ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ዓመጽ ክውገድ ይጽልዩ

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ዓምጽን ናይቲ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑን ማሕበረ ክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ዘጓንፎም ዘሎ ስቓይ ኣዚዩ ልቦም ብሓዘን ከምዝመልኦ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቁዑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ዓመጽን ብፍላይ ንምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ምኽንያት ስቓይ ኰይኑ ዘሎ ዓመጽ ከብቅዕ ንጸልይ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጋብሬኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ናይ ዘሎ  ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ንናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ምእመናንን ከምኡ እውን ንፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ማቲያስ ቅርበቶምን ጸሎቶምን ከረጋጹ፥

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ዓምጽን ናይቲ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑን ማሕበረ ክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ዘጓንፎም ዘሎ ስቓይ ኣዚዩ ልቦም ብሓዘን ከምዝመልኦን፡ ንምእመናን እታ ቤተ ክርስቲያንን ንፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ማቲያስን ቅርበተይን ጸሎተይን ጸሎት ኵላዊት ቤተክርስቲያን አረጋግጽ

ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ቸራዞ ኣስዒበን፡

ህልው ኵነታት ኢትዮጵያ

ኣብቲ ዓሌት ኦሮሞ ኣብላጺ ኣብ ዝዀነሉን ዝበዝሒ ሕዝቢ ኢትዮጵያ ዝነብረሉ ማእከላይ ዞባ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ዝተራእየ ውጥረትን ዓመጽን ኣዚዩ ዘሰክፍ ከምዝዀነ ናይ ኣፍሪቃ ልኡካነ ወንጌል ማሕበር መጽሔት፡ ኣባ ወልደየሱስ ሰይፉ  ምስ ቢቢሲ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና 60 ምእመናን ተቐቲሎም እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሱ ክሕብር እንከሎ፡ በቲ ዝተኸስተ ዓመጽ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ጸብጻብ ንምቕራብ ዘጸግም ምዃኑ የመላኽት።

እቲ መጽሔት ልኡካነ ወንጌል ንኣፍሪቃ፡ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዋ ሃይማኖታት ብዙሕ ምእመን ዘለዋ ምዃናን፡ ብተደጋጋሚ ምእመናና ንሓደጋ ይቃልዑ ከምዘለዉ ይሕብር።

ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ምዝብልና ይርከብ

ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ልዕሊ ክልተ ምሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ብዘሎ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ውጥረትን ዓመጽን ምኽንያት ከምእተመዛበለ ሮይተርስ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝሃቦ ጽብጻብ ተወኪሱ ከሕብር እንከሎ፡ ናይዚ ዓመጽ ቀንዲ መንቀሊ ይብል ሮይተርስ፡ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ናይቲ ብዙሕ ተፈላጥነት ዘለዎ ኣባል ዓሌት ኦሮሞን ጃዋር ሞሓመድ ዝወሃብ ሓለዋ ጸጥታን ደሕንነን ክእለይ ዝብል ዘመሓላለፎ ውሳኔ ምዃኑ የመላኽት።

ዝሓለፈ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ናይቲ ጋዜጠይና ጀዋር ሞሓመድ ዓሌት ኦሮማ ኣባላት ዝዀኑ መንእሰያት ንናይ ኢትዮጵያ መራሄ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዶም ዝሓበረ ሮይተርስ ኣስዒቡ፡ ኣብይ ኣሕመድ ንገዛእ ርእሶም እውን ኣባል ዓሌት ኦሮሞ ምዃኖም ኣዘኻኺሩ፡ ናይ ከባቢ ኦሮሞ ሓይሊ ጸጥታ ህየተ ከፍያለው ተፈር ነቲ ዝተለዓዓለ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ናብ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ውጥረት ንኸብል ዝብል መራሓ ግብሪ ዝነበሮ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ዓመጽ ክውገድ ይጽልዩ
04 November 2019, 17:07