ ር.ሊ.ጳ. ንመራሕቲ ሃይማኖታት፥ ደሴታት ኣይኰናን፡ ርክብን ዘተን ምሕራይ

ደሴታውነት ዝብል ስነ መጐት ኣብ ጠርዚ በጺሑ እዩ፡ …. እዚ ኵነት እዚ ዝስነፍ ብናይ ርክብን ዘተን ስነ መጐት እዩ፡ ምትሕብባርን ንሓድ ሕድካ ንምፍላጥን ንምቅርራብን ኣገባባት እያቶም፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ባንግኮክ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ቹላሎንግኮርን ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ታይላንድ ምዝ ናይ ዝርከባ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን መራሕትን ኣብ ዘካይድዎ ርክብ፡ ዓውሎማነት ኣብ ዓለም ዝረአዩ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ግርጭታትን ቅልውላው ምህዳርን፡ ነዞም ዝተጠቕሱ ቅልውላዋት ንምብዳህ እቲ ደሴታውነት ዝብል ስነ መጐት ብናይ ሓባር ርክብን ዘተን ስነ መጐት ክትካእ ከምዘለዎን ብዕምቆት ዝትንትን መደረ ከምዘስምዑ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣግልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣለዳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓውሎማነት ኤኮኖሚያዊ ስነ ቁጠባን ኣብ ጉዳይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዘተኰረ ኣብ ሕብረተሰብ ዝፍጠር ምስሕሓብን ኣብ ልዕሊ ምህዳር ዝፍጸም ዕንወትን፡ ዝኣመሰሉ ጸገማት ጠቒሶምን፡ ንሓድ ሕድናን ከም መጻአይናታት ክንርአአይ ከምዘይግብኣናን ብዘይ ጠቐነ ህልው ታሪኽ ንኽንሓንጽን በቲ ምኽንያት ግጭት ዝተኣታተው ደሴታውነት ዝብል ስነ መጐት ብናይ ዘተን ምራኻብን ስነ መጐት ምትካእ ከምዘድሊ ብኣጽንዖት ከምእተላበዉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፡

ቡድሃውያን ኣስላምን ብራማ ሂንዱን ኪስክ ክርስቲያንን

ቅዱስነቶም ኣብቲ መንበረ ጥበብ ምስ በጽሑ ብናይ ባንግኮክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኮቪታቫኒጅን ብናይቲ መንበረ ጥበብ ኣቦ መንበር ቡንዲት ኤውር-ኣፖርን ዕንበባብ ብዝሓዙ ተመሃሮን ኣቀባብላ ተገይሩሎም ነቶም ኣብቲ ናይቲ ኣዳራሽ መድረኽ ንዝተረኽቡ ን 18 ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ሓደ ብሓደ ሰላም ምስ በሉ እቶም ኣብቲ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝተረኽቡ 1500 ተጋባእያን ብጣቕዒት ክምእተቐብልዎምን፡ ናይቲ 19 ዝተፈላለዩ ናይ ትምህርቲ ጨናፍር ናይ ዝርከቦ መንበረ ጥበብ ኣቦ መንበር፡ እቲ መንበረ ጥበብ ካብ ኩለን ሃይማኖታትን ካብ ዝተፈላለየ ማሕበራውን ዓሌትን ኤኮኖምን ጽፍሕታት ዝመጹ ተመሃሮ ዝሓቁፍ ምዃኑ ገሊጾም፡ ንድኻታትን ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ክፍሊ ሕብረተሰብ ሓለፋ ዝብልን ፍጥረትን ተፈጥሮን ንምክንኻን ዘተባባዕ ባህሊ ክሰፍሕ ዝገብርዎ ጻዕሪ ንኢዶምን፡ ኣስዒቦም እውን ኣብ ታይላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቹካክ ሲርሱት ኣስዒቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ክኽወን ዘለዎ ሕድ ሕዳዊ ምቅርራብን ዘተን ንሰላም መሰረት ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ዘቕርብዎ ጻውዒት ናይ ቃል ጥርሕ ዘይኰነ ባዕሎም ብቐዳምነት ዝነብርዎ ከምዝዀነ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ነቲ ኣብ መንጐ ሃገራትን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ባህልታትን ዝግበር ዘተ ዘተባብዕ ምዃኑ ቅዱስነቶም ብቓልን ብሕይወትን ዝህብዎ ኣብነት ከምዘመሩሉ ኣፍሊጦም።

ታሪኻዊ ርክብ ኣብ መንጐ ንጉስ ቹላሎንግኮርንን ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 13ን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ ኣብ 1897 ዓ.ም. ቅድሚ 122 ዓመት ኣቢሉ እቲ ናይቲ መንበር ጥበብ መጸውዕ ስም ዝተወሃበሎም ንጉስ ቹላሎንግኮርንን ር.ሊ.ጳ. ለዮነ መበል 13 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ታሪኻዊ ርክብ ዘኪሮም፡

ኣብቲ እዋን ዝተኻየደ ርክብ ንጉስ ቹላሎንግኮርን እቲ ኣብ ሃገሮም ዝነበረ ስርዓት ጊልያነት ከብቅዕን ዘተን ናይ ሓባር ምርድዳእን ክህሉን ዘተባብዔ ከምዝነበረን፡ እቲ ርክብ ነቲ ኣብዚ እዋን ዝረአይ ዘሎ ሓደሽ ዓይነት ጊልያነት ክብቅዕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንናይ ኰለን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ጻዕሪ ዘበራትዕ ምኽንያት እዩ፡ … 

ጭቡጥ ኵነት ዓውሎማነትን ዓለም ለኻዊ ምስሕሓባትን

ሎሚ ንሓድ ሕድ ኣፍልጦን ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ልክዕ ክምኡ እውን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ክህሉ፡ ንመላእ እዋናዊ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣገዳስነት ዘለዎ ሕጹጽ ጉዳይ እዩ፡ እዚ ኸኣ ዓለም ነቲ ዓውሎማነት ኤኮኖምን ስነ ቁጠባን ዝብል ዓለምን እቲ እዚ ኪደት’ዚ ኣብ ዓለም ኣብ ናይ ከባቢ ሕዝብታት ምዕባለ ዝፈጥሮ ዘሎ ሓደጋ ንምብዳህ ዝድግፍ ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ተወንጫፊ ምዕባለን ስደትን ምዝብልናን ዝፈጥሮም ማሕበራዊ ምስሕሓባትን ማዕረ ማዕረ ዝፍጥሮ ጥምየትን ምዕናው ናይ ሓባር ቤትናን ዝንበሮ እዩ ከምዝበሉ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ካብ ደሴታውነት ናብ ርክብን ዘተን

ጭቡጥ ኵነታት ዓለም ማንም ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ደሴት ከምዘይኰነ ዘመላኽት ዝብል ሓሳብ ከረድኡ እንከለዉ፥

ደሴታውነት ዝብል ስነ መጐት ኣብ ጠርዚ በጺሑ እዩ፡ …. እዚ ኵነት እዚ ዝስነፍ ብናይ ርክብን ዘተን ስነ መጐት እዩ፡ ምትሕብባርን ንሓድ ሕድካ ንምፍላጥን ንምቅርራብን ኣገባባት እያቶም፡ … ንዝረአዩ ምስሕሓባት መፍትሒ ንኽርከቦም ዝድግፉ ማዕቅናት ዘቕርብ እውን እዩ፡ ኣብ መንጐ ሰባት ምርድዳእን ንምድሓን ፍጥረትን ዘተባብዕ እዩ

መሰረታዊ ግደ ሃይማኖታትን መናብርተ ጥበብን

ኣብቲ ናይ ርክብን ዘተን ባህሊ ኣብ ምስፋሕ ኰነ ኣብ ምስራጽ ኵለን ሃይማኖታትን መናብርተ ጥበብን ዓቢይ ግደ ክምዘለወን ኣተሓሳሲቦም፡ መንእሰያት ናይቲ ተቐባልነት ዘለዎ ምዕባለን ሕይወትን ዘይንጽልን ባህል ቀንደይና ተሳእቲ ስለ ዝዀኑ መጻእነቶም ውሑስ ምግባር ናይ ኵሉን ናይ ኵለን ሃይማኖታት ሓላፍነት እዩ።

ንሓድ ሕድ ብዘይ ምፍርራሕ ብሓባር ንምዕያይ

ኵላትና ነቶም ኣብ ዝሩያና ናይ ዘለዉ ድኻታትን ዝተነጸሉን ዝተሓረጉን ቀዳሞት ተወለድትን ውሁዳን ሃይማኖታትን ድምጺ ኣተኵሮ ንኽንገብር ጥራሕ ዘይኰነ ብዘይ ፍራሕን ምጥርጣርን ኣብ ደገፎም ብሓባር ንኽንዓዪ ዝጽውዕ እውን እዩ፡ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ሕልናን ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ውሑስ መታን ክኸውን፡

ናይ ታይላንድ ንኣረጋውያን ምክንኻን ዝብል ባህሊ ንመንእሰያት ሰረት ክኸውን

ቅዱስነቶም ይሴባሕ ዘርእቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ጠቒሶም፡ ፍጥረት ሰብ ገዛእ ርእሱ ክሳብ ምዕናው ዝኸይ ኰይኑ ኣሎ፡ ካብቲ ርእሰ ምዕናው ተላቒቑ ሰናይ ክመርጽን ዕንወት ዘበለ ኵሉ እውን ክኣልይ ዝከኣሎ ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብ ታይላንድ ዘሎ ኣረጋውያን ናይ ምኽባርን ምክንኻንን ባህሊ ነቲ ማሕብራውን ሰብኣውን ዕንወት ንኽውገድ ዝድግፍ እዩ፡ እዚ ባህሊ እዚ እውን ንሓድሽ ወለዶ ከምሓላለፍ ኣለዎ ከምዝበሉ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ፍቕሪ ንመንሰይ ወለዶ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም እውን እቲ ክርስቶስ ህያው እዩ ዘርእስቱ ድህረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘኪሮም፡

ንመንእሰይ ወለዶ ናይቲ ዝነብረሉ ሕብረተሰብ ባህላዊ ተመክሮ ምስግጋር የድሊ፡ ስለዚህ ኣብዚ ኪደት እዚ ሓደራ ጽንዑ፡ መንእሰይ ወለዶ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ሃብቲ ከስተውዕልን ንኽራኸብን ንፍራይም ተዘክሮ ህርኵት ክኸውን ብፍቕሪ ደግፍዎ ኣብ መዕበያ ኣሰንይዎ ቅኑዕን ግቡእ ውሳኔ ኣብ ሕይወቱ ንኽገብሩ መታን

ከምዝበሉ ዝሓበሩ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፡

ኣሕዋት ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት ሰብኣዊ ፍጥረት፥ ናይ ሓባር ርቛሒ ዝዀኑ ዕሴታት ነናድይ

ቅዱስነቶም ዘስምዕዎ መደረ፥ መናብርተ ጥበብ ብሓፈሻኡ ናይ መላእ ሕንጸት ተቕዋማት መሰረታዊ ግደ ከምዘለወንን ድልያ ፍልጠት ሓደስቲ ፍኖት ዘርህውን ኣብ መንጐ ሰባት ዘሎ ኢማዕርነት ንኽጐድልን ቀስ እናበለ እውን ንኸይህሉ ኣብ ዝድግፍ ማሕብራዊ ፍትሒ ንኽብጻሕ ዘሰንይን ዓመጽን ግጭት ንኽይህሉን ዘለዎ ምስሕባባት እውን ሰላማዊ መፍትሒ ክርከብን ዝድግፍ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ኣብ ናይ ሓባር ረቛሒ ዕሴታት ዝጸንዔ ናብ ሓድነትን ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ንስኑይ ማሕበራዊ ናብራን ምሕናጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ብቐጥታ ተዋሳእትን ናይ ሓባር ሓላፍነትን ከምዘለና ነስተውዕል፡ ኣሕዋት ናይ ሓንቲ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ኣባላት ኢና እብክብሉ ከምዘጠቓለሉ ሓቢሮም። 

ታይላንድ፡ ር.ሊ.ጳ, ንመራሕቲ ሃይማኖታት፥ ደሴታት ኣይኰናን፡ ርክብን ዘተን ምሕራይ

Photogallery

ታይላንድ፡ ር.ሊ.ጳ. ንመራሕቲ ሃይማኖታት፥ ደሴታት ኣይኰናን፡ ርክብን ዘተን ምሕራይ
22 November 2019, 16:08