ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጃፓን ኣትዮም፥ “ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ምክልኻል”  ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጃፓን ኣትዮም፥ “ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ምክልኻል”  

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጃፓን ኣትዮም፥ “ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ምክልኻል”

ናይቲ ኣብ ጃፓን ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል፡ ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ምክልኻል ዝብል እዩ

ዕለት 23 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ብናይ ጃፓን ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሓሙሽተን ሳላሳን ክልተን ደቓይቕ (ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ንጐሆ ሰዓት ትሽዓተን ሳላሳን ክልተን ደቓይቕ) ጃፓን ከምዝኣተዉን ብመርሓ ግብሪ ናይ ጃፓን ሓዋርያዊ ዑደቶም ናብቲ ኣብዚ ሓዋርያዊ ዑደቶም ዝዓርፍሉ ቶክዮ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ በጺሖምን ምስ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጃፓን ብፁዓን ጳጳሳት ክራኸቡን መኣዲ ድራር ተቛዲሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ቶክዮ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ ብናይ ጃፓን ምኽትል መራሔ መግንስትን ኣብ ጃፓን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ኣማኢት ብዝቑጸሩ ናይ ካቶሊክ ኣቢያተ ትምህርቲ ተመሃሮን ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም ብቐጥታ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ዝርከብ ናይ መንግስቲ ኣጋይሽ መቐበሊ ቤት ብምኽትል መራሔ መንግስቲ ትሰንዮም በጺሖምን ሓጺር ክሌኣዊ ርክብ ከምዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግልጺ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ እቲ ርክብ ቅዱስነቶም ብማኪና ተጓዒዞም ቶክዮ ክፍለ ከተማ ቺዮዳ ናብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ሕንጻ በጺሖምን ኣብኡ ምስቲ ሰለስተ ርእሰ ሰበኻ ሜጥሮፖሊታን ዓሰርተ ሰለስተ ሰበኻታት ዘጠቓልል ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ጃፓን ከምእተራኸቡን ድሕሪ እቲ ርክብ ኣብኡ መዓዲ ድራር ተቛዲሶምን ምሕዳሮም ኣብኡ ክገብሩ እዮም። ቅድም ክብል ከም እተሓበረ እውን ናይቲ ኣብ ጃፓን ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል፡ ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ምክልኻል ዝብል እዩ።

 

Photogallery

ስንብታ ቅዱስ ኣቦና ካብ ታይላንድ (ባንግኮክ)
23 November 2019, 10:28