ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣይፋል ነቲ ተጠቂምካ ምድርባ ዝብል ነጻጊ ባህሊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣይፋል ነቲ ተጠቂምካ ምድርባ ዝብል ነጻጊ ባህሊ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣይፋል ነቲ ተጠቂምካ ምድርባ ዝብል ነጻጊ ባህሊ

ምኽዕባት ዝብል ዘይኰነ ብዙሓት ምዃን፡ ንዓይ ዘይኰነ ንዅላትና ዝብል፡ እዚ ንምኽዋን ኣብ ማሕብራዊ ሕይወትን ባህልን ኤኮኖምን ሰብኣዊ ፍጥረት ንምምእካል ናይ ልብናን ኣመለኻኽታን ጥልቂ ሕዳሴን ለውጥን የድሊ

ዕለት 11 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ጸንባሪ/ሓቛፊ ርእሰ - ማልነት ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ካብ ሃብቲ ምኽዕባት ብዙሓት ናብ ምዃን ንኸነብል መታን ኣብ ኤኮኖሚያዊ ሕይወት ሰብኣዊ ንኽማእከል ጥልቂ ናይ ልብን ኣመለኻኽታን ሕዳሴ ኣገዳሲ ምዃኑ የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ድኽነትን ኢማዕርነትን ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ሰብኣዊ ፍጥረትን እንነብረላ መሬትን ተዓሪዶም ንዘለዉ ሱር ሰደድ ብድሆታት መልሲ ንምሃብ ናብ ቅኑዕ ከይዲ ኤኮኖሚ ምባል ኣገዳስነት ዘለዎ ሕጹጽ መርሓ ግብሪ ክኸውን ኣለዎ ዝበሉ ቅዱስነቶም፡ እዚ ቤት ምኽሪ ሓቛፊ ርእሰ ማልነት ኣብ ዓለም ዝረይን እናሰፍሔን ዝኸይድ ዘሎ ድኽነት ካብ ምጽባብ ናብ ምውጋድን እቶም ውሑዳት ተጠቀምቲ ሃብቲ ዓለምን እቲ ኣብላጺ ሕዝቢ ዓለም ዝንጽል ስርዓት ኤኮኖሚ ንምብዳህ ዝዓዪ ክኸውን እንከሎ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ እውን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቅዱስ ኣቦና ተመሳሳሊ ርክብ ኣካይዱ ምንባሩ ዝዘከራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ደቦራ ዶኒኒ ኣስዒበን፡ ኣብቲ ናይ ዕለት 11 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ርክብ ኣቐዲሞም ቃል ምስጋና ንዘቕረቡ ንብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶንን ዘረባ ንዘስምዑን ነርባዕተ ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣባላትን ኣመስጊኖም፡

ናብ ለጋስ ኣብነት ምልዋጥ

ትካላውን ኤኮኖሚያውን ንጥፈት ካብቲ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ኣገልግሎት ዝብል መሰረታዊ ዕላማ ዝንጸል ክኸውን የብሉን፡ ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥር ክኽውን ጳውሎስ ሻድሻይ ዝበልዎ ቃል ተወኪሶም፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረትን መላእ ዘርኢ ሰብን ንምድጋፍ ምንቕቓሕ ዘቕርብ ክኸውን ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ኸኣ ወጻእን ኣታውን ብምምዝዛን ምውዳን ብዝብል መደብ ጥራሕ ዘይኰነ ትሕቲ ቅርጽታት ንምምሕያሽ ዝኣመተ ዝተፈላለዩ ንናይ ኩሉ ጥቕሚ ዝብል ቀረብ ምህርቲ ብምትብባዕ ይኹን፡ ከምዚ ምስ ዝኸውን ነቶም ዝተናዕቁን ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡ ዝሓልይ ኣብ ልግስና ዝቖመ ናይ ኤኮኖሚ ስርዓት የበራትዕ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ብዛዕባ ስነ ምግባር ዘይግደስ ስርዓት ኤኮኖሚ ናብ ቅኑዕ ማሕበራዊ ስርዓት ዝመርሕ ዘይኰነ ናብቲ ተጠቂምካ ምጉሓፍ ዝብል ኣህላኽነትን ምጉሓፍን ማእከል ዝገብር ባህሊ እዩ ዘብጽሕ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቓዊ ማሕበራዊ ትምህርቲ ካብ ዘቕርቦም ማዕዝናት ሓደ ዝዀነ ናይ ኤኮኖሚ ግብረ ገባዊ ማዕዝን ምስ ዝህልዎ ናይ ሓባር ጥቕሚ ምድላይን ምክልኻልን ናይ ካልኦት ረብሓን ኵለንተናዊ ምዕባለን ብዝብል ኣገባብ ብምክብባር ኣብ ሕውነታዊ ፍቕሪ ንክንዓዪ ይድርኸና፡

ኵሉ ናይ ጸጋታት ተጠቓሚ ንኽኸውን

ቅዱስነቶም ነቲ ቤት ምኽሪ ሓቛፊ ርእሰ ማልነት፡ ናይ ልግሲ ተሓባባሪ ጉዕዞ ክህልዎን እንክብሉ ኪደት’ዚ ኣተባቢዖም፡ ኤኮኖምን ቁጠባን ሰብኣዊ ፍጥረት ዝድግፍ ስነ ምግባራዊ ኣቀራርባ ክህልዎ መታን ኩሉ ኣበርቲዑ ክዓዪ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ 2008 ዓ.ም. እቲ ርሑቕ ዘይጥምት ኣብ ውሱን ግዜ ልዑል መኽሰብ ዝብል ኣገባብ ኤኮኖሚ ዝስዓቦ ቅልውላው ቁጠባ ኣብ ዘኪሮም እቲ ጸገም ሎሚ እውን ጠሪሹ ከምዘይተኣልየን እዚ ሽግር እዚ ንምብዳህን ከይድገምን ንነዊሕ ዝኣመተ ተቐባልነት ዘለዎ ማሕበረስብኣዊ ሓላፍነት ዘስርጽ ከይዲ ኤኮኖምን ቁጠባን ምኽዋን ኣገዳሲ ይኸውን፡ እዚ ቤት ምኽሪ እዚ ኩሉ ናይ ሃብቲ ዓለም ተጠቓሚ ክኸውን ዝዓዪ እዩ ቢሎም፡

ምኽዕባት ዝብል ዘይኰነ ብዙሓት ምዃን፡ ንዓይ ዘይኰነ ንዅላትና ዝብል፡ እዚ ንምኽዋን ኣብ ማሕብራዊ ሕይወትን ባህልን ኤኮኖምን ሰብኣዊ ፍጥረት ንምምእካል ናይ ልብናን ኣመለኻኽታን ጥልቂ ሕዳሴን ለውጥን የድሊ፡

ምስ በሉ፡ ኣብዚ ምህላውኵም ናይ ተስፋ ምልክት ምዃኖም ዝገልጽ እዩ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ሓቛሚ/ጸንባር ርእሰ ማልነት ቅኑዕን ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ኤኮኖሚ ኣብ ምንቕቓሕን ንመላእ ዘርኢ ሰብን ንመጻኢ ወለዶ ዝሓስብ ማንም ዘይንጽል ከም ጓሓፍ ዘይድርብይ ጸንባሪ ርእሰ ማልነት ብዝብል ሕርኵት ጻዕሪ ብሉጽ ዓለም ኣብ ምሕናጽ ስለ ዘበርክቶ ኣስተዋጽኦ ኣመስጊኖም፡ እቲ ቤት ምኽሪ ዝህቦ ኣገልግሎት ካብ ልዑልን ክቡርን ኣስተንፍሶ ዝነቐለ እዩ፡ ስለ እዚ ዕላማ እዚ ምትጋህ ልዑል ክብሪ እዩ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ዶኒኒ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣይፋል ነቲ ተጠቂምካ ምድርባ ዝብል ነጻጊ ባህሊ
12 November 2019, 18:07