ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ዝዀነ ይኹን ሕይወት ኣብ ኩሉ ደረጃታቱ ምእንጋድን ምሕቛፍን

ኣብ ተመክሮ ግብረ ሰናይ ንሕና ክርስቲያን ሓዋርያት ተልእዀ ወንጌል ንኽንከውን ጥራሕ ዘይኰነ ነቲ ዝተጸዋዕናሉ ተልእዀን ጸዋዕታና ኣብ እንነብረሉ ተቕዋማትናን ንናይ ክርስቶስ ትምህርቲ እሙናት ንኽንከውን እውን እዩ

ቅዱስ ኣቦና እናተዘዋወሩ ምስ ህሙማን ቅድሚ ምርኻቦም ነቶም ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሰራሕተይናታትን ሓኻይምን ህያው ናይ ሕይወት ጩቡጥ ግብረ ምክንኻን ነቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ንዘይብሎም ፍሉዩ ቆላሕታ ዝገብር ሓልዮት ዝዓሰሎ ምሕረት መሰኻኽር ኩኑ ዝብል ለበዋ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ህሙማንን ኣካለ ስንኵላንን ኣብ ስቓዮም ምስናይን ቀረባ ምዃንን ብቐዳምነት ኣገዳሲ እዩ፡ … ድኻታትን ሕሙማንን ዝተነጸሉን ሓላፋ ምባል …

ናይ ጐይታ ኣደኣዊ ወጅሂ

ኣብ ዝዀነ ይዅን ኩነትን ኣርካንን ሕይወት ምእንጋድ፡ እዚ ናይ ዝዀነ ይኹን ቤት ሕክምና ቀዳማይ ዕማማ እዩ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ናይ ጐይታ ኣደኣዊ ወጅሂ ንኽስትውዓልን ክስትንተንን ዝድግፍ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፡ ቅድሚ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኵም መደረ ዘስምዑ ናይቲ ቤት ሕክምና ዋና ኣመሓዳሪ ታኒን ኢንትራጉምቶርንቻይ፡ እቲ ቤት ሕክምና ኣብ 1891 ዓ.ም. ከምዝቖመን ኣብ 1898 ዓ.ም. ንማሕበር ደናግል ቅዱስ ጳውሎስ ዘሻትረስ ሓላፍነት ዝተወሃበ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ ብጽሞናን ሓሴትን ብዝዓሰሎ መንፈስ ዘገልግላ ከምዝዀናን እዚ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ካብ ዝብገስ እነሆ መበል 120 ዓመት የቑጽር ኣሎ ቢሎም፡ እቲ ቤት ሕክምና ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያ ኣብ ኣባይቲ ሕክምና እተካይዶ ውፉይ ኣገልግሎትን ሓልዮትን ናይ ደቂ ሰባት ናይ መሰልን ክብርን ማዕርነትን ዝምስከረሉ ስፍራ እዩ ከምዝበሉ ገሊጸን፡

ሓዋርያት ተልእዀ ወንጌል

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፡ ወንጌል ማቴዎስ ፡ እቲ ንሓደ ኻብዞም ዝነኣሱ ኣሕዋተይ ዝገበርኩምዎ ንኣይ ከምዝገበርኩምዎ ብሓቂ እብለኩም ኣልኹ (ምዕ. 24,40)  ዝብል ጠቒሶም፡

ኣብ ተመክሮ ግብረ ሰናይ ንሕና ክርስቲያን ሓዋርያት ተልእዀ ወንጌል ንኽንከውን ጥራሕ ዘይኰነ ነቲ ዝተጸዋዕናሉ ተልእዀን ጸዋዕታና ኣብ እንነብረሉ ተቕዋማትናን ንናይ ክርስቶስ ትምህርቲ እሙናት ንኽንከውን እውን እዩ

ሰብኣዊ ክብሪ

ክንየው ካብቲ ዝነኣድ ሙያውን ተግባራውን ስነ ሕክምናውን ኣገልግሎት ኣባይቲ ሕክምና ናይ ምሕረት ስራሕ ዝፍጸመሉ ከምዝዀነ ቅዱስነቶም ከብርሁ እንከለዉ፡

ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ዝተወሰነ ሙያውን ግብራውን ኣገልግሎት ዝተሓጽረ ጥራሕ ዘይኰነ ክንየው ዝብል፡ ሕይወት ብኹሉን ኣብ ኩሉን ደረጃታቱ ምእንጋድ ዝብል እዩ፡ … ፍሉይ ምሕረትን ሓልዮትን ዝንበረሉን ፍቕሪ ንናይ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ክብሪ ዝብልን እዩ …

ኣረጋውያንን ምንእሰያትን ተኣፈፍትን

ሓዋርያትን ልኡካነ ወንጌል ምዃን፡ ንእትራኸቦም ህሙማን ሓደ ብሓደ ብስሞ ምልላይ፡ ብርግጽ እዚ ዘድክም እውን እንተዀነ ከምቲ ጐይታ ንነፍሲ ወክፍና ብስምና ዝፈልጠናን ዝጽውዓናን ዘፍቕረናን፡ ንህሙማን ምእላይ ማለት ግብረኣውን ሞያውን ኣገልግሎት ምቕራብ ጥራሕ ዘይኰነ ምስናይን ቀረባ ኣብ ምዃንን ዝብል ሕንጸት እውን ዝሓትት ምዃኑ ክሕብሩ እንከለዉ፡

ናይ ክንክን ጥዕና ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምምዕባልን ምስፋሕን፡ እዚ ኸኣ በቶም ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ብዘገልግሉ ዝፍጸም ጥራሕ ዘይኰነ ኵሎም ኣባላት ማሕበረሰብ እውን ብወገኖም ናይቲ ናይ ጥዕና ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተዋሳእቲ ክዀኑ ዝሓትት እዩ፡ ንኣረጋውያንን መንእሰያትን ንተኣፈፍትን ክፍሊ ሕብረተሰብ ሓላይ ምዃን ዝሓትት እዩ

ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ዘሕውይ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ

ብዙሓት ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጭቡጥ ተግባር ሓልዮት ዝረኸቡን ዝድገፉን ካብ ስቓዮም ክትንስኡ ቅርበትን ድጋፍን ዝረኽቡ ብዙሓት ከምዘለዉ ክገልጹ እንከለዉ፡

እቲ ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ዝቐርብ ናይ ክንክን ጥዕና ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ወትሩ ንዅሉ ንዝሳቐይ ሰብ ቀረባ ብምዃን ዘገልግልን ዘሕውን ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ መግለጺ ናይ ዝዀነ ናብ እትብል ካብ ገዛእ ርእሳ ናይ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ሰንደቓዊ ምልክታ እዩ፡

ናይ ኢየሱስ ናይ ስቓይ ግዓር

ሕማም ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ዓበይቲ ናይ ሕይወት ሕቶታት ዘቕርብ እዩ፡ እቲ ቀዳማይ ኣብ ቅድሚ ሕማም ዝንብሮ መልሰ ግብሪ፡ እምቢታን ጭንቀትን ጽምዋን ዝብሉ ምዃኖም ጠቂሶም፡

ናይ ስቓይ ገዓር … ኢየሱስ ኣብ ስቓዩ ናቱ ገይርዎ እዩ፡ ኣብቲ ናይድኻታት ገዓር ክንሓብር ንደልይ እንተድኣ ኰይንና ብጸሎት ኣብቲ ናቱ ገዓር ንሕበር፡ ኣብ ናይ ኢየሱስ ስቓይ ምስ እንሓብር እቲ ናቱ ንስቓይና ቀረባ ኣብ ምዃን ዘሎ ብርታዔ ነስተውዕልን ንዓትርን፡ እዚ ኣብቲ ናቱ ሕይወትን መስዋዕትን ገዛእ ርእስና ከነራኽብ ዝዕድም ኵነት እዩ።

ሓልዮት ማርያም

ናይቲ ጥቓና ዝዀነን ዘሰንይነና ናይ ጐይታ ምጽንናዕ ንኽንራኸብ መታን ብፍላይ ኣብ እዋን ስቓይን ሕማምን ኣብ እዋን ዝዀነ ይኹን ተኣፋፍነትን፡ ንናይ ማርያም ሓልዮት ገዛእ ርእስና ነወክፍ፡ ንሳ ምስቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምስ ዝግለጽ ወዳ ከተራኽበና እያ፡ ቢሎም ቃለ ምዕዳኖም ዛዚሞም፡ ነቲ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ናይ ዝተሓቖፈት ቅዱስ ምስሊ ማርያም ለጊሶም ከምእተፋነዉ ጃዳ ኣክይሊኖ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ዝዀነ ይኹን ሕይወት ኣብ ኩሉ ደረጃታቱ ምእንጋድን ምሕቛፍን

 

22 November 2019, 09:22