ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ መዕበያ ሕንጸት መዕበያ ምጉሓፍ ዝተለማመዱ ኰይንና ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ መዕበያ ሕንጸት መዕበያ ምጉሓፍ ዝተለማመዱ ኰይንና 

ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ መዕበያ ሕንጸት መዕበያ ምጉሓፍ ዝተለማመዱ ኰይንና

ብዙሕ እዋን ሕብረተሰብ ብውሳኔ ሕግታትን ኢሰብኣውነትን ናይ ሓባር ጥቕሚ ንምርግጋጽን ውሕስነት ጸጥታን ደሕንነት ብቤት ማሕቡስ ኣቢሉ ዝረኽቦ ከይኑ እዩ ዝስምዖ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓለፍቲ ዘሳተፈ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም ዕለት 8 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ሎሚ እውን ብዙሕ ጽልግላጐ ዝተመልኤ እቲ ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ዘሎ ከቢድ ኩነትን ዘማእከለ ከምዝነበረ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ህልውን ጭቡጥን ኩነት ብናይ ምድርባይን ምንጻግን ንኻልእ ምጉሓፍን ከም ጓሓፍ ተጠቒምካ ምድርባይን ብዝብል ባህሊ ዝተበከለን ዕጽው ወይ መዕጸዊ ስፍራ ዝተመልአን ሰብኣውነት ኣልቦ ዝዀኑ ቀጽርታት ዝቖመሉን፡ ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ዝድርትን ዝጐድእን ስፍራ እዚዩ ዘሰክፍ እዩ፡ ኣባይቲ ማሕቡስ ናይቲ ዓለም ዝኽተሎ ዘሎ ኢጐነታነትን ሸለልተይናነን ዘይተገዳስነትን ባህሊ ዘስተርእይ እዩ፡ ናይ ኣነባብራናን ኣገባባትናን መግለጺ ምዃኑ ከምዘብርሁ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፡ ካብ ኣፍሪቃን እስያን ኦቻይናን ላቲን ኣመሪካን ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝተዋጽኡ ናይ ኣባይቲ ማሕቡስ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓለፍቲ ነርባዕተ መዓልቲ ብሓልዮት ኩለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣሰናዳእነት ዘካየድዎ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 8 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ንተገባእያን ተቐቢሎም ብዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምእተዛዘመን፡  

ደረት ተምክሮን ናይ ኣደ ፍቕሪ

ጭቡጥ ኩነታት ኣባይቲ ማሕቡስ እናሓሰቡ፡ ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ዘሎ መሳዅትን፡ ብሓቂ ደረተ ትርኢት እቲ ፍርዲ እውን ሞት ይፍታሕካ ዝብል ይኹን፡ ህልው ምግባር የድሊ፡ ደረት ትርኢት ዘየማዕድው ህይወቱ ክቕይር ዝኽእል ሓደ እኳ የልቦን፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም እውን ካብ ናይ ቦኖስ ኣይረስ ተምክሮኦም ነቒሎም፡ ወለዲ ንእሱራት ደቃቶም ዘድልይ ነገራት ንኸብጽሑ ኣብ ኣፈት እቲ ቤት ማሕቡስ ተሰሪዖም ዝርእይዎ ዝነበረ ኩነት ዘኪሮም፡ ኣብቲ መስርዕ ካብ ዝነበሩ መብዛሕቲኤን ኣዴታት እያተን ዝነበራ፡ ኣዴታት ውላደን ብዝዀነ ይኹን ገበን ይተኣሰር፡ ሓዘን እውን ዝስምዔን እንተዀነ ወደይ እዩ ንምባል ዘይሓፍራ ዝይፈርሓን እያቶም፡ ካብኣተን ብሓቂ ኣደነት መንፈስ ምምሃር የድሊ ከምዝበሉ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ካብ ምሕናጽ ምዕፋን፡ ካብ ምእራን ምእላይ እቲ ዝቐለለ ተግባር እዩ

ነቶም ካብ መላእ ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ ናይ ኣባይቲ ማሕቡስ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓለፍቲ፥

ብዙሕ እዋን ሕብረተሰብ ብውሳኔ ሕግታትን ኢሰብኣውነትን ናይ ሓባር ጥቕሚ ንምርግጋጽን ውሕስነት ጸጥታን ደሕንነት ብቤት ማሕቡስ ኣቢሉ ዝረኽቦ ከይኑ እዩ ዝስምዖ፡ ቤት ማሕቡስ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ጸገማት መፍትሒ እዩ ቢልካ ካብ ምሕሳብ ኣባይቲ ማሕቡስ ምስባእ እዩ ዘድልይ፡ ኣባይቲ ማሕቡስ ንምምሕዳር ብዙሕ ወጻኢ እዩ ዝሓትት፡ ካብቲ ንሕንጸት ሕብረተሰብ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ንላዕሊ፡ ነቶም ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝርከቡ ምኽሳብ የድሊ፡ ምእንቲ’ዚ ንምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ዝድግፍ መርሓ ግብሪ ምንቕቓሕ እዩ ዘድሕን ….

ምክፋእን ምጽላምን ክስገር

ኣባይቲ ማሕቡስ እቲ ዝኣበሰ ተኣሪሙ ምስ ሕብረተሰብ ተዋሂዱ ከንብሮ ዘኽእሎ ሕንጸትን መርሕነትን እዩ ዘድልዮ እምበር፡ ምጽላሙን ምውራዱን መፍትሒ ኣየምጽእን፡ …

ዝበደለ ብዝፈጸሞ ገበን ብቐጻልነት ምፍራድ ጐዳኢ እዩ፡ ንኻልእ ከም ጓሓፍ ምርኣይ ዝብል ባህሊ ምስናፍ የድሊ፡ ካብ ቤት ማሕቡስ ዝወጽእ ነቲ ዝራኸቦ ዓለም ቀደም ኣብ ዝነበረሉ ማሕበረሰብ ኰነ ዓለም መጻእተይና ኰይኑ እዩ ይስምዖ፡ እምነት ከሕድረሉን ገዛእ ርእሱ እውን ንኸዋህድ ዘይኽእል ኰይኑ ክስምዖ ዝድርኽዎ ነገራት ብሰፊሕ የስተውዕል፡ ስለዚህ እቶም ካብ ቤት ማሕቡስ ዝወጹ ገና ኣብ ቤት ማሕቡስ እንከለዉ ብዝረኽብዎ ሕንጸት ተደጊፎም ምስ ተፈትሑ ኣብ ቅድም ዝነበሩሉ ዓለም መጻእተይና ኰይኖም ከይስምዖምን ተመሳሳሊ ገበን እውን ከይፍጽሙ መታን እቲ ዝጽንበሮ ሕብረተሰብ ኣብ እንገዳን ሓልዮትን ምሕረትን ክህነጽ ኣለዎ …  

ማሕበራዊ መቕጻዕቲ

ከም ማሕበረሰብ ክርስቲያን፥ እቶም ስለ እቲ ዝፈጸምዎ ገበን ፍርዶም ኣብቂዖም ናብ ሕብረተሰብ ዝምለሱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን በመንጽር እቲ ፈጺሞምዎ ገበን ምምልካት ብቐጻልነት ምፍራዶም ክውገድ ናይ ዝገብር ጻዕሪ ኣብነት ክንከው ከምዝግብኣ ኣተሓሳሲቦም፡ እዚ ኸኣ መሊሶም ገበን ንኸይፍጽሙ ዝሕግዞም እዩ ቢሎም፡ ጐይታ ንዅሎም ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝርከቡን ወለዳቶምን ነቶም ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ዘገልግሉ ካህናትን ሰራሕተይናታትን ይባርኽ ቢሎም ንተጋባእያን ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ሎሞናኰ ኣስዒቦም፡ ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ነቶም ተጋባእያን ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘላለዩን ቅዱስነቶም ንዝልግስዎ ቃል ምዕዳንን ኣቐዱሞም ዘመስገኑ ኣገልግሎት ናይ ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት  ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህይነተ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርሶን፡ እሱራት ብዝፈጸምዎ በደል ብቐጻልነት ዘይምምልካትን ክንየው ገበናቶም ኣሕዋትናን ኣሓትናን እያቶም ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ መዕበያ ሕንጸት መዕበያ ምጉሓፍ ዝተለማመዱ ኰይንና
09 November 2019, 17:59