ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ.ን ናይ ሊትዋንያ ርእሰ ብሔር ናውሰዳን ክሌኣዊ ርክብ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ.ን ናይ ሊትዋንያ ርእሰ ብሔር ናውሰዳን 

ክሌኣዊ ርክብ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ.ን ናይ ሊትዋንያ ርእሰ ብሔር ናውሰዳን

እቲ ዝተኻየደ ልባዊ ክሌኣዊ ርክብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሊትዋንያ ኣብ ጽንኩር እዋን ኣብ ዝነበረትሉ ኰነ ሎሚ እውን ኣብቲ ዘጋጠማ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ብድሆታት ቀረባ ብምኻን እትህቦ ዓቢይ ድጋፍ

ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ረፓሊካዊት ሊትዋንያን ዘሎ ሰናይ ርክብን ናይታ ሃገር ማሕበራውን ኤኖሚያውን ጉዳይን ከምኡ እውን ምንቕቓሕ ስድራ ቤትን ሰላምን ጸጥታን ደሕንነትን ኣብ ኡክራይን ዘሎ ውሽጣዊ ግጭትን ኣብ መንጐ ሃገራት ኤውሮጳ ዝለዓለ ምትሕብባር ክህሉ ዝብሉ ኣርስታት ናይቲ ዕለት 8 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ናይ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ረፓብሊካዊት ሊትዋንያ ርእሰ ብሔር ጂታናስ ናውሰዳን ክሌኣዊ ርክብ ማእከል ከምዝነበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ንወግዓዊ ምብጻሕ ዕለት 8 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ሊትዋንያ ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ድሕሪ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ምይይጥ፥ ርእሰ ብሔር ሊትዋንያ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ እቲ ዝተኻየደ ልባዊ ክሌኣዊ ርክብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሊትዋንያ ኣብ ጽንኩር እዋን ኣብ ዝነበረትሉ ኰነ ሎሚ እውን ኣብቲ ዘጋጠማ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ብድሆታት ቀረባ ብምኻን እትህቦ ዓቢይ ድጋፍ ኣፍልጦ ከምዝሃበን፡ ናይ ሓባር ጥቕሚ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት፡ ምንቕቓሕ ስደራ ቤትን እንገዳን ማሕበራዊ ፍትሕን ምይይጥ ከምእተኻየደን፡ ኣብዚ መዳይ ቤተ ክርስቲያን እተበርክቶ ግደ ዓቢይ ምዃኑ ከምእተሰመረሉን፡ ስዒቡ እውን ብዛዕባ ከባብያውን ዓለም ለኻውን ኣገደስቲ ርእሳነ ጉዳያት መሰረት ዝገበረ ናይ ሓሳብ ልውውጥ ተኻይዱ፡ ዛዕባ እቲ ኣብ ኩራይን ዘሎ ውጥረትን ንኣኡ ዝኣመሰሉ ኣብ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ንዝረአዩ ብድሆታት ዝመጣጠኖ መልሲ ንምሃብ ኣብ መንጐ ሃገራት ኤውሮጳ ዝለዓለ ምትሕብባር ክህሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ብኽልቴኣተን ሃገራት ብኣጽንዖት ከምእተሓበረ ኣፍሊጡ።

ክሌኣዊ ርክብ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ.ን ናይ ሊትዋንያ ርእሰ ብሔር ናውሰዳን
09 November 2019, 10:30