ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ምንቕቓሕ ሰብኣውነት ናይ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ጻዕሪ መለለዪ ይኹን

መናብርተ ጥበብ ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን መደባት ዝሕጸጸሉ መታን ክኸውን ውስጠ ርክብ ዝተፈላለያ ናይ ትምህርትን መጽናዕትታት ጨናፍር

ዕለት 4 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለም ሓቆፍ ናይ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ፈደራላዊ ማሕበር ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ተጋባእያን ተቐቢሎም፥ መናብርተ ጥበብ ናይ ልብን ኣእምሮን ኣእዳውን ቋንቋ ብምውሃድ ቃልን ሕይወትን ብዘጣምር ኪደት ባህሊ ነቲ ክስተተ ኣእምሮ ወይ ከኣ ንቕሓተ ኣእምሮ ጥራሕ ዝብል ባህሊ ንምብዳህ ዝድግፍ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መናብርተ ጥበብ ሓድሽ ወለዶ ብዝተፈላለዩ ናይ መጽናዕቲ ጨናፍር ዝሕነጸሉ ጥራሕ ዘይኰነ ካብኡ ሓሊፉ እውን ናይ ሓባር ጥቕሚ ተዋሳኢ ክኸውንን መሃዛያን ብቝዓት ናይ መጻኢ መራሕትን ኣብ ናይ ማሕበራውን በርገሳውን ሕይወት ሓላፍነት ዝስምዖን ናይ ዓለምን ሰብኣዊ ፍጥረትን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ትኽክለይና ራእይ ዘለዎን ክኸውን ዘብቅዖ ሕንጸት ዝረኽብሉ ክኸውን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡ ካብዚ ነቒሎም መምሃራን መናብትረ ጥበብ ብጠቕላላ መምሃራን ዘለዎም ሓላፍነት ዓቢይ ምዃኑ ከምዘዘኻኸሩ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጃዳ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፡ ኵለንተናዊ ስብኣዊ ዕብየትን ኵለንተናዊ ምህዳርን ዘገድሶ ኣብዚ መዳይ ዓቢይ ግደ ዘበርክት ክኸውን ዝነቓቕሓሉን መሰረታዊ ፍልተጠት ዝቐስመሉ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ገሊጸን።

መናብርተ ጥበብ ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን መደባት ዝሕጸጸሉ መታን ክኸውን ውስጠ ርክብ ዝተፈላለያ ናይ ትምህርትን መጽናዕትታት ጨናፍርን ዓለም ለኻዊ ምትሕብባርን ፍልጠትን ዕቑር ሓይሊ ምክፋልን ዘተባብዕን ዝኽወነሉን ክኸውንን፡ መደብ ሕንጸት ዕደ ጥበባውን ፍልጠትን ጥርሕ ዘይኰነ ናይቲ ዝሕነጽ ሰብ ኵለንተናዊ ምሉእነት ዝምልከት ክኸውን ኣለዎ፡ ኣካልውን ስነ ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ሰብኣውን ጐድንታቱ ዝምልከት ኰይኑ ሰብ ብምሉእነት ዝርእይ ክኸውን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡ ናይ ፍልጠት ህልዩ፥ ሓናጽን ኵላውነትን ተራኻብነትን ዝብል ፍልጠት ዘጽንዕ እዩ ክኽውን ዘለዎ፡ ስነ ምርምራውን ስነ ህልዩኣውን ፍልጠት ናብ ርእሰ ተወካስነትን ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ንርእሰ ልዕልና ዘይኰነስ ብዝያዳ ንምግልጋል ብፍላይ ንዝተናዕቁን ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡን ንምግልጋል ዘተባብዕ እዩ ክኸውን ዘለዎ ቢሎም፡ ናይ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ፈደራላዊ ማሕበር ሓላዊ ቅዱስ ካርዲናል ቅዱስ ጆን ሀንርይ ነውማን ፥ መንበረ ጥበብ ፍልጠት ዘፍርሆ ዘይኰነስ ፍልጠት ዘንጽሕ እዩ እንክብል ዝገለጾ ሓሳብ ጠቒሶም፥ ዝለግስዎ ቃለ ምዕዳን ክምዘጠቓለሉ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ምንቕቓሕ ሰብኣውነት ናይ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ጻዕሪ መለለዪ ይኹን
05 November 2019, 17:48