ድለ

ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ሰላም ኣብ ቡርኪናፋሶ

ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኰነ ብቕዓት ንዘይብሎም ሓለዋን ደህንነትን ክቐርብ እላበው

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ መንመናን ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፡ ኣብ ቡርኪናፍ ፋሶ ዘሎ ዓመጽን ቅልውላውን ንምብዳህ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓበር ዘተ ልዑል ኣገዳስነት ክምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነታ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ብዝደጋገም ዓመጽ ናብ እትሳቐይ ዘላ ፍትውቲ ሃገር ቡርኪና ፋሶ ሓሳበይ አቕንዕ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣስታት ሚእቲ ዝግመቱ ንሞት ዝዳረገ መጥቃዕቲ እውን ዘኪሮም፡ ኣሸበርቲ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ብተደጋጋሚ ዝርአየላ ሃገር ትኸውን ከምዘላ ክፍለጥ እንከሎ፡

ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኰነ ብቕዓት ንዘይብሎም ሓለዋን ደህንነትን ክቐርብ እላበው፡ በርገሳውያን ሰበ ስልጣናትን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ኣብ ናይ ሓባር ዘተ ክተግሁ አተባብዕ፡ ብመንፈስ እቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተኸተመ ናይ ሓባር ሰነድ፡ ዘተን ስምምዕን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ከጋገጽ እላበው

ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረድዮ ደቦራ ዶኒኒ ኣስዒበን፡ ቡርኪናፋሶ 26 ዝተፈላለዩ ዓሌትን 65 ከብቢያዊ ቋንቋታትን ዝዝረበላን ኣብላጺ ሕዝባ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ከምዝዀነ ኣዘኻኺረን፡ ኣብ ዝሓለፉ መዋዳእታ ዓመታት ኣብ ማሊ ንድጋፍ ሃይማኖት ምስልምናን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝብል ኣንሳር እተሰምየ ኣብ ማሊ ዝርከብ ንኸባቢ ሳሔል ናይ ኣልቃይዳ የማናይ ኢድ ተባሂሉ ዝግለጽ ናብ ቡርኪና ፋሲ ሶሊኹ ብምእታው ተደጋጋሚ ግብረ ሽበራ ከምዝፈጸመን፡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ እውን ንልዕሊ 60 ዜጋታት ንሞት ዝዳረገ ግብረ ሽበራ ከምዝፍጸመ ኣዘኻኺረን፡ እቲ ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንፍርቂ ሚሊዮን ዝግመቱ ዜጋታት ቡርኪናፋሶ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ከምዘመዛበለ ገሊጸን።

ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ሰላም ኣብ ቡርኪናፋሶ
13 November 2019, 18:05