ድለ

ር.ሊ.ጳ. መበል 32 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዛዚሞም ናብ ሃገረ ቫቲካን ብሰላም ኣትዮም ር.ሊ.ጳ. መበል 32 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዛዚሞም ናብ ሃገረ ቫቲካን ብሰላም ኣትዮም 

ር.ሊ.ጳ. መበል 32 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዛዚሞም ናብ ሃገረ ቫቲካን ብሰላም ኣትዮም

ብመንግስቲ ጃፓን ወግዓዊ ናይ ምንፋው ስነ ስርዓት ንኽብሮም ምስ ተፈጸመ ድሕሪ እቲ ስነ ስርዓት ንኸፋንውዎም ንዝተረኽቡ ብፁዓን ጳጳሳት ጃፓንን ልኡካንን ሰላምታ ተለዋዊጦም

ር.ሊ.ጳ. ካብቲ ናይቲ መበል 32 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ናይ መዛዘሚ መርሓ ፍጻሜ ቶክዮ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ሶፊያ ምስ ምምሃራንን ተመሃሮን ተራኺቦም ቃለ ምዕዳን ለጊሶምን ምስ ኣብቅዑ፡ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት 10.50 ደቓይቕ (ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ክልተ ናይ ለይቲ) ቶክዮ ናብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ተጓዒዞምን

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ 30 ድቓይቕ ሃነዳ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ በጺሖምን ብመንግስቲ ጃፓን ወግዓዊ ናይ ምንፋው ስነ ስርዓት ንኽብሮም ምስ ተፈጸመ ድሕሪ እቲ ስነ ስርዓት ንኸፋንውዎም ንዝተረኽቡ ብፁዓን ጳጳሳት ጃፓንን ልኡካንን ሰላምታ ተለዋዊጦም ብናይ ጃፓን ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 11.35 ደቓይቕ ብነፋሪት ተጓዕዞም ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተን ሓሙሽተ ደቓይቕ ሮማ ኣብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝበጽሑን፡ ቅዱስነቶም ናብ ሮማ ኣብ ምምላሶም ነተን ናይ በረራድ ኣየር ዶባተን ንዘቋረጹለን ንሃገረ ጃፓንን ሩስያን ፊንላንድን ኤስቶኒያን ለቶኒያን ሊትዋኒያን ፖላንድ ረፓብሊካዊት ቸክን ኦስትሪያን ስሎቨኒያን ክሮኣዚያን ኢጣሊያ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. መበል 32 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዛዚሞም ናብ ሃገረ ቫቲካን ብሰላም ኣትዮም

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. መበል 32 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዛዚሞም ናብ ሃገረ ቫቲካን ብሰላም ኣትዮም
27 November 2019, 11:05