ድለ

ኣብ ታይላንድን ጃፓንን ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ናይ ሓደ ደቒቕ ጽማረ

መበል 32 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ታይላንድን ጃፓንን ዘካየድዎ መበል 32 ሓዋርያዊ መገሻን ናይተን ሃገራት ውሁድ ካቶሊካዊ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘርኣዮ ሓሴትን ውዕዉዕ ኣቀባብላን ኣብ ሓደ ደቒቕ ብዝተጸመረ ናይ ማምዐ ርእየት ሓበሬታ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዕለት 19 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ካብ ሮማ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ነቒሎም ታይላንድ ኣትዮም ዘበገስዎ መበል 32 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ታይላንድን ጃፓንን ፍሉይ መለለይኡ በቲ ናይተን ሃገራት ዝተገበረሎም ውዕዉዕ ኣቀባብላን እንገዳን ከምዝዀነ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ናይ ታይላንድ ሓዋርያዊ መገሻኦም ናይ ክርስቶስ ሓዋርያት፡ ሓዋርያት ልኡካነ ወንጌል ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ታይላንድ ኣብ 1669 ዓ.ም. ዝቖመ መበል 350 ዓመት ምስረታኡ  ዘብዕል ዘሎ ናይ ሲያም ሓዋርያዊ መስተናብር ዓቢይ ግምት ዝሃበ መርሕ ቃል እዩ። ኣብ ባንግኮክ ቅዱስነቶም ምስ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ልዑል ፓትሪያርክ ኣብ ቡድሃዊ ቤተ መቕደስ ዋት ራትቻቦፊትሳቲት ማሓ ሲማራም ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብን ቅዱስነቶም ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ምንቕቓሕ ሰላምን ሕውነትን ዘለወን ሓላፍነት ብኣጽንዕት ዝገለጽሉ።

ኣብ ጃፓን ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም መርሕ ቃል፡ ናይ ኵሉ ሕይወት ምክልኻል ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ምስቶም ካብቲ ኣብ ልዕሊ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣቶሚክ ቦምብ ዘምለጡን  ምስቶም በቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ብዝተኸስተ ርእደ መሬትን ርእደ ምድረ ማያት ባሕርን ናይ ፉኩሺማ ናይ ኣቶምክ ማእከል ሓደጋን ግዳያት ምስ ዝዀኑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘካየድዎ መሳጢ ርክብን፥ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምጥቃም ጥራሕ ዘይኰነ ምውናን እውን ኢግብረ ገባዊ እዩ እንክብሉ ብኣጽንዖት ዝገለጽዎ ሓሳብ ብፍልዩ ነቲ ናይ ኵሉ ሕይወት ምኽባር ዝብል መርሕ ቃል ብዕምቆት ዝትንትን እዩ።

27 November 2019, 14:18