ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንሰበ ስልጣናት፡ ሰብኣዊ ክብሪ ዘለዎ እንኵ ኣጽዋር ዘተ እዩ ር.ሊ.ጳ. ንሰበ ስልጣናት፡ ሰብኣዊ ክብሪ ዘለዎ እንኵ ኣጽዋር ዘተ እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ንሰበ ስልጣናት፡ ሰብኣዊ ክብሪ ዘለዎ እንኵ ኣጽዋር ዘተ እዩ

ኣብ መንጐ ሕዝብታትን ሃገራትን ዝፍጠር ከቢድ እውን ይኹን ምስሕሓብ ብዘተ ክፍታሕ ዝከኣል ምዃኑ ታሪክ ይምህረና፡ እንኰን ንነባሪ ሰላም ውሕስነት ዘልብስ ክቡር መፍትሒ ዘተ ጥራሕ እዩ

ሂሮሺማን ናጋሳኪን ናይ መጠንቀቕታ ደወል እያተን፡ ሰላም ብፍትሕን ብምትሕልላይን እዩ ዝሕነጽ፡ ናይ ሃይማኖታት ግደን፡ ምክልኻል ድኻታትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎምን ዝምልከቱ ነጥብታትን ካልኦትን ኣገደስቲ ራሰ ጉዳያት ዝዳህሰሰ መደረ ከምዘስምዑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዘተን ፍትሕን ሰላምን፡ ሓልዮት ንዝተናዕቁን ዝተነጸሉ፡ ምክልኻል ሕይወትን ኽባር ኵለነናዊ ሰብኣዊ ክብርን ናይ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ኣባላት መሰልን ክብርን ምክልኻል፡

ኣብ እምነት ንኸጽንዕ መጻእኩ

ናብ ጃፓን ዝመጻእኩ ካቶሊካውያን ጃፓን ኣብ እምነት ንሕዙናትን ድኻታትን ኣብ ዝፍጽምዎ ግብረ ሰናይን ነታ ዜጋኣ ምዃኖም ንዝዀርዑላ ሃገሮምን ሕዝቦምን ኣብ ምግልጋሎም ንኸጽንዕ ብዝብል ዕላማ እዩ፡ ቢሎም ታሪኽ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ጃፓንን ንኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ምስጋና ይኹኖም ኣባ ኣለሳንድሮ ቫሊኛኖን ኢጣሊያዊ ተወላንዲ ዞባ ኪየት ኣብ 1573 ዓ.ም. ናብ ጃፓን ዝተላእኩን ኣብ ጃፓን ንዓሰርተ ዓመት ዘገልገሉ እዋን ዝተበገሰ እዩ፡

ጃፓን ንናይ ሕዝብታት ስቃይን መከራን መስተውዓሊትን ቀረባን እያ፡ ናይቲ ኣብ ጃፓን ዘካይዶ ሕዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል፡ ናይ ኵሉ ሕይወት ምክልኻል ዝብል እዩ፡ እዚ ኸኣ ሕይወት ዘለዎ ልዑል ክብርን ምትሕብባርን ምድግጋፍን ኣብ መንጐ ኣሕዋትን ዝጠልብ ምዃኑ ንምሕባር ዝሓቀነ እዩ

ኑክለሳዊ ሕቶ ምግጣም

ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣደዳ መጥቃዕቲ ኣቶማዊ ቦምቢ ዝዀና ከተማታት ሂሮሺማን ናጋሳኪን ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣናሓሰቡ፥

ኣብ መንጐ ሕዝብታትን ሃገራትን ዝፍጠር ከቢድ እውን ይኹን ምስሕሓብ ብዘተ ክፍታሕ ዝከኣል ምዃኑ ታሪክ ይምህረና፡ እንኰን ንነባሪ ሰላም ውሕስነት ዘልብስ ክቡር መፍትሒ ዘተ ጥራሕ እዩ፡ ኑክለሳዊ ሕቶ ንምግጣም፡ ብመድልብለ ጐናውነት ደረጃ ተቐባልነት ዘህልው ዓለም ለኻዊ ወጅሂ ዘለዎ ፖለቲካውን ተቕዋማውን  ከይዲ ምንቕቓሕ የድሊ፡

ጃፓን፥ ናይ ዘተን ምርኻብን ባህሊ

ንሓደ ቅኑዕን ሕውነታውን ዓለም ናይ ምርኻብን ዘተን ባህሊ ምፍጣር ኣገዳሲ እዩ። ምዕባለን ስኒትን ፍትሕን ምትሕብባርን ዕርቅን ንሕንጸት ሰላም መሰረት ዝዀኑ ዘሀልወ ባህሊ እዩ፥

ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ኣብ ጃፓን ንኽካየድ ዝተወሰነ ናይ ኦሎምፒክን ናይ ኣካለ ስንኵላን ኦሎምፒክ ስፖርታዊ ግጥም ዝእንገድ ምዃኑን፡ እዚ ዶብ ሃገራትን ዞባታትን ሰገር ዝዀነ ምትሕብባርን ምቅርራብን ዘለዎ ኣገዳስነት ዘመላኽትን ንድልያ ናይ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ስድራ ቤት ናይ ሓባር ጥቕሚ ዘተባብዕ ከምዝኸውን ርግጸይና እየ።

ሰናይ ርክብ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት

ቅዱስነቶም ውርሻ ጃፓን እናሓሰቡ እቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ብሓባር ኣብ ምስሪ ምስ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ኣብ ዝሓለፈ ፍወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ከቲሞም ወግዓዊ ዝግበርዎ ሰነድ ዘመላኽቶም ክብርታት ዘቃልሕ ምዃኑን ነዚ ክብሪ እዚ እውን ዝዓቀበት ሃገር ከምዝዀነት ከመላኽቱ እንከለዉ፥

ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ንናይ መጻኢ ሰላም ጥራሕ ዘይኰነ እዋናውን መጻእን ወለዶ ንሓደ እውነተይና ቅኑዕ ሕብረተሰብን ሰብኣውን መሰረት ዝዀነ ግብረ ገባዊ መትከላት ክኽበር እውን ዝድግፍ እዩ፡

ተኣፋፊ ዕምባባ

ብዛዕባ ፍጥረት ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ መንእሰያት ዘየደናግር እውነተይና መልሲ ንኽንህብ ይብድሁና፡ እቲ ናይ ጃፓን ትእምርቲ ዝዀነ ዕምባባ ቺሊየጃ፥ እዚ ዕምባባ’ዚ ማራኽን ተኣፋፍን እውን ምዃኑ ገሊጾም፡

ዕምባባ ቺሊየጃ ዝማርኽን ተኣፋፍን እዩ፡ ልክዕ ከምታ ናይ ሓባር ቤትና፡ ዝወርድ ሰብኣውን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታትን ምዝመዛን … ፍጥረት ንምክልኻል ኣብ ዝብል ዕላማ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣብ ሓላፍነቱ ምስ ዝጐድል ከምእንርእዮ ብዛዕባ ምክንኻን ፍጥረት በዳህትና መንእሰያት እያቶም፡ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ፡

ናይ ኩሉ ማእክል ሰብኣዊ ክብሪ እዩ

ናይ ሓባር ቤትና ምክልኻል ማለት ንናይ ሰብኣዊ ምህዳር ምግዳስን ኣብ መንጐ ሃብታምን ድኻን ዝፈጥር ዘሎ ዓለም ሓቆፋዊ ቁጠባውን ኤኮኖምያውን ጋግ ምብዳህ ከምዘድሊ ሓቢሮም ኣብዚ መዳይ መንግስቲ ጃፓን ዝህቦ ዓቢይ ኣተዋጽኦ ዘኪሮም፡ ኣብ መንጐ ሃገራት ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ሓላፍነት ከይዝንጋዕ ሓደራ ክብሉ እንከለዉ፥

ናይ ኵሉ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ንጥፈታት ሰብኣዊ ክብሪ እዩ ክማእከል ዘለዎ፡ … ስለዚህ ንዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ዝተረስዑን ድኻታትን ሓለፋ ምባል የድሊ፡ ኣረጋውያንን ህሙማንን … ናይ ሓደ ሕዝቢ ወይ ናይ ሓንቲ ሃገር ስልጣነ፡ ብኤኮኖሚያዊ ክህሎት ዘይኰነ ንድኻታትን ንዝተናዕቁን ብዝህቦ ቆላሕታ እዩ ዝምዘን፡ ንሱ እዩ ንሕይወት ፍርያምን ጐስጓሳይን ዝገብር።

ቢሎም ናይ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ሰብኣዊ ክብሪ ብምኽባርብ ሕይወት ምክልኻል እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ካፐሊ ሓቢረን፡ ናይ ጃፓን መራሔ መንግስቲ ቅድሚ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኵም መደረ፡ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘለዎም ኣድናቖትን ንድኻታትን ፍትረትን ዘለዎም ሓልዮትን ተገዳስነትን እውን ኣድኒቖም ኣብነት እዮም ከምዝበሉን፡ ጃፓን ማንም ኣብ ድኽነትን ተነጽሎን ከይተርፍ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ከምእትዓይን፡ ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ዝጠቕስዋን ኣብ ዝርከብሉን መደረ ዘስምዕሉ መድረኻት ብዙሕ እዋን ንኹሉ ክርአይ ዝገብርዎ ብኣቶሚክ ቦምቢ ምኽንያት ዝሞተ ሓዋ ዝሓዘለት ጃፓናዊት ሕጻን ዘርኢ ሓቀይና ስእሊ ጠቒሶም መንግስቶም እንነብረሉ ዓለም ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ክኸውን ኣብ ዝግበር ጻርን ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ድኻታት ሃገራትን ኣብ መንጐ ድኻታት ዜጋታት፡ ኩሉ ዓቢይን ብሩህን መጻኢ ክጭምት ዘኽእል ተስፋ ንምዝራእ ብዝተፈላለየ መዳይ ተጸሚዶም ኣብ ዝህብዎ ኣገልግሎት ኣብ ምድጋፎም ኣበርቲዑ ከምዝዓዪ እውን ከምዘረጋገጹ ገሊጸን።  

ር.ሊ.ጳ. ንሰበ ስልጣናት፡ ሰብኣዊ ክብሪ ዘለዎ እንኵ ኣጽዋር ዘተ እዩ

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ንሰበ ስልጣናት፡ ሰብኣዊ ክብሪ ዘለዎ እንኵ ኣጽዋር ዘተ እዩ
26 November 2019, 17:51