ድለ

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ታይላንድ ምስ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ሉዑል ፓትሪያርክ፥ ሰላምን ሕውነትን ምንቕቓሕ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ታይላንድ ምስ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ሉዑል ፓትሪያርክ፥ ሰላምን ሕውነትን ምንቕቓሕ 

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ታይላንድ ምስ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ሉዑል ፓትሪያርክ፥ ሰላምን ሕውነትን ምንቕቓሕ

ሕዝቢ ታይላንድ ሕይወትን ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ምኽባር ዝብል ዕሴት ካብቲ ኣብላጺ ሕዝቢ ታይላንድ ዝስዕቦ ናይ ብድሃ ሃይማኖት ዝጨንጐዖ መንፈሳውነት

እቲ ምስ ናይ ታይላንድ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ልዑል ፓትሪያርክ ሶምደት ፍራ ኣሪያቮንግሳጋታናን ታሽዓይ ኣብ ቤተ መቕደስ ዋት ራታቻቦፊት ሳቲት ማሓ ሲማራም ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ሕውነትን ምክብባርን ኣብቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ቡድሃ ሃይማኖትን ዘሎ ርክብ ኣብ ምክብባርን ዝጸንዔ ሰናይ ርክብ ምዃኑ ዝገልጽን፡ ብሓባር ንዓለምን ብፍላይ ነቶም ብምግምማዕ ንዝተገድኡ ብትብዓት ተስፋ ነቕርብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መደረ ከምዘስምዑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ቫቲካን ረዲዮ በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።   

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ቅዱስነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ዘካይድዎ ምብጻሕ ነቲ ሃይማኖት ክብርን ነቲ ውጅሂ ፍሽኽታ ብዝብል መጸውዕ ንዝግለጽ ሕዝቢ ታይላንድ ኣኽብሮት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእሰተ ሊቃነ ጳጳሳት ዘበገስዎን ዘተባብዕዎን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቡድሃ ሃይማኖትን ርክብ ቀጻሊ ኰይኑን፡ ሰላም ንምግልጋልን ኣብ ምግልጋልን ሰላምን ዝጸንዔ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ናይ ታይላንድ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ሰዓብቲ ቤተ መቕደስን ናይ ታይላንድ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ልዑል ፓትሪያርክን ናይ ቡድሃ መነኮሳን መቐመጢ ኣብ 1869 ዓ.ም. ብሓልዮት ንጉስ ራማ ሓምሻይ ዝተሓንጸ ከምዝዀነ ክሕበር እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና፥ ኵለን ሃይማኖታት ክንየው እቲ ዘለወን ፍልልያት ናይ ሕውነት ኣነቓቓሕትን ዋሕስን ንኽዀና ዝተጸውዓ ስለዝዀና ናይ ተስፋ ጮራ እያተን ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ካፐሊ ኣስዒበ፡

በዓል ፍሹኽ ወጅሂ

ካብቶም ናይ ሕዝቢ ታይላንድ መግለጽታት ዝዀኑ ባህርያት ሓደ ንሱ ኸኣ ፍሹኽ ወጅሂ ዝብል መለለዪኡ ጠቒሶም፡

ሕዝቢ ታይላንድ ሕይወትን ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ምኽባር ዝብል ዕሴት ካብቲ ኣብላጺ ሕዝቢ ታይላንድ ዝስዕቦ ናይ ብድሃ ሃይማኖት ዝጨንጐዖ መንፈሳውነት እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብቲ ኣስተንትኖን ምናኔን ጽኑዕ ኣደብን ስርዓትን ዝብል በቲ ንሕይወት ኣገዳሲ ብዝዀነ ጥራሕ ምንባር ኣብ ዝብል ቁጥብነትን ዝተመስረተ እዩ፡ እዚ መንፈሳውነት’ዚ ናይ ፍሹኽ ወጅሂ ዝብል መጸውዕ ዘጠቓልል ብፍልዩ ዝገልጸኩም ናይ መለለይዅም ተከለ ሰብነትኵም ዘማዕብል እዩ፡

ናይ ኣድናቖት ኪደት

ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ብዱሃ ሃይማኖትን ዘሎ ናይ ሃባር ርክብ ቅዱስነቶም ካብቲ ቅድሜኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍላይ ጳውሎስ ሻድሻይ ጠቒሶም፡ ምስ መበል 17 ናይ ታይላንድ ናይ ብድሃ ሃይማኖት ልዑል ፓትሪያክ ሶመድጅ ፍራ ዋናራት (ፑን ፑናሲር) ዳርጋ ንዝኽሪ ሓምሳ ዓመት ዝተቓረበ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዝተኻየደ ርክብ ዘኪሮም፡ እዚ ንናይ ክልቲኣተን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ብፍላይ ዘበገሰን ደሓር እውን ዮሓንስ ጳውሎ ዳግማዊ ኣብ ታይላንድ ምብጻሕ ኣካይዶምን ኣብቲ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ናይ ልዑል ፓትሪያክ መንበር ቅዱስ ስፍራ ዘካየድዎ ምብጻሕ ነቲ ርክብ ክምዕብል ከምዝገበሩን፡ ኣብ ቀረባ እዋን እውን ናይ ቤተ ሃይማኖት ቡድሃ ዋት ፎ መነኮሳን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዶምን ብፓሊ ቋንቋ ዝተጻሕፈ ናይ ቡድሃ መጻሕፍት ብራና ዝሃብዎም ገጸ በረከት ሎሚ ኣብ ናይ ቫቲካን ቤተ መጻሕፍት ከምእተቐመጠ ኣዘኻኺሮም፡

ናይ ምርኻብ ባህሊ ተኻኣሊ እዩ

እቲ ናይ ሓባር ርክብ ንቕድሚት ንኸበል ዝተፈጸሙ ነኣሽቱ ስጉምቲ ኣብቲ ምግምማዕን ምንጻልን ዘተባብዕን ምንጽጻግ ዝዘርእን ዓለም ናይ ምርኻብ ባህሊ ተኻኣሊ ምዃኑ ዝምስክር ከምዝዀነ ኣጽኒዖም ክሕብሩ እንከለዉ፡

ንኽንፋለጥን ንኽንከባበርን ዕድል ክህልወና እንከሎ፡ ኣብ ስቓይና እውን እንተዀነ፡ ንዓለም ዘተባብዕን ነቶም ብዝያዳ ብምግምማዕ ንዝህሰዩን ናይ ተስፋ ቃል ንልግስ፡ እዚ ኸኣ ሃይማኖታት ክሳብ ክንደይ ኣነቓቓሕትን ዋሕስን ሕውነትን ሰላም ምዃነን ናይ ዘረጋግጽ ኣስተራዮ ናይ ተስፋ ጮራ ኰይነ ክርከባ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝገልጽ እዩ፡

ታይላንድ ምስ ማሕበረ ክርስቲያን ብሓባር ኣአንጋዲት

ክርስትና ኣብ ታይላንድ ምስቲ ቡድሃዊ ባህላ ካብታ ዝኣተዉላ ሰዓት ኣትሒዙ ተሳንዩ ንምንባር ዝበቕዐን ቅድሚ ኣርባዕተ ዘመን ኣቢሉ ይኸውን ዘአንገደቶ ክርስትና ምዃኑ ዘኪሮም፡ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ እውን እንተዀኑ ብሓባር ምስ ኣሕዋቶም ቡድሃውያን ምንባር ዝኽአሉ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዘስተማቐሩ ከምዝዀኑ ክገልጹ እንከለዉ፡

ኣብዚ ናይ ሕውነትን ሕድ ሕዳዊ ምትእምማንን ዝብል ጐዳና፡ ናይ ገዛእ ርእሰይን ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክፉትን ምክብባርብ ኣብ ኣገልግሎት ሰላምን ንናይ ኩሉ ናይ ሓባር ረብሓን ዝብል ናይ ሓባር ዘተ ከረጋግጽ እፈቱ፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ንናይ ሕድሕድ ምፍላጥ ዝብል ምርድዳእን ከምኡ እውን ንናይ መንፈሳዊ ኣስተንትኖን ምሕረትን ልልያን ናይ ሓባር ናይ ባህልታትና ዕሴታት ዝዀኑ መሰረታውያን ንሰናይ ኣገባብ ምቅርርባትና ኵሉ ዕብየት ስንድዋት ንኽንከውን ዘኽእለና እዩ።

ዝቕጽል ኪደት

ስለዚህ ከኣ እቲ ናይ ሓባር ጉዕዞ ዝቕጽል ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ ንድኻታትን ንናይ ሓባር ቤትና ክንክን ሓለፋ ዝብል እውን ክኸውን ከምዘለዎ ከመላኽቱ እንከለዉ፡

በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢልና ንናይ ምርድዳእን ሕውነትን ርክብን ባህሊ ኣብዝን ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ግደና ነበርክት፡ እዚ ናይ ሓባር ጉዕዞ’ዚ ፍርያምን ብጻማ ሃብታምን ዝዀነ ቀጻሊ ከይዲ ከምዝኸውን ርግጸይና እየ፡

ቃል ሰላምታ ንልዑል ፓትሪያርክ ናይ ታይላንድ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት

ምሕዝነትን ምክብባርን ምቅብባልን ዝብሉ ሰለስተ ቃላት ዘማእከላ ንናይ ታይላንድ ናይ ብዱሃ ሃይማኖት ልዑል ፓትሪያርክ ሶምደት ፍራ ኣሪያቮንግሳጋታናን ታሽዓይ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ሰላምታ፡ እዚ ርክብ እዚ እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ታይላንድ ሳንግክሃ ቡድሃዊ ሃይማኖትን ዘሎ ምሕስዝትን ጽኑዕን ዝነኣድን ምዃኑ ዝምስክር እዩ ከምዝበሉን ቅዱስ ኣቦና እውን ብወገኖም ምልስ ቢሎም እውን ቅድሚ ሰላሳን ሓሙሽተ ዓመታት ኣቢሉ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ታይላንድ ዘካይድዎ ምብጻሕ ዘኪሮም፡ ኣብቲ እዋን ናይ ክልቴኣተን ሃይማኖታት መራሕትና፡ ኣብ ቅኑዕ ጨዋነትን ፍቕርን ንኹሉ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝብል ብሓቂ ፍሉይ ዝዀነ ርእየት ዝዓሰሎ ሰብኣውነት ምስፋሕ ዝብል ዕላማ ዝተነበሮ እዩ፡ ሎሚ እውን ዝቕጽል ዘሎ ርክብ ምዃኑ ከምዘረጋገጹ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ. እውነተይናን ጻዕራምን ብጻይ ሕዝቢ ታይላንድ

ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ዝሓለፉ ናይ ታይላንድ ነገስታትን ናይታ ሃገር ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ልዑላን ፓትሪያርካት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቀባብላ ተገይሩሎም ዘካየድዎም ርክባትን ዝተለዋወጥዎ ገጸ በረኸትን፡ እቲ ኣብ መንጐ ክልቴኣተን ሃይማኖታት ሰዓብቲ ዘሎ ህያው ምሕዝነት ዝምክር ምዃኑ ልዑል ፓትሪያርክ ናይ ታይላንድ ሃይማኖት ብድሃ ቅድሚ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ገሊጾም፡ ምብጻሕኵም ንናይ ታይላንድ ናይ ብድሃ ሃይማኖት ሰዓብትን መነኰሳንን መንፈሳዊ መራሕትን ሓድሽ ብጻይ ዝገብረኩም ዘይኰነስ እውነተይናን ጻዕራምን ምኵርን መሓዛ ምዃንኩም ዝምስክር እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ካፐሊ ኣስዒበን፥

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደገፍ ታይላንድ

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታይላንድ ዘለዋ ልዑል ግደ፡ ንምስዳዕ ዘይኰነ ንምድጋፍ ዝብል ኣብ ምንም ዓይነት ውልቃዊ ረብሓ ዘይቆመ ምዃኑ ልዑል ፓትሪያርክ ናይ ታይላንድ ቡድሃ ሃይማኖት መርሒ ከምዝገለጹን፡ ቅዱስነቶም እውን ኣብ ዘስምዕዎ ናይ ሰላምታ ቃል፥ ካቶሊካውያን ግብረ ኣስዳዕነት ንኸየካይዱ ብጽኑዕ ትሑዛት ከምዝዀኑን፡ ድኻታትን ዝሳቕዩን ሓለፋ ብዝብል ኣገልግሎት ኣብ ዓለም ሰላም ንኽረጋገጽ ብሓባር ምዕያይ የድሊ፡ ስለምንታይ ንድኻታት ሓላፋ ምባል ቡራኬ ስለ ዝዀነ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ቅሱነቶም ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ክታሞም ኣንቢሮም

ቅዱስነቶም ድሕሪ እቲ ዘካይድዎ ርክብ ኣብቲ ናይ ቡድሃ ቅዱስ ስፍራ ኣብ ዝተነብረ ናይ ክብሪ መዝገብ፡ ኣብ መንጐ ካቶሊክን ሃይማኖት ቡድሃን ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ምርድዳእ ብቐጻልነት ክምዕብልን ናይ ሰላም ፈድፋድ ጻማ ንፍቑር ሕዝቢ ታይላንድ ከጽግው መታን ምእንቲ እዚ ዝነኣድ ናይ ሓባር ርክብ ጸሎተይ አሐድስ ዝብል ሓሳብ ኣስፊሮም ክታሞም ከምዘንበሩን፡ ንናይ ታይላንድ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ልዑል ፓትሪያርክ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ኣብ ኣቡ ዳቢ ምስ ናይ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበረዎ ሰነድ ፥ ዘርእሲ ሰብ ብዝያዳ ሕውነት ክህልዎ መታን እንክብሉ ገጸ በረኸት ከምዘቕረቡሎም ካፐሊ ሓቢረን።

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ታይላንድ ምስ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ሉዑል ፓትሪያርክ፥ ሰላምን ሕውነትን ምንቕቓሕ

Photogallery

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ታይላንድ ምስ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ሉዑል ፓትሪያርክ፥ ሰላምን ሕውነትን ምንቕቓሕ
22 November 2019, 09:12